ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ብግቡእ ተጠቐመሎም
1 ወድሰብ ኣብ እተፈላለየ ኵርናዓት ምድሪ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ብሚልዮናት ዝቝጸር መጻሕፍቲ ከዚኑ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ንሰብኣዊ ዓሌት እንታይ ነባሪ ጥቕሚ ኣምጽኣሉ፧ (መክ. 12:12) እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ንደቅሰብ እተምጽኣሎም ነገራትን ዘተኵር ጽሑፋት ግና ዝያዳ ጥቕሚ ኣለዎ። ብዙሓት ጉባኤታት ኣብ መኽዘነን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እተሓትመ ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ኣለወን። ኣብ ወርሒ ጥሪ ገለ ካብዚ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ክንዕድል ኢና።
2 ናይ ሓቂ ጥቕሚ ኣለዎ:- ገሌና ነዚ መጻሕፍቲ ምስ ሓደስቲ ጽሑፋት ብምውድዳር ግዜኡ ዝሓለፎ ኰይኑ ይስማዓና ይኸውን: እንተዀነ ግን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቂ ሒዙ ከም ዘሎ ክንርስዕ የብልናን። እቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ሕጂውን ጠቓሚ ኢዩ: ዘቕልበሉ እንተ ረኺቡ ኸኣ ህይወት ዘድሕን ኢዩ። (ዮሃ. 17:3) ስለዚ: ነዞም ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ብግቡእ ምእንቲ ኽንጥቀመሎም ተወሳኺ ጻዕሪ ክንገብር ኣሎና።
3 ተመክሮ ናይ ሓንቲ ካብ ዓባያ ብዙሕ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ዝወረሰት ሰበይቲ ንጥቕሚ ናይዚ ጽሑፋት እዚ ዘጕልሕ ኢዩ። ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ መጻሕፍቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ሓቂ ጥቕሚ ትፈልጥ እንተ ዀይና ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ “እቲ ናይ ሓቂ ጥቕሙ ኣይፈልጦን ኢየ: ብኸመይ ግን ክፈልጦ ምኸኣልኩ፧” በለታ። እታ ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት: ንሓቂ እውን ተቐበለት: ካብ ሽዑ ንነጀው ነቲ ናይ ዓባያ እኩብ መጻሕፍቲ ከም ክቡር መዝገብ ክትሕዞ ጀመረት። እዚ እኩብ መጻሕፍቲ እዝስ ከመይ ዝበለ ክቡር ውርሻ ዀይኑ ኰን ኢዩ እተረኽበ!
4 ኣብ ኢድ ሰባት ከም ዝኣቱ ግበር:- ኣብ ርእሲ እቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ነዚ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ እትገብሮ ምዕዳል: ነቶም ጽሑፋትና ከንብቡ ባህ ዝብሎም: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ኵንትራት ዘለዎም: ከምኡውን ነቶም ምብጽጻሕ መጽሔት እትገብረሎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሎም ከሎኻ ነዚ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ከተበርክተሎም ጽቡቕ ምዃኑ እውን ኣይትረስዕ። ነቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም እውን ካብ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ መሪጽካ ምስ እትህቦም: እቲ ብዛዕባ ሓቂ ዘለዎም ምርዳእ ክሰፍሕ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ካብዚ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ብሕታዊ ቅዳሕ ምስ ዘይህልወካ ምውሳድ ኣይትረስዕ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ነቲ እትገብሮ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ከስፍሕ ዝኽእል ክቡር ቲኦክራሲያዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ክህልወካ ኢዩ።
5 ነዚ ናይ ቀደም መጻሕፍትና ኣብ ክንዲ እንኽዝኖ: ነቶም እንረኽቦም ሰባት ‘ንኣምላኽ ክፈርሁን ንትእዛዛቱ እውን ክሕልዉን’ ከም ዘለዓዕሎም ንምግባር ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ።—መክ. 12:13