ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/97 ገጽ 4
  • ካልኦት ምጽንናዕ ክረኽቡ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልኦት ምጽንናዕ ክረኽቡ ሓግዞም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኻልኦት ናይ ሓቂ ሓልዮት ብምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ናይታ መንግስቲ ብስራት ብብሮሹራት ገይርኩም ኣውጁዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ኣብ ኣገልግሎትካ እተፈላለየ ብሮሹራት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 9/97 ገጽ 4

ካልኦት ምጽንናዕ ክረኽቡ ሓግዞም

 1 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ባህርያዊ ዕንወት: ውግእ: ገበን: ከምኡውን ስቓይ ምስማዕ ተመንይዎም ኢዩ። ምጽንናዕ: ሎሚ ካብ ናይ ዜና ጸብጻባት ኣዝዩ ርሒቑ እኳ እንተሎ እቲ ንወድሰብ ብሓቂ ዘድልዮ ነገር ኢዩ። ምጽንናዕ ማለት “ብርታዐን ተስፋን ምሃብ” ከምኡውን ናይ ሓደ ሰብ “ጓሂ ወይ ሽግር ምህዳእ” ማለት ኢያ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ንሰባት በዚ መገዲ እዚ ክንሕግዝ ተዓጢቕና ኢና። (2 ቈረ. 1:⁠3, 4) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እነበርክቶ ብሮሹራትና ዘጸናንዕ መልእኽቲ ሓቂ ዝሓዘ ኢዩ። (ሮሜ. 15:⁠4) ነዚኣቶም ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ንምብርካት ዝሕግዝ ገለ ሓሳባት እነሆ:-

 2 ዘሕዝን ፍጻመ ዝገልጽ ዜና ምዝንታው ንኻልኦት ምስክርነት ንምሃብን ንምጽንናዕን ኣጋጣሚ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ: ምናልባት ነዚ ዝመስል ክትብል ትኽእል:-

◼ “ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምስ ዘጋጥም: ገለ ሰባት ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ይጠራጠሩ: እንተሎ እውን እምበርዶ ብዛዕባና ይግደስ ኢዩ፧ ኢሎም ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምውሳን ዘኽእል ሓደ መገዲ ፍሉጥ ዝዀነ ኣባሃህላ ምዝካር ኢዩ።” [እብራውያን 3:⁠4 ኣንብብ። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ብግልጺ ሰራሒ ዘድልዮም ካልኦት ነገራት ከኣ ሓብሮ። ብድሕሪኡ ከምዚ ብምባል ቀጽል:⁠- ] “ምጽንናዕ ክትረክብ ክትሕግዘካ እትኽእል ብሮሹር ሒዘ ኣለኹ። ኣርእስታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ዝብል ኢዩ። ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘእምን መርትዖ ዝሓዘት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ነዚ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኵነታት መወዳእታ ክገብረሉ ከም ዝዀነውን እትገልጽ ኢያ። ስለዚ ከተንብባ ምደለኻዶ፧” ንኽትምለስ ምድላው ግበር።

 3 ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ: ነቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዝብል ሸቶ ብምሓዝ ከምዚ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ተገዳስነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝገበርናዮ ምይይጥ ዝሃብካዮ ሓሳባት ብምዝካር ሓንቲ ክትሕጐሰላ ኢኻ ኢለ ዝሓሰብክዋ ብሮሹር ኣምጺአልካ ኣለኹ። [እታ ብቕዓት (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብሮሹር ኣርእዮ እሞ ኣብ ገጽ 3 ገንጽል: ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መእተዊ ዘሎ ሰለስተ ሕቶታት ኣንብብ።] ሒደት ደቓይቕ እንተድኣ ኣልዩካ ካብዚ ሓሳባት እዚ ከመይ ገይርካ ዝበለጸ ጥቕሚ ክትረክብ ከም እትኽእል ከርእየካ ምኸኣልኩ።” ብድሕሪኡ ንኸተጽንዕ ትምህርቲ 1 ጀምር።

 4 ምይይጥ ንምጅማር ዝሕግዝ ካልእ መገዲ ድማ ሓደ ግድል ምጥቃስ ኢዩ: ምናልባት ከምዚ ክትብል ትኽእል:-

◼ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምሕጓስን ዕግበትን ስምዒት ክህልዎ ዝደሊ እኳ እንተዀነ ብዙሓት ስድራቤታት በዚ ብሓቂ እተዓወታ ኣይመስላን ኢየን። ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኽረኽባ ዝሕግዘን እንታይ ኣሎ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዊሕ ዘበናት ይገብር: መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ኣብ ስድራቤታት እንታይ ዓይነት ግድላት ከም እንርኢ ገሊጹ ኢዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-3 ኣንብብ።] ይኹን እምበር: ስድራቤታት ነዚ ግድላት እዚ ክፈትሐኦን ናይ ሓቂ ሓጐስ ክረኽባን እንታይ ክገብራ ከም ዘለወን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። እቲ መሰረታዊ ስርዓት ኣብዛ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) (ወይ ድማ ኣብታ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! እትበሃል ናይ ትግርኛ ብሮሹር ስእልታት 68ን 69ን) ተገሊጹ ኣሎ።” ብድሕሪኡ: ኣብ መወዳእታ ምስቲ ኣርእስቲ ዝሰማማዕ ሳጹን ኣርእዮ እሞ ንዕኡ ብምንባብ ነታ መጽሓፍ ኣበርክታ።

 5 ክትምለስ ከለኻ ነታ “ብቕዓት ” እትበሃል ብሮሹር ጽንዓት ንምጅማር ተጠቐመላ። ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ነቲ ኣብ ናብራ ስድራቤት ዝውዕል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ክትምርምሮ ብምድላይካ ተሓጒሰ ኢየ። እቶም ዝበለጸ ውጽኢት ዝረኽቡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተግባራዊ ምኽሪ ዝሰዓቡ ምዃኖም ብተመክሮ ተራእዩ ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ቀሊል መግለጺ እነሆ።” ካብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 1 ቍጽሪ 1 ምስኡውን መዝሙር 1:⁠1-3 ወይ ድማ ኢሳይያስ 48:⁠17, 18 ሓዲኡ ሓዊስካ ኣንብብ። እቲ ዅነታት ዝፈቅድ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ዝተረፈ ትምህርቲ ተመያየጠሉ። ነቲ ዝቕጽል ትምህርቲ ብሓባር ንምጽናዕ ከም እትምለስ ድማ ንገሮ።

 6 እዚ ዝስዕብ ኣወንታዊ ኣቀራርባ ነቶም ፍቑራቶም ብሞት እተፈለይዎም ሰባት የጸናንዖም ይኸውን:-

◼ “ንዅሎም እቶም ዘፍቅርዎ ብሞት እተፈለዮም ሰባት ዝኸውን ሓፈሻዊ ኣገልግሎት እህብ ኣለኹ። እዚ ሓደ ካብቲ ዝዀነ ካባና ክጋጠሞ ዘለዎ ጽንኩር ነገራት ስለ ዝዀነ እዛ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! እትበሃል ብሮሹር ትንሳኤ መዓስን ብኸመይን ከም ዝኸውን ዝገልጽ ሓሳባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትህብ ኢያ። ንሚልዮናት ሰባት ሓጊዛ ኢያ። እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ዘሐጕስ ተስፋ እንታይ ከም ዝብል ከርእየካ ምፈተኹ። [ስእሊ 48 ኣርእዮ እሞ እንተ ተኻኢሉ ዮሃንስ 5:⁠21, 28, 29 ኣንብብ። ብድሕሪኡ ነታ ብሮሹር ኣበርክታ።]”

 7 ምስ ተመለስካ: ካብታ “እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ” እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ ብምርኣይ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ብዛዕባ እቲ የሱስ ንኣልኣዛር ዝገበረሉ ትንሳኤ ዝምልከት ዝገበርናዮ ምይይጥ ትዝክሮ ትኸውን። [እቲ ኣብ ገጽ 28 ዘሎ መግለጺ ስእሊ ኣንብብ እሞ ነቲ “ብሓቂ ተፈጺሙ ድዩ፧” ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ተመያየጠሉ።] እቶም እተፍቅሮም ምውታት እንደገና ክትርእዮም ከም እትኽእል ልብኻ ንኽኣምን ሃረር ዝብል እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ትንሳኤ ንኸተሕድር ክሕግዘካ ደስ ምበለኒ።” ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሕተቶ።

 8 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ መምርሒታት ብምስዓብ ነቲ ናብ ሓጐስ ዝመርሕ ምስጢር ንኻልኦት ንምክፋል ክንገብሮ እንኽእል ዘበለ ንጽዓር።​—⁠መዝ. 19:⁠7-10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ