“ተገዳስነት የብለይን”
1 እዚ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ሰባት ንመልእኽትና ዚህብዎ ልሙድ መልሲ እዩ። በቲ ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ዜርእይዎ ዘይምግዳስ ተስፋ ኸይንቘርጽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ብስራት ዘለዎም ተገዳስነት ከነለዓዕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ሓጐስካ ዓቅብ:- ብዙሓት ሰባት ዘይግዱሳት ዚዀንሉ ምኽንያት ምዝካር ሓጐስና ኽንዕቅብ ይሕግዘና እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: መራሕቲ ሃይማኖት ወይ ካልኦት ሰባት እንታይነትና ኸይፈለጡ ይጸልኡና እዮም። ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት እተማህሩ ወይ ኣምላኽ የለን ኢሉ ኣብ ዚኣምን ሕብረተሰብ ዝዓበዩ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ጥቕሚ ኣይግንዘብዎን ይዀኑ። ካልኦት በቲ ኣብ ሃይማኖታት ዝረኣይዎ ግብዝና ተደናጊሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ዜርእይዎ ዘይምግዳስ ድማ: ንዘለዎም ብስጭትን ተስፋ ምቝራጽን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 2:12) ገሊኦም ከኣ ሓልዮት ሓዳር ስለ ዚኸብዶም: ነቲ መልእኽቲ ‘ኣይፈልጥዎን’ ወይ ኣየስተብህሉሉን እዮም።—ማቴ. 24:37-39
3 ገሊኦም ዜርእይዎ ኣሉታዊ ምላሽ ብዘየገድስ: ጻዕርታትና ንየሆዋ ኸም ዜኽብሮ ስለ እንፈልጥ ብኣገልግሎት ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 4:11) ብተወሳኺ: ምስቶም ነቲ መልእኽቲ ዘየኽብርዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ሓቂ ምዝራብና: እምነትና የደልድለልና እዩ። ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ንጽዓር። የሆዋ ነቶም “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ዝነበሩ ሰብ ነነዌ ራሕሪሑሎም እዩ። (ዮና. 4:11) እቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት: እቲ ብስራት የድልዮም እዩ። ስለዚ: ተስፋ ኣብ ክንዲ እንቘርጽ: ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተገዳስነት ንምልዕዓል ዜኽእል መገድታት ከነናዲ ኣሎና።
4 ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ ዜሻቕል ጕዳያት ተመያየጥ:- ምናልባት ኣብ መእተዊኻ: ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ ዜሻቕል ነገራት ክትጠቅስን እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ ኽትሓቶን ትኽእል ኢኻ። ኪዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ድሕሪ ምስማዕ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንሻቕሎት እቲ ሰብ ዚምልከት ዜጸናንዕ መልእኽቲ ኣርእዮ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብቲ ኸባቢኡ ዜሰቅቕ ተርእዮ ምስ ኣጋጠመ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝዃሕኵሐን ገዛውቲ በቲ ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ እተሰምዖ ልባዊ ሓዘን ገለጸ። “እቶም ሰባት ኬዘራርቡኒ ጀመሩ። ኣብ ናብራኦም ተገዳስነት ስለ ዘርኣኹ: ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሕ ጽቡቕ ምይይጥ ክገብር ከኣልኩ” በለ።
5 ኵሉ እቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ሽግር ብመንግስቲ ኣምላኽ ኪፍታሕ እዩ። ነቲ ብዓል ቤት ልዕሊ ዅሉ ዜሻቕሎ ሽግር ክትፈልጥ ጽዓር። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋታት ክትገልጸሉ ይፈቕደልካ ይኸውን። እንተ ዘይፈቐደልካ: ካልእ ግዜ “ኸም ብሓድሽ” ኪሰምዓካ ይደሊ ይኸውን።—ግብ. 17:32