ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እንታይ ጽሑፋት ኢዩ ክህሉ ዘለዎ፧
ንጥቕሚ ህዝቢ ኣምላኽ ዝኸውን ብዙሕ መንፈሳዊ ጽሑፋት ተዳልዩ ኢዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ እዚ ዅሉ ብብሕቶም ስለ ዘይብሎም: እቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘሎ ቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: እቲ ንምርምር ዝኸውን ክርከብ ዘይክኣል ጽሑፋት ከም ዝዳሎ ይገብር። ስለዚ እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ብእተፈላለየ ትርጕማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: እዋናዊ ጽሑፋት ናይ ማሕበር: ቅድሓት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና: ጥሙር ጥራዛት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብተወሳኺውን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት መሐበሪታት ጽቡቕ ገይሩ ዝመልአ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ዝዀነ ዘመናዊ መዝገበ-ቃላት ክሕዝ ይግባእ። ክርከብ ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ድማ: ኢንሳይክሎፐድያ: ኣትላስ ወይ ከኣ ንሰዋስው ከምኡውን ታሪኽ ዝኸውን መወከሲ መጻሕፍቲ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ቀንዲ እነተኵረሉ ነቲ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝዳሎ ጽሑፋት ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።—ማቴ. 24:45 NW
ኣብ ገሊኡ ኵነታት ዘይግቡእ መጻሕፍቲ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ከም ዘሎ ጸብጻብ ቀሪቡ ኢዩ። ልቢ ወለድ: ሃየር ክሪቲሲዝም ዘጕልሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶታት: ወይ ከኣ ናይ ፍልስፍና ወይ መናፍስትነት መጻሕፍቲ ክህሉ ግቡእ ኣይኰነን። ቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ነቶም ዝጥቀምሉ ቀጻሊ መንፈሳዊ ምምሕያሽ ዘምጽኣሎም ጽሑፋት ጥራይ ዘጠቓለለ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።—1 ጢሞ. 4:15
ነቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ምክንኻን ዝሕግዝ ካልእ ሓው ክምዘዝ ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኢዩ ሓላፍነት ናይቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ዘሎዎ። ሓደስቲ ጽሑፋት ኣብቲ እተረኽቡሉ ግዜ ብምውሳኽ እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ግዜ ዝኸይድ ምዃኑ ክዕዘብ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ገበር ናይ ነፍሲ ወከፍ መጸሓፍ ስም ናይታ እትውንኖ ጉባኤ ብንጹር ክጽሓፍ ኣለዎ። በብዓመቱ: ካብቲ መጻሕፍቲ ምዕራይ ወይ ምትካእ ዘድልዮ እንተድኣ ኣልዩ ክርአ ኣለዎ።
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ምክንኻን ክትሓባበር ይኽእል ኢዩ። ነቲ መጻሕፍቲ ኣብ ምሓዝን ኣብ ምጥቃምን ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ። ቈልዑ ክጻወትሉ ወይ ከኣ ዝዀነ ሰብ ምልክት ክገብረሉ ክፍቀድ ኣይግባእን። እቲ መጻሕፍቲ ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክወጽእ ከም ዘይብሉ ዘዘኻኽር ንጹር ምልክት ኣብቲ ቤተ-መጽሓፍቲ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
ሓደስቲ ጉባኤታት ብቐጻሊ ይምስረታ ብምህላወን: ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ዓቕመን ድሩት ኰይኑ ይኸውን ኢዩ። ናይ ቅድም ጽሑፋት ዘለዎም ኣስፋሕቲ ነታ ጉባኤ ክህብዋ ይሓስቡ ይዀኑ። እቶም ሽማግለታት እቲ እንደገና እተሓትመ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጥሙር ጥራዛት ንማሕበር ክሓቱ ይደልዩ ይዀኑ። በዚ መገድታት እዚ: ቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኵሎም ነቲ ፍልጠት: ጥበብ: ምርዳእ ዝህብ ሕቡእ መዝገብ ናይ ቃል ኣምላኽ ንኽረኽብዎ ሓጋዚ ምዃኑ ከረጋግጽ ኢዩ።—ምሳ. 2:4-6