ንኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝምልከት እተገብረ ሓድሽ ምድላው
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ኣብዚ ግዜ እዚ ንሓያሎ ዓመታት ካብቲ ቐደም ቤተ-መጻሕፍቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ሕጂ ኸኣ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝበሃል ምድላው ክጥቀማ ጸኒሐን እየን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤተ-መጻሕፍቲ ኽትሕዝ እዩ ዝድለ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጥቀማ ጉባኤታት ብዙሓት ስለ ዝዀና: ገለ ኻብዚኣተን ድማ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዝጥቀማ ብምዃነን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንሓደ ቛንቋ ሓደ ቤተ-መጻሕፍቲ ጥራይ ምሓዝ ዝሓሸ ዀይኑ እዩ ተረኺቡ። ኣብቲ ኻብ ሓደ ንላዕሊ መአከቢ ኣደራሻት ዘለዎ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣደራሽ ንነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ዝእከባ ጕጅለ ቛንቋታት ዝኸውን ቤተ-መጻሕፍቲ ኽግበር ኣለዎ።
እዚ ምድላው እዚ ቦታን ወጻኢታትን ክቕንስ ኢና ትጽቢት እንገብረሉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ክልተ ወይ ካብኡ ዝዛይድ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ ምግባሩ ዝሓሸ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ንኽህልወካ የኽእል። እቲ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ ኽግበር ከሎ እቲ ተረፍ ቕዳሓት ኣብ መኽዘን ክቕመጥ: ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክህነጽ ከሎ ኸኣ ኽወሃብ ይከኣል እዩ። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኮምፕዩተርን ኣብ ሲዲ-ሮም ዝርከብ ዎችታወር ላይብረሪን ምስ ዝህልዎ: ገሊኣቶም ካብዚ ኽጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ዓቃብ መጻሕፍቲ ዀይኑ ዘገልግል ሓደ ሓው ክምደብ ኣለዎ: እዚ ድማ ሓደ ኻብቶም ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዘብቲ እንተዀነ ይምረጽ። ቀስ ብቐስ ነቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝኸውን ዘድሊ ጽሑፋት ከዋህልልን ናይቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ንብረት ምዃኑ ኣብ ውሽጣዊ ገበር ብጽፈት ምልክት ክገብረሉን ኣለዎ። እንተ ወሓደ ኣብ ዓመት ሓንሳእ: እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምሉእ ምዃኑን እቲ ጽሑፋት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዝርከብን ከረጋግጽ ኣለዎ። ኣብዚ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ዝርከብ ጽሑፋት ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወጻኢ ኽውሰድ የብሉን።
እቶም ኣባላት ጉባኤ ንቤተ-መጻሕፍቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም የማስዉሉ እዮም። እምበኣር ነቲ መጻሕፍቲ ተጠንቂቕና ብምሓዝን ብእኡ ጌርና “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ንኽንረክብ ምርምር ብምግባርን በብውልቅና ነዚ ምድላው እዚ ዘሎና ኣኽብሮት ነርኢ።—ምሳ. 2:5