ንዘይምግዳስ ብኸመይ ኢኻ እትምልሸሉ፧
1 ዘይምግዳስ ክበሃል ከሎ ስምዒት ወይ ዘለዓዕል መንፈስ ዘይምህላው ከምኡውን ግዲ ዘይምግባር ወይ ድሌት ዘይምህላው ማለት ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጥመና ልሙድን ኣዝዩ ኣሸጋርን ዝንባለ ኢዩ። ንዘይምግዳስ ብኸመይ ኢኻ እትምልሸሉ፧ ኣብ ኣገልግሎትካ ከም እትዝሕል ገይሩካ ድዩ፧ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ናብ ሰባት ምእንቲ ኸተብጽሖ ነዚ ስምዒት እዚ ብኸመይ ከተሸንፎ ምኸኣልካ፧
2 ብመጀመርታ: እቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ዘይግደሱ ክዀኑ ዝገበሮም ምኽንያት ሕሰብ። በቶም ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቶም ተስፋ ስለ ዝቘረጹ ድዮም፧ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ግድላት መፍትሒ ከም ዘይብሉ ይስምዖም ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ዝሓሸ ነገር ከም ዝመጽእ ዝዛረብ ተስፋታት ተጠራጠርቲ ድዮም፧ ጭቡጥ ቅጽበታዊ ረብሓታት ክርእዩ እንተ ዘይክኢሎም ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያት ንኽሓስቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን ድዮም፧
3 ነቲ ተስፋ ናይታ መንግስቲ ኣጕልሓዮ:- እታ መንግስቲ ዘይትፈትሖ ግድል የለን። ስለዚ ኣብቲ ከነገልግል እንኽእለሉ ግዜ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ምግንጻል ምቹእን ተግባራውን እኳ እንተ ዘይኰነ: ነቲ ቐንዲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ብምሕባር ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ ተስፋታት ክንዛረብ ኣሎና። (እብ. 4:12) ይኹን እምበር: ከምኡ ንምግባር ዝርርብ ብኸመይ ክንከፍት ንኽእል፧
4 ሰባት ዕላማ ናይ ምብጻሕና ክርድእዎ የድሊ። ዝበጻሕናዮምውን ንብጻይና ብምፍቃርን ነቲ ማሕበረሰብ ብምሕላይን ምዃኑ ክግንዘብዎ የድሊ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብጥንቃቐ እተዳለወ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና:- “ነቶም [ኣብ ዙርያ ምድሪ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዝትንክፎም ዘሎ ግድል] መፍትሒኡ እንታይ ኢዩ ምበልካ፧” ሓደ ኣቀራርባ እንተ ዘይኣስለጠ: ካልእ ፈትን። ይኹን እምበር: ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይቲ ማሕበረሰብ ወገን ትፈሊ ከም ዘለኻ ንኽሓስቡ ክመርሖም ዝኽእል ሕቶታት ወይ ድማ ሓሳባት ከተርሕቕ ከድልየካ ኢዩ።
5 ሰብ ቤት ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት ኣብ ዘየርእይሉ ብልጹጋት ሰባት ዝነብሩሉ ዞባ: ኣስፋሕቲ ተገዳስነት ከለዓዕል ዝኽእል መእተዊ ንምርካብ ጸዓሩ። ክልተ ኣስፋሕቲ ንመጽሓፍ ፍልጠት ክዕድሉ ኸለዉ ነዚ ዝስዕብ መእተዊ ፈተኑ:- “ሎሚ ኣብ ዓለም ዕዉት ንምዃን ጽቡቕ ትምህርቲ ወሳኒ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ሰፊሕ ትምህርቲ: ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዘለዎ ትሰማምዓሉዶ፧” ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ሰለስተ መጻሕፍቲ ኣበርከቱ: ሓንቲ ካብኣቶም ድማ ጸኒሓ ንብምልእታ መጽሓፍ ፍልጠት ከም ዘንበበታ ዝገለጸትን ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ፍቓደኛ ዝዀነትን ሰበይቲ ኢያ ነይራ።
6 ዘይምግዳስ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እተፈላለየ ኣቀራርባታት ፈትን: ሓሳባት ዘለዓዕል ሕቶታት ሕተት: ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ድማ ተወከል። ብእኡ ኣቢልካ ድማ ካልኦት ነቲ ዘደንቕ ናይታ መንግስቲ ተስፋና ክቕበልዎ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።