ሕቶ ሳጹን
◼ ነቲ ሓደ ናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣባል ዝሃበካ መምርሒ ተቐቢልካ ንሓደ ዝዛሕተለ ሓው ወይ ሓብቲ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ገና ግቡእ ድዩ፧
ሽማግለታት ንዝዀነ ይኹን ዝዛሕተለ ኣባል እታ ጉባኤ ሓዊስካ: ነታ ጉባኤ ክጓስዩ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቶም ዝዛሕተሉ ሰባት ይበጽሕዎም: ዘድልዮም ብሕታዊ ሓገዝ እንታይ ምዃኑ ድማ ይውስኑ። እዚ ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ነቲ ዝዛሕተለ ሰብ ብብሕቱ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 103 እቲ ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላው ክጥቀም ዝኽእል መን ምዃኑ ክውስን ከም ዘለዎ ትገልጽ።
እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብዝበለጸ ክሕግዝ ዝኽእል መን ምዃኑ: ክጽናዕ ዘለዎ ኣርእስቲ እንታይ ምዃኑ: ከምኡውን ብዝያዳ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ጽሑፍ ኣየናይ ምዃኑ ይውስን። ምናልባት እቲ ካብ መጀመርታ ጽንዓት ዝገበረሉ ሓው ወይ እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ዝፈልጦን ዘኽብሮን ካልእ ሓው ጽቡቕ ገይሩ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ክኢላን ብስልትን ሓብቲ ንሓንቲ ዝዛሕተለት ሓብቲ ክትሕግዛ ክትሕተት ትኽእል ኢያ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ካልእ ኣስፋሒ ነቲ ጽንዓት ክገብረሉ እተመደበ ሓው ከሰንዮ ኣድላዪ ኣይኰነን። እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ክሕገዝ ምስ ዝምደብ: እቲ ጽንዓት ዝገብረሉ ኣስፋሒ: ግዜን ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓትን ክቘጽር ይኽእል ኢዩ።—ኣብ ናይ ሕዳር 1987 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 1-2 ርአ።
እቲ ተማሃራይ ጥሙቕ ሓው ስለ ዝዀነ: እቲ ጽንዓት ብሓፈሻ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ኣድላዪ ኣይኰነን። እቲ ሸቶ: እቲ ዝዛሕተለ ሰብ ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል ንኽጅምርን ስርዓታዊ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ንኽኸውንን ምሕጋዝ ኢዩ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ነቲ እቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽንዓታት ዝገብርዎ ዕቤት ይዕዘቦ። እቲ ውጽኢት ናይዚ ፍቕራዊ ሓገዝ እዚ: እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኣቶም ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓላፍነት ምስካም ንኽኽእሉ ከምኡውን ኣብ ሓቂ ኣጸቢቖም ‘ሱር ንኽሰዱን ንኽስረቱን’ ክኸውን ኣለዎ።—ኤፌ. 3:17፣ ገላ. 6:5