በታ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 እተለዓዓለ ተገዳስነት ምዅስኳስ
1 ነቲ እተመደበልካ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 (እንግሊዝኛ) ዓዲልካ ወዲእካዮዶ፧ ኵሎም ሰባት ክሓስቡሉ ዘለዎም “ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል—ኣብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝጽበየካ ዘሎ፧” ዝብል ሕቶ ኢያ እተቕርብ። ዓመት 2000 እናቐረበት ምስ መጸት: ብዛዕባ ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል ኣዝዩ እተፈላለየ ትጽቢታት ነበረ። ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ነዚ ትጽቢታት እዚ ትሕብር: ኵነታት ዓለም ብሩህ ተስፋ ንኽህልወና መሰረት ከም ዘይኰነና እውን ትገልጽ። እቲ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ዝደልይዎ ሰላምን ደሓንን ዘምጽኣሎም እንኮ ሽሓዊ መዋእል: ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ የሱስ ኢዩ። ኣብ ክውንነት ናይታ መንግስቱ ዘሎና ምትእምማን ንዅሉ ሰብ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ንኽንዕድል ደሪኹና ኢዩ።
2 ንዜና መንግስቲ እተዋህበ ምላሽ:- ኣቐዲሙ እተገብረ ዜና መንግስቲ ናይ ምዕዳል ወፈራ ኣብ ዕዮና ኣጸቢቑ ኣነቓቒሑና ኢዩ። ኣብ ካናዳ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣስፋሕትን ፓይነራትን ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ ብውዕዉዕ ስምዒት ኢዮም ተኻፊሎም: ብዙሕ ዘተባብዕ ተመክሮታት እውን ተረኺቡ ኢዩ።” ነዛ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ንምዕዳል እውን ተመሳሳሊ ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዘርኣኻ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
3 እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ዜና መንግስቲ ናይ ምዕዳል ወፈራ ኣብ 17 ሕዳር 2000 ክውዳእ ኢዩ መደብ ተገይሩሉ ዘሎ። ንጉባኤኹም እተመደበላ ዞባ ብምሉኡዶ ተሸፊኑ ኢዩ፧ እንተ ዘይተሸፊኑ: እቶም ሽማግለታት ነዚ ወፈራ ክሳዕ መወዳእታ ሕዳር ንኽቕጽል ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም።
4 ኣብ ከባቢኻ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ክትዕድል ከሎኻ: ሰባት ብኸመይ ተቐቢሎምዋ፧ ገለ ሰባት ነታ ኩፖን መሊኦም እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ክትስደደሎም ወይ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክምርሓሎም: ወይ ድማ ክልቲኡ ደልዮም ክሓቱ ኢዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ካብዞም ብዛዕባ ሽሓዊ መዋእል ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት: ናይ የሆዋ ምስክር ተመሊሱ እንተ ዘይበጺሕዎም ስጕምቲ ኣይወስዱን ኢዮም። ኵሎም እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሎም ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ዝሓሸ እዋን መዓስ ኢዩ፧ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ምክትታል ክግበረሎም ኣለዎ።
5 ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ንእተዓደሉ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር እተረኽበ ተመክሮታት እስከ ርአ። ሓንቲ ኣብ ኣየርላንድ እትነብር ፓይነር ንሓንቲ ወናኒት ቤት መግቢ ዜና መንግስቲ ኣበርከተትላ። እታ ሰበይቲ በቲ መልእኽቲ ስለ እተመሰጠት ነታ ሓብቲ ተመሊሳ ክትበጽሓ ዓደመታ። እታ ሓብቲ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ በጽሓታ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ኣብ ዴንማርክ: ሰብ ቤት ኣብ ዘይነበርዎ ገዛ ቅዳሕ ዜና መንግስቲ ተገድፈ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ ቤት እትነብር ሰበይቲ ነታ ኩፖን ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ለኣኸታ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እውን ኣብቲ ከባቢ ናብ እትርከብ ጉባኤ ሰደዳ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ክልተ ኣሓት ነታ ሰበይቲ በጽሓኣ እሞ ጽንዓት ንኽጅምራላ ምድላው ተገብረ: እታ ሰበይቲ ኸኣ ንመጀመርታ ግዜኣ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ብምኻድ ኣብ ኣኼባ ተኻፈለት!
6 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ እንታይ ከም እትብል:- ነቶም ዜና መንግስቲ ዝዓደልካዮም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር: ብተዛማዲ ቀሊልን ዘሐጕስን ክፍሊ ኣገልግሎትና ኢዩ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ እታ ነቲ በዓል ቤት ዝሃብካዮ ቅዳሕ ምስኡ ከይትጸንሕ ስለ እትኽእል: ቅዳሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 እንተ ተማላእካ ዝሓሸ ኢዩ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳባት ክትፍትኖ ትኽእል ኢኻ።
7 ነቲ በዓል ቤት መን ምዃንካ ምስ ኣዘኻኸርካዮ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ ‘ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል—ኣብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝጽበየካ ዘሎ፧’ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ሂበካ ነይረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ የሱስ ንምድሪ ገነት ክገብራ ምዃኑ ምንባብስ ዘተባብዕ ደይኰነን፧ [ካብታ ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ንገነት ዝገልጽ ስእሊ ኣርኢ።] ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይዛ ጽሕፍቲ: ቅዳሕ ናይታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ንእትበሃል ብሮሹር ክትሓትት ተዓዲምካ ኣሎኻ።” ነታ ብሮሹር ኣርእዮ እሞ ናብ ትምህርቲ 5 ገንጺልካ ነታ ናይ መጀመርታ ሕቶን ቍጽሪ 1ን 2ን ኣንብብ: ድሕሪኡ እቲ በዓል ቤት ሓሳብ ክህብ ዓድሞ። ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕሲ ኣንብብን ግለጸሉን። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ: ካልእ ሕቶን ቍጽርን ኣንብብን ተመያየጠሉን: ብድሕሪኡ ተመሊስካ ንኽትበጽሖን ነቲ ምይይጥ ንኽትቅጽሎን ቈጸራ ግበር።
8 እታ ኣብ ወርሒ ሕዳር እትዕደል ጽሕፍቲ “ብቕዓት” እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ “ፍልጠት” ስለ ዝዀነት ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ቅድሚ ሓጺር እዋን ቅዳሕ ናይታ ‘ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል—ኣብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝጽበየካ ዘሎ፧’ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ሂበካ ነይረ። እታ ጽሕፍቲ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ዕድመ ተቕርበልካ ኢያ። እቲ መጽናዕቲ ንምግባር እንጥቀመሉ ጽሑፍ ንኸርእየካ ኢየ መጺአ። [ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣርእዮ እሞ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ዘሎ ስእሊ ከም ዘተኵር ግበሮ፣ ወይ ነታ መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ እሞ ናብ ገጽ 188-9 ገንጽል።] ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሽሕ ዓመት ዝህሉ ኵነታት ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እዚ እትርእዮ ዘሎኻ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ገነት ህይወት ንምርካብ: ብዛዕባ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ክህልወና ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነጽንዕ ኣሕጽር ኣቢለዶ ከርእየካ፧”
9 ዜና መንግስቲ ቍ. 36 ንምዕዳል እተገብረ ወፈራ ኣብ ኣገልግሎትና ወሰኽ ብምግባር ጽቡቕ ምስክርነት ንኽንህብ ድራኸ ገይሩልና ኢዩ። እዚ ወፈራ እዚ ንተገዳስነት ናይቶም ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ከም ዘለዓዓለ ፍሉጥ ኢዩ። ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ንምዅስኳስ እንገብሮ ሓባራዊ ጻዕሪ: ብሓገዝ የሆዋ ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ብምርካብና ዘሐጕስ ፍረ ክህልዎ ኢዩ።—ማቴ. 10:11፣ ግብ. 13:48, 49, 52