ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/00 ገጽ 3
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ዘይንጡፋት ኣይትረስዓዮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • “ናባይ ተመለሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 11/00 ገጽ 3

ሕቶ ሳጹን

◼ ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሉ ዝነበረ ሰብ እንደገና ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ንኽኸውን ብኸመይ ክሕገዝ ይከኣል፧

ሓደ ዝዛሕተለ ሰብ ንየሆዋ ንምግልጋል ልባዊ ባህጊ ከም ዘለዎ እንተ​ድኣ ኣርእዩ ዘሐጕስ ኢዩ። (ሉቃ. 15:⁠4-6) እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ በቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ምጽራር ወይ ጸቕጥታት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር: ኣብ ኣኼባታት ምክፋል: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ከም ዝገደፎ ፍሉጥ ኢዩ። መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽገብር ብዝበለጸ መገዲ ሓገዝ ክወሃቦ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

ኵላትና ተበግሶ ወሲድና ንዕኡ ዘሎና ሓቀኛ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ከነርእዮ ኣሎና። እቶም ሽማግለታት ነቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ዘድልዮ መንፈሳዊ ነገራት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ቀልጢፎም ስጕምቲ ክወስዱ ኢዮም። (ያእ. 5:⁠14, 15) እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ንሓጺር እዋን ዛሕቲሉ እንተ​ድኣ ነይሩ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንደገና ንጡፍ ኰይኑ ምእንቲ ክዓዪ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ዝገብረሉ ሓገዝ እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ምስታ ጉባኤ ዝነበሮ ሕብረት ካብ ዘቋርጽ ነዊሕ እዋን ሓሊፉ እንተ​ድኣ ዀይኑ ዝያዳ ሓገዝ የድልዮ ይኸውን። እምነቱን ሞሳኡን ንምድልዳል: ነዚ ዝምልከት ትምህርቲ ብዝሓዘ ጽሑፍ ብብሕቱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ጥበባዊ ኢዩ። ከምዚ ንምግባር: እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ኣስፋሒ ጽንዓት ንኽመርሓሉ ምድላው ይገብረሉ። (እብ. 5:⁠12-14፣ ኣብ ናይ ሕዳር 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶ ሳጹን ርአ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ከም ዘሎ እንተ​ድኣ ፈሊጥካ: ነቲ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣዘራርቦ።

ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሉ ዝነበረ ውልቀ⁠-​ሰብ ናብ ኣገልግሎት ንኽኸይድ ቅድሚ ምዕዳምካ: ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽኸውን ብቕዓት እንተለዎ ንምርኣይ መጀመርታ ክልተ ሽማግለታት ከዘራርብዎ ጥበባዊ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ሰብ ኣስፋሒ እቲ ብስራት ክኸውን ክደሊ ኸሎ ዝስዕብዎ ኣገባብ ክስዕቡ ኣለዎም። (ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 17 ርአ።) እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ብስራት ንኻልኦት ንምክፋል ልባዊ ባህጊ ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 98-9 ተገሊጹ ዘሎ መሰረታዊ ብቕዓታት ከማልኦን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኰይኑ ክካፈልን ኣለዎ።

ጽቡቕ መንፈሳዊ ልምዲ ምጥራይ ነቲ እንደገና ኣስፋሒ ዝኸውን ዘሎ ሰብ ንምብርታዕ: ምስ የሆዋ ዘለዎ ክቡር ርክብ ንምዕቃብ: ከምኡውን ኣብ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምምልላስ ኣጸቢቑ ይሕግዞ ኢዩ። (ማቴ. 7:⁠14፣ እብ. 10:⁠23-25) ‘ብትግሃት ዘበለ ምስ ዝጋደልን’ ቀጻሊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ባህርያት ምስ ዘማዕብልን ከም ክርስትያን ወደ መዝሙር መጠን እንደገና ‘ሃካይን [“ዝዛሕተለን:” NW  ] ዘየፍርን’ ከይከውን ይሕግዞ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥ. 1:⁠5-8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ