ኣብታ ዜና መንግስቲ እተራእየ ተገዳስነት ተኸታተልዎ
1 ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ሰሙናት: ነታ “ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧” ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ንምዕዳል ዝረኸብናዮ መሰል ከነስተማቕሮ ጸኒሕና ኢና: ነስተማቕሮ እውን ኣሎና። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ነዛ ዜና መንግስቲ እትበሃል ጽሕፍቲ ሒዞም ነቶም ዝበቕዑ ሰባት ንኽበጽሕዎም ይጽዕሩ ኢዮም ዘለዉ። (ማቴ 10:11) እቲ ወፈራ ሰንበት: 16 ሕዳር ክውዳእ ተመዲቡ እኳ እንተዀነ: ገና ዘይተሸፈነ ዞባ ምስ ዝህሉ እቶም ሽማግለታት ክሳዕ እቲ ናይታ ጉባኤ ቀረብ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ዝውዳእ ምዕዳል ክትቅጽል ይነግሩኻ ይዀኑ ኢዮም።
2 እዛ ሕታም ዜና መንግስቲ እዚኣ ናይ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ኣለዓዒላ ኣላ። ደቅሰብ ብሓፈሻ ዝነበሮም ባህርያዊ ምፍታው ከም ዘጥፍኡ ብምግንዛብ ንመጻኢ እንታይ ኰን ክኸውን ኢዩ ኢሎም ይግረሙ። (2 ጢሞ. 3:3) ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ክንከታተሎ ንደሊ ኢና።
3 ዜና መንግስቲ ፍረ ኣለዋ:- ብ1995 በታ ዜና መንግስቲ ወፈራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓንቲ ቅዳሕ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እተቐበለት ሰበይቲ ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ክትማሃር ስለ ዝደለየት ናብቲ ኣብ መንግስቲ ኣደራሽ ዝግበር ኣኼባ መጸት። ኣብቲ ኣኼባ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ብሓጐስ ተሰማምዐት: ብድሕሪኡ ኣኼባ ዳርጋ ኣቋሪጻ ኣይትፈልጥን ኢያ። ብዙሕ ከይጸንሐት: ናብቲ ቅድም ዝነበረቶ ቤተ-ክርስትያን ኣባል ምዃን ከም ዘቋረጸት ጸሓፈት!
4 ክሳዕ ሕጂ: ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣማእታት ሰባት ነቲ ኣብ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ዘሎ መልእኽቲ ኣንቢቦምዎ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: እንታይ ዓይነት መልሲ ኢዮም ዘርኣዩ፧ በቲ ዘንበብዎ ብኣወንታዊ መገዲ እንተ ተተንከፉ እውን: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እንደገና መጺኡ ክሳዕ ዘዘራርቦም መብዛሕትኦም ስጕምቲ ኣይወስዱን ኢዮም። ተመሊስካ ንምኻድ መደባት ትገብርዶ ኣሎኻ፧ ንብጾትና ሰባት ዘሎና ፍቕራዊ ሓልዮት ከምኡ ክንገብር ከለዓዕለና ኣለዎ። ኵሎም እቶም ኣብ ዜና መንግስቲ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ካልኣይ ግዜ ክብጽሑ ኣለዎም።
5 ካልኣይ ግዜ ክትበጽሖም ከሎኻ እንታይ ኢኻ ክትብል፧ ኣብ ዜና መንግስቲ ዘሎ መልእኽቲ እዋናዊ ምዃኑ ገለ ሓሳባት ትህብ: ድሕርዚ ከተሓሳስብ ዝኽእል ሕቶ ትሓትት። ኣብ ሓሳቡ እንታይ ከም ዘሎ ምእንቲ ክትፈልጥ እቲ በዓል ቤት ሓሳባቱ ክገልጽ ከሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ድሕርዚ ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ናብ ዘሎ ዝሰማማዕ ኣርእስቲ: ኣብታ ዜና መንግስቲ እተጠቕሰ ሓሳባት ኣድህብ። ኣዎንታዊ ምላሽ ምስ እትረክብ: ብኡንብኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፈትን።
6 ኣብታ “ዜና መንግስቲ ” ቍ. 35 ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ተመሊስካ ክትበጽሖም ከሎኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ገለ ኣቀራርባታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ:-
◼ “ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝገደፍኩልካ ጽሕፍቲ ትዝክራ ትኸውን። እቲ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ብዛዕባ ሓደ ኣገዳሲ ኣርእስቲ: እዚ ድማ እቲ ንሰባት ሎሚ ፈላልይዎም ዘሎ ነገር: ማለት ንኻልኦት ዘይምፍቃር: ኢዩ ዝዛረብ።” ኣብታ ዜና መንግስቲ ኣብ ገጽ 2 ኣብ ትሕቲ “ንብጻይካ ምፍቃር ዝሒሉ ኣሎ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ መረጋገጺታት ከም ዘቕልብ ግበሮ። ድሕርዚ “ሰባት ከምዚ ኢሎም ክነብሩስ ዕላማ ኣምላኽዶ ይመስለካ፧” ኢልካ ሕተት። መልሲ ተጸበ። ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ትምህርቲ 5 ገንጽል: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ድማ ፈትን።
◼ “መጀመርታ ክረኽበካ ከለኹ: ‘ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ጽሑፍ ገዲፈልካ ነይረ። ከምኣ ዝዓይነታ ዓለም ክትርከብ እትከኣልዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ትምህርቲ 6 ገንጽል: ቍጽሪ 6 ድማ ኣንብብ። ድሕርዚ ነቲ ኣብ ሚክያስ 4:3, 4 ዘሎ መብጽዓ ኣምላኽ ኣንብብ። እቲ በዓል ቤት ተገዳስነት ዘርኢ እንተድኣ መሲሉ: ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ: ጽንዓት ድማ ጀምረሉ።
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክበጽሓ ከሎኹ: ‘ዅሎም ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዶዀን ይዀኑ፧’ እትብል ጽሕፍቲ ገዲፈልካ ነይረ። ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝግበር ጠቒሳ ኣላ። ንመጽናዕቲ እንጥቀመላ መጽሓፍ ከርእየካ ኢየ ተመሊሰ መጽኤካ። [መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ።] እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኵሎም ሰባት መዓስ ንሓድሕዶም ከም ዝፋቐሩ ኣነጺራ ትገልጽ: ከምኡውን ንዓኻ ዘገርሙኻ ከም እኒ ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት እንታይ የጋጥሞም፧ ዝብል ካልእ ሕቶታት ድማ መልሲ ትህበሉ ኢያ።” ድሕርዚ “እቲ ናይ ኣጸናንዓ ሜላ ከርእየካዶ፧” ኢልካ ሕተቶ። እቲ በዓል ቤት ነዚ እንተድኣ ዘይተቐበሎ: ነታ መጽሓፍ ባዕሉ ከንብባ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ። ድሌት እንተድኣ ኣልይዎ እቲ ልሙድ ውጽኢት ብምግባር ሓንቲ ቅዳሕ ይውሰድ። እንደገና ክትምለሶ መደብ ግበር።
7 በታ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ገይርና ነቲ ዞባ ሓንሳብ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሸፈንናዮ: ኣብቲ ዝተረፈ ግዜ ናይታ ወርሒ መጽሓፍ ፍልጠት ከነበርክት ንኽእል ኢና። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ከም እነቕርባ ዝገልጽ እተመርጸ ኣቀራርባታት ኣብ ናይ መጋቢት: ሰነ: ከምኡውን ሕዳር 1996፣ ሰነ 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
8 እዚ ፍሉይ ዝርጋሐ ዜና መንግስቲ ንዅላትና ነቲ ኣብ ናይ ስብከት ዕዮ እንገብሮ ጻዕርታት ከነጽዕቖ ዘለዓዕለና ኢዩ። ብሓገዝ የሆዋ እዚ ወፈራ እዚ ከም ዝዕወት እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ: ነቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ሰባት ድማ ነቲ ኣምላኽ ደቅሰብ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ክርድእዎ ክሕግዞም ኢዩ። ነቲ ኣብታ ዜና መንግስቲ እተራእየ ተገዳስነት ንምክትታል እንገብሮ ህርኩት ጻዕሪ የሆዋ ብቐጻሊ ዝባርኾ ይግበሮ።