ሕቶ ሳጹን
◼ ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሉ ዝነበረ ሰብ እንደገና ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ንኽኸውን ብኸመይ ክሕገዝ ይከኣል፧
ሓደ ዝዛሕተለ ሰብ ንየሆዋ ንምግልጋል ልባዊ ባህጊ ከም ዘለዎ እንተድኣ ኣርእዩ ዘሐጕስ ኢዩ። (ሉቃ. 15:4-6) እቲ ውልቀ-ሰብ በቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ምጽራር ወይ ጸቕጥታት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር: ኣብ ኣኼባታት ምክፋል: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ከም ዝገደፎ ፍሉጥ ኢዩ። መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽገብር ብዝበለጸ መገዲ ሓገዝ ክወሃቦ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
ኵላትና ተበግሶ ወሲድና ንዕኡ ዘሎና ሓቀኛ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ከነርእዮ ኣሎና። እቶም ሽማግለታት ነቲ ውልቀ-ሰብ ዘድልዮ መንፈሳዊ ነገራት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ቀልጢፎም ስጕምቲ ክወስዱ ኢዮም። (ያእ. 5:14, 15) እቲ ውልቀ-ሰብ ንሓጺር እዋን ዛሕቲሉ እንተድኣ ነይሩ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንደገና ንጡፍ ኰይኑ ምእንቲ ክዓዪ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ዝገብረሉ ሓገዝ እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ምስታ ጉባኤ ዝነበሮ ሕብረት ካብ ዘቋርጽ ነዊሕ እዋን ሓሊፉ እንተድኣ ዀይኑ ዝያዳ ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። እምነቱን ሞሳኡን ንምድልዳል: ነዚ ዝምልከት ትምህርቲ ብዝሓዘ ጽሑፍ ብብሕቱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ጥበባዊ ኢዩ። ከምዚ ንምግባር: እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ኣስፋሒ ጽንዓት ንኽመርሓሉ ምድላው ይገብረሉ። (እብ. 5:12-14፣ ኣብ ናይ ሕዳር 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶ ሳጹን ርአ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ከም ዘሎ እንተድኣ ፈሊጥካ: ነቲ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣዘራርቦ።
ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሉ ዝነበረ ውልቀ-ሰብ ናብ ኣገልግሎት ንኽኸይድ ቅድሚ ምዕዳምካ: ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽኸውን ብቕዓት እንተለዎ ንምርኣይ መጀመርታ ክልተ ሽማግለታት ከዘራርብዎ ጥበባዊ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ሰብ ኣስፋሒ እቲ ብስራት ክኸውን ክደሊ ኸሎ ዝስዕብዎ ኣገባብ ክስዕቡ ኣለዎም። (ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 17 ርአ።) እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ብስራት ንኻልኦት ንምክፋል ልባዊ ባህጊ ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 98-9 ተገሊጹ ዘሎ መሰረታዊ ብቕዓታት ከማልኦን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኰይኑ ክካፈልን ኣለዎ።
ጽቡቕ መንፈሳዊ ልምዲ ምጥራይ ነቲ እንደገና ኣስፋሒ ዝኸውን ዘሎ ሰብ ንምብርታዕ: ምስ የሆዋ ዘለዎ ክቡር ርክብ ንምዕቃብ: ከምኡውን ኣብ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምምልላስ ኣጸቢቑ ይሕግዞ ኢዩ። (ማቴ. 7:14፣ እብ. 10:23-25) ‘ብትግሃት ዘበለ ምስ ዝጋደልን’ ቀጻሊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ባህርያት ምስ ዘማዕብልን ከም ክርስትያን ወደ መዝሙር መጠን እንደገና ‘ሃካይን [“ዝዛሕተለን:” NW ] ዘየፍርን’ ከይከውን ይሕግዞ ኢዩ።—2 ጴጥ. 1:5-8