ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/96 ገጽ 1
  • ነንመዓልቲ መብጽዓና ምፍጻም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነንመዓልቲ መብጽዓና ምፍጻም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • “ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ምስቲ ናይ መርዓኹም ማሕላ ተሰማሚዕኩም ንበሩ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • እሙናት ሰባት መብጽዓኦም ይፍጽሙ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 7/96 ገጽ 1

ነንመዓልቲ መብጽዓና ምፍጻም

1 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ: ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ” ብምባል ንየሆዋ ክእውጀሉ ተለዓዒሉ ኢዩ። (መዝ. 61:⁠8) ዳዊት መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ብወለንታ ዝግበር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እንተድኣ ተመባጺዑ ግን ንኽፍጽሞ ግዴታኡ ከም ዝዀነውን ኣፍልጦ ሂቡሉ ኢዩ። (መክ. 5:​4-6) ጌና ግን መብጽዓኡ ነንመዓልቲ ንኽፍጽም ኣጋጣሚ ብምርካቡ ንየሆዋ ወዲሱዎ ኢዩ።

2 ንየሆዋ ህይወትና ክንወፊ ከሎና: ፍቓዱ ክንገብር ብፍታው መብጽዓ ኣቲና ኢና። ገዛእ ርእስና ቀቢጽና: ንየሆዋ ምግልጋል ድማ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ጕያና ጌርናዮ ኢና። (ሉቃ. 9:​23) ስለዚ: ንሕናውን እንተዀንና ነንመዓልቲ ዝገበርናዮ መብጽዓና ክንፍጽም ይግብኣና። (ማቴ. 5:​37) እቲ ብማይ ክንጥመቕ ከሎና ዝገበርናዮ ህዝባዊ ምስክርነት ኣብ ብምሉኡ ናብራ ህይወትና ክንጸባረቕ ኣለዎ: ከመይሲ ሓደ ሰብ “ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 10:10) እዚ ነቲ ብስራት ምስባኽ ዘጠቓልል ኢዩ። (እብ. 13:15) ብሕታዊ ኵነታት ኣጸቢቑ ይፈላለ ኢዩ: ይኹን እምበር ኵልና ነቲ ብስራት ንኻልኦት ናይ ምክፋል ኣድላይነት: ነንመዓልቲ ፍሉይ ቆላሕታ ክንገብረሉ ኣሎና።

3 መዓልታዊ ንኽትሰብኽ ኣጋጣሚታት ፍጠር:- ንሓደ ሰብ ብስራት ከተካፍሎ ዘሐጕስ ተመክሮ ኢዩ። ነዚ መዓልታዊ ምእንቲ ክንገብሮ: ኵነታትና ኣብ ዘፍቅደልና ንኽንሰብኽ ኣጋጣሚታት ክንፈጥር ኣሎና። እቶም ኣብ ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ንጐረባብቲ ወይ ድማ ንኻልኦት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝረኽብዎም ሰባት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክገብሩሎም ተበግሶ ዝወሰዱ ሰባት ብዙሕ ዘሐጕስ ተመክሮታት ኣስተማቒሮም ኢዮም። አረ ደብዳበ ምጽሓፍ ወይ ድማ ተሌፎን ምጥቃም እውን ከይተረፈ ንኻልኦት እትምስክረሉ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኵሎም እዞም መገድታት እዚኣቶም ከምኡውን ካብ ቤት ናብ ቤት ንምምስካርን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን ውሱን ግዜ ምፍላይ: ናብቲ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ዝርከብ ፍሉይ ሓጐስ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። እወ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽንሰብኽ ኣጋጣሚታት ክንፈጥር ንኽእል ንኸውን።

4 ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ግዜ ናይ ምሳሕ ወይ ናይ ሻሂ ዕረፍታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ከተንብብ ጀመረት። ንመሳርሕታ ናይታ መዓልቲ እቲኣ ጥቕሲ ምስኣ ኰይና ከተንብባ ዓደመታ: እዚ ድማ ብኡብኡ ምስታ ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምጅማር መርሐ። ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ: ኣብ መዓልቲ ድማ ፍርቂ ሰዓት የጽንዓ ነበራ። ካልእ መሳርሕተን ነዚ መዓልታዊ መጽናዕተን ተዓዘቦ። ኣብ መወዳእታ ንሱ ዝዛሕተለ ሓው ምዃኑ ባዕሉ ተዛረበ። በቲ ናይታ ሓብቲ ቅንኢ ተለዓዒሉ: እንደገና ምእንቲ ክበራበር ምስ ሓደ ሽማግለ ተራኸበ። እዛ ሓብቲ እዚኣ መብጽዓኣ ነንመዓልቲ ክትፍጽም ስለ ዝተኸታተለት ናይ ክልተ ሰባት ህይወት ብኣወንታዊ መገዲ ተንኪፋቶ ኢያ።

5 ብምኽንያት እቲ የሆዋ ዝገበረልና ኵሉ ጽቡቕ ነገር ብሞሳ ብዝመልአ ልቢ እንተድኣ ተለዓዒልና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቲ ናይ ወፈያና መብጽዓ በቲ ዝከኣለና ኵሉ ምፍጻሙ ሓጐስን ዕግበትን ከምጽኣልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚአብሄር ኣምላኸይ: . . . ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ: ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ” ብምባል ክንእውጅ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝ. 86:⁠12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ