ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/96 ገጽ 2
  • ሕቶ ሣጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሣጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ናይ ጉባኤኹም ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣኼባ ፕሮግራም ምሉእ ብምሉእ ደግፍዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘሐጕስ ኣኼባ ገይሮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 8/96 ገጽ 2

ሕቶ ሣጹን

◼ እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዝህብ ሰብ: ኣብ ሰዓቱ ኣብቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ምስ ዘይርከብ እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ፧

ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ሓው እቲ እተመደበሉ ዝርርብ ንኽህብ ኣብ ግዜኡ ኣብቲ ቦታ ንኸይበጽሕ ዘተዓናቕፍ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ኵነታት የጋጥም ኢዩ። ቍሩብ ጸኒሑ ከም ዝመጽእ እንተድኣ ተረጋጊጹ: እቶም ሽማግለታት ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክጅምሩ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ ብድሕሪኡ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣኼባ ይስዕብ። እቲ ተዛራባይ ከም ዘይመጽእ ርግጽ ምስ ዝኸውንከ እንታይ ይገበር፧ ሓደ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ህዝባዊ ዝርርብ ዝህቡ ኣሕዋት: ኣቐዲሙ እተዳለወሉ ዝርርብ ከቕርብ ይከኣል ኢዩ።

ኣቐዲሙ ዝግበር ጥንቃቐ እተሓወሶ መደብ: እዚ ግድል እዚ ከይፍጠር ክከላኸል ይኽእል ኢዩ። ነቲ ዝቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ ዘተሓባብር ሓው እንተ ወሓደ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ ንነፍሲ ወከፍ ተዛራቢ ከዘኻኽሮ ኣለዎ። እቲ መዘኻኸሪ ናይቲ ኣኼባ ሰዓት: ናይቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣድራሻን ስልኪ ቍጽርን: ከምኡውን እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣበይ ከም ዝርከብ ዝገልጽ ንጹር ዝዀነ ሓበሬታ ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ተዛራባይ ከኣ ብዛዕባ እዚ መዘኻኸሪ እዚ ተጠንቂቑ ዝርዝር ነጥብታት ክሕዝ ኣለዎ። ሓላፍነቱ ንኽፍጽም ዘኽእሎ: ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቱ ዘድሊ ምትዕርራያት ብምግባር: ነቲ መዝነቱ ኣርዚኑ ክርእዮ ኣለዎ። ንኸይከይድ ዝኽልክሎ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ኵነታት ምስ ዘጋጥሞ: ንዕኡ ዝትክእ ሰብ ምእንቲ ከዳሉ ብኡንብኡ ነቲ ናይ ህዝባዊ ዝርርብ ኣተሓባባሪ ሓው ክነግሮ ኣለዎ። ኣብ ኣፉን ዕርብቱን ኣይጥዕመንን ኢዩ ኢልካ ምንጋር ምእንቲ ክውገድ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። እቲ ተዛራባይ ቍሩብ ደንጕዩ ከም ዝበጽሕ እንተድኣ ተገንዚቡ: እቶም ኣሕዋት ብኸመይ ከም ዝቕጽሉ ምእንቲ ክውስኑ ስልኪ ክድውል ይኽእል ኢዩ።

ንናይ ህዝባዊ ዝርርብ መዝነት ሞሳ ምርኣይ: ኣቐዲምካ ዝግበር ጥንቃቐ ዘለዎ መደብን መዘኻኸሪታትን: ከምኡውን ጥንቃቐ ዘለዎ ትዕዝብቲ ምግባር እታ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ጠቓሚ ህዝባዊ ዝርርብ ከም እተስተማቕር ክገብራ ይኽእል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ