ተመክሮ ንዘይብሎም ሰባት ኣእምሮ ከጥርዩ ሓግዞም
1 በቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ገይርና: ንኻልኦት እቲ ኣምላኽ ካብኦም ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ምዃኑ ንምህሮም ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) እዚ ንምግባር: በቶም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ዓቢ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። ዓወት በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝሓልፍ ሰዓታት: በቲ ዝዕደል ጽሑፋት: ወይ በቲ ዝጅመር ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ዝዕቀን። ኣብ ሸቶና እንበጽሕ: ሰባት ነቲ እተማህርዎ ተረዲኦም ስጕምቲ ምስ ዝወስዱ ኢዩ።
2 ንኻልኦት ብመንፈስ ምሕጋዝ: ‘ንገርህታት [“ተመክሮ ንዘይብሎም:” NW ] ኣእምሮ’ ከም ዘጥርዩ ምግባር ዘጠቓለለ ኢዩ። (መዝ. 119:130) ኣልባብ ዝትንከፍ: ሰባት ከኣ ዝለዓዓሉ ምስ ‘ዘስተውዕሉ’ ጥራይ ኢዩ። (ማቴ. 15:10) ዕዮና ክሰፍሕን ክጽዕቕን ከሎ: ብቕልል ዝበለ መገዲ ምዝራብን ምምሃርን ከም ዘድሊ ዝያዳ እናተረዳእና ኢና ንኸይድ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኢያ: ማሕበር ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ (እንግሊዝኛ) እትብሃል ብሮሹር ዝሓተመት። እዚኣ ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሽፍን ሰፊሕ ምርዳእ ዘለዎ መጽናዕቲ ዝሓዘት ኢያ። እቲ ትምህርትታት ሓጺር: እቲ ቃላት ዘይተሓላለኸ: ከምኡውን እቲ ትምህርቲ ንኽትርድኦ ቀሊል ብምዃኑ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ማራኺት ይገብራ።
3 ፈኲስ ኣቀራርባ ተጠቐም:- ነዛ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ከተቕርብ ከለኻ: ናብቲ “እዛ ብሮሹር እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ክትሕግዝ ኢያ ተዳልያ” ዝብል ኣብ ገጽ 2 ዘሎ መግለጺ ርአ። እቲ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ዘድልዮ ምኽንያት ንምግላጽ ኣብ ገጽ 3 ቍጽሪ 3 ኣመልክተሉ። ብገለ ካብቲ ርዱእ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝገልጽ ኣርእስትታት ናይቲ ትምህርቲ ገይርካ ተገዳስነቱ ኣለዓዕል። እዛ ብሮሹር እዚኣ: ንምጽናዕ ባህ ከም ዘብል እትገብሮ ብኸመይ ምዃኑ ኣርእዮ: ብሕታዊ ሓገዝ ከም እትህቦ ኸኣ ንገሮ።
4 ዝምዕብል ጽንዓት ምራሕ:- ሸቶና ጽንዓታት ምምራሕ ጥራይ ኣይኰነን—ጽኑዓት ደገፍቲ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ክንገብር ኢና እንደሊ። እታ ብሮሹር ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክትውዳእ ትኽእል ኢያ: መጽሓፍ ፍልጠት ናብ ምጽናዕ ከኣ ክትመርሕ ኣለዋ። (ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዘሎ እግረ-ጽሑፍ ርአ።) እቲ ተማሃራይ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንማሕበር የሆዋ ከለልያ ሓግዞ። (መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] ገጽ 283-4 ርአ።) ኣድላይነት ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣጕልሕ: ኣብኡ ምክፋል ከኣ ሓቀኛ ኣምልኾ ብኸመይ ኣብ ተግባር ከም እተውዕሎ ምርዳእ ዘስፍሕ ምዃኑ ግለጽ።—እብ. 10:24, 25
5 ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምክፋል ነቶም ቅኑዓት ሰባት ናብ ህይወት ዝመርሕ ‘ምስትውዓል ንኸጥርዩ’ ብምሕጋዝ ዝርከብ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልና እተረጋገጸ ኢዩ።—ምሳ. 4:5