ንኻልኦት እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ምሃሮም
1 ገና ሕጂውን እንተዀነ ብመንፈሳዊ መገዲ ካብ ‘ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር’ እተጠልዩ ብዙሓት ሰባት ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። (ኣሞ. 8:11) ገሊኦም ኣምላኽ ከም ዘሎ ክኣምኑ ከለዉ: ብዛዕባ ዕላምኡን እቲ ንሱ ዝደልዮ ብቕዓታትን ግን ኣይፈልጡን ኢዮም። ስለዚ: ንሕና እቲ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ሓቂ ናይታ መንግስቲ ክንምህሮም ከድልየና ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ንምምስካር ብግቡእ እተዓጥቕናን ድሉዋትን ብምዃን ነቶም የሆዋ ዝደልዮ ብቕዓታት ክመሃሩ ዝደልዩ ሰባት ክንረኽቦም ንኽእል ኢና።
2 ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ኣዝዩ እዋናዊ ዝዀነ ዝዕደል ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ክህልወና ኢዩ። ብተወሳኺ ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ (እንግሊዝኛ) እትብሃል ብሮሹር ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ሒዛቶ ዘላ ማራኺ ስእላዊ መግለጺታትን ዘተሓሳስብ ሕቶታትን: እዛ ብሮሹር እዚኣ ሰፊሕ ተቐባልነት ከም እትረክብ ክገብራ ኢዩ። እዚ ዝስዕብ ርእይቶታት ነቲ ብሉጽ ዝዀነ ጽሑፋትና ጽቡቕ ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ንኽንጥቀመሉ ክሕግዘና እተዋህበ ኢዩ።
3 ሰባት ምድላይ:- ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤት ዘይንረኽበሉ ከባቢታት: ንሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ምድላዮምን ምዝራቦምን ጠቓሚ ምዃኑ ይረጋገጽ ኣሎ። እታ ናይ መስከረም 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ነቲ ብስራት ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ—ኣብ መገዲ: ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ: ከምኡውን ኣብ መናፈሻታትን ናይ ስራሕ ቦታታትን—ክንሰብኽ ኣተባቢዓትና ኢያ። ከምኡውን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምግባር ኣጋጣሚታት ኣብ ምፍጣር ንቑሓት ከም እንኸውን ገይራትና ኢያ። ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ብምስባኽካ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ዓወት ረኺብካ ኣሎኻ፧ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ! ከምኡውን እታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ናይ ሰባት ህይወት ዝትንክፍን ናይ ኣተሓሳስባ ክእለት ዘለዓዕልን ሓበሬታታት ዘቕርብን ጽሑፋት ብምዃኑ: ኵሉ ዓይነት ምስክርነት ንምሃብ ዝጥዕም ኢዩ።
4 ዝርርብ ምጅማር:- ዳሕረዋይ ገጽ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ከመይ ገይርካ ናትካ ኣቀራርባ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ከም እተዳሉ ይዝርዝር። እዚ ሓበሬታ እዚ ካብታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ናትካ ኣቀራርባ ኣብ ምድላው እውን ኣስላጢ ክኸውን ኢዩ። እቲ እንብሎ ሓጺር ዘረባ ወይ ከኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ዘለዎ ንውሕ ዝበለ ዘረባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ናይ መኽፈቲ ቃላት ብጥንቃቐ ክትመርጾ ኣድላዪ ኢዩ: ምኽንያቱ እዚ ነቲ እትቐርቦ ሰብ ምስማዕ ንኽቕጽል ወይ ንኸይቅጽል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ገሊኦም በዚ ዝስዕብ ናይ መኽፈቲ ሓሳብ ተዓዊቶም ኢዮም:- “ዘተባብዓኒ ዓንቀጽ ኣንቢበ ነይረ ንኣኻ ከካፍለካ ኸኣ እደሊ እየ።” ወይ ከኣ እቲ ሰብ ንኽዛረብ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ክሕተት ይከኣል ኢዩ።
5 ምስቲ ከባቢኻ ዝሰማማዕ እንተድኣ ኰይኑ ኣብዚ ወርሒ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሎሚ ብዙሕ ርስሓት: ጐሓፍ: ከምኡውን ምብካል ኢና ንርኢ። ምድሪ ንምጽራይን ንኽትነብረላ ዝሓሸት ቦታ ንምግባርን እንታይ የድሊ፧” መልሲ ተጸበ: ብድሕርዚ ኸኣ ብኸመይን መዓስን ምድሪ ዓለምለኻዊት ቦታ ኣታኽልቲ ከም እትኸውን ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከም ዘሎካ ግለጸሉ። ንጹር ዝዀነ ሓሳባት: ሓጺር ጥቕሲ: ከምኡውን ካብቲ እዋናዊ መጽሔት ህያው ዝዀነ ስእላዊ መግለጺ ኣርእዮ: ብድሕርዚ ኸኣ ነቲ መጽሔት ባዕሉ ንኸንብቦ ኣበርክተሉ። ምዝርራብ ቅድሚ ምውዳእካ: እንደገና ካልእ መዓልቲ ንኽትቅጽሎ ቈጸራ ግበር።
◼ “ሰባት በዚ ሎሚ ዘጋጥም ዘሎ ሽግራት ተኸቢቦም ክነብሩ ኣምላኽ ዝደሊ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧” እቲ ሰብ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ: ከምዚ ክትብል ትኽእል:- “ምስቲ የሱስ ንሰዓብቱ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ክጽልዩ ዝማሃሮም ጸሎት ሌላ ይህልወካ ይኸውን። መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ ምዃናስ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧” ናብ ትምህርቲ 6 ናይታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ገንጽል እሞ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ትምህርቲ ዘሎ ሕቶታት ኣንብብ። ብድሕርዚ ቍጽሪ 1 ከተንብብ ከሎኻ መልሲ ናይታ መጀመርታ ሕቶ ኣርኢ። እቲ ዝተረፈ ሕቶታት ልክዕ ከምኡ ብሕጽር ዝበለ ተመሊሱ ከም ዘሎ ግለጽ። ነታ ብሮሹር ኣበርክታ: ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንኽትህቦ እንደገና ክትራኸቡ ኸኣ ሕተት።
◼ “ብዙሓት መስተውዓልቲ ሰባት ነዘን ናይ ዓለም ሃይማኖታት ከም መፍትሒ ግድላት ሰብ ዘይኰነስ ከም ጠንቂ ናይቲ ግድላት ገይሮም ክርእይወን ጀሚሮም ኣለዉ። ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል፧” ናይቲ ሰብ ኣረኣእያ ድሕሪ ምስማዕካ: ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ፍሽለት ወይ ከኣ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ውድቀት ዝገልጽ ተገዳስነቱ ከለዓዕል ዝኽእል ነገር ካብቲ እዋናዊ መጽሔታት ኣርእዮ። ከንብቦ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ። ኣስማት ተለዋወጡ እሞ: ሓቀኛ ሃይማኖት ብኸመይ ከም ዘይፈሸለት ምእንቲ ከትገልጸሉ እንደገና ንኽትራኸቡ ሕተቶ።
◼ “ሎሚ ኣብ ናብራ ስድራቤት ብዙሕ ግድላት ስለ ዘሎስ: ሓጐስ ስድራቤት ንምርካብ ምስጢሩ እንታይ ምዃኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” መልሲ ተጸበ: ብድሕርዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እንታይ ምዃኑ ከም ዝነግር ግለጸሉ። ምናልባት ኢሳይያስ 48:17 ከተንብብ ትኽእል ትኸውን። ብድሕርዚ ኣብ ትምህርቲ 8 ናይታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ገንጽል እሞ: ገለ ካብቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ትውክልቲ ክግበሮ ዝኽእል መምርሒ ዝህብ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኣመልክተሉ። ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ትምህርቲ ዘሎ ዝርዝር ሕቶታት ኣንብብ። እቲ ሰብ ነቲ መልስታት ከንብብ ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ ሕተቶ። ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ንምህላው ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተግባራዊ መምርሒ ንኸተካፍሎ ካልእ መዓልቲ ክትመጽእ ምዃንካ ድማ ንገሮ።
6 ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ክንብርትዕ ኣተባቢዓትና ኢያ። በታ ሓዳስ ብሮሹር ገይርና እንተኽኢልና ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕና: እንተ ዘይኰይኑ ግን ኣብ ተመላሊስካ ምሕታት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ዝነኣድ ኢዩ። ንወድሰብ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር: ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓት ክማሃሮን ብድሕርዚ ኸኣ ኣብ ተግባር ከውዕሎን ኢዩ። (ቈሎ. 1:9, 10) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ህይወት ዝደልዮ ብቕዓታት እቲ እንፈልጦ ክንምህር እንተድኣ ጀሚርና: ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ንኻልኦት ኣጸቢቕና ክንረብሖም ኢና።—1 ቈረ. 9:23