ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ምስክርነት ምሃብ
1 ኣብዚ ሎሚ ንዘይስነ-ምግባራውነት ከም ንቡር ዝቕበል ዘሎ ሕብረተሰብ: ብዙሓት መንእስያት ኣብ ሓሽሽ: ብዕልግና: ዕልወት: ከምኡውን ኣብ ዓመጽ ተጸሚዶም ንህይወቶም ብሸለልትነት ኢዮም ዘጥፍእዋ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ናይቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ጥዑያት መንእሰያት ኣብነታዊ ጠባይ ንኽትርእዮ ዘተባብዕ ኢዩ: ንየሆዋ ዘሐጕስ ምዃኑ ድማ ርግጽ ኢዩ። ንኻልኦት ናብ ሓቂ ክስሕቦም ዝኽእል ሓያል ምስክርነት ኰይኑ የገልግል ኢዩ።—1 ጴጥ. 2:12
2 እቲ ጽቡቕ ጠባይ ናይቶም ክርስትያን መንእሰያት ኣብቶም ተዓዘብቲ ኣወንታዊ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ሓያሎ ተመክሮታት ይሕብሩ። ሓንቲ መምህር ብዛዕባ ሓንቲ ተማሃሪታ ዝነበረት መንእሰይ ምስክር ክትዛረብ ከላ: ኣብ ቅድሚ ኵሎም እቶም ተማሃሮ ናይዛ ጓል እዚኣ ኣምላኽ: የሆዋ: ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ነገረት። ከምዚ ኽትብል ዝኸኣለት እታ ጓል ኵሉ ግዜ ክብሪ ዝህብ ጠባይ ስለ ዘለዋ ኢዩ። ካልእ መምህር ድማ ከምዚ ኢላ ናብ ማሕበር ጸሓፈት:- “ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃይማኖትኩም ዘለዉ ብሉጻት መንእሰያት ክንእደኩም እፈቱ። . . . መንእሰያትኩም ብሓቂ ኣብነት ዝዀኑ ኢዮም። ነቶም ብዕድመ ዝዓብይዎም ሰባት ዘኽብሩን እሩማትን ኢዮም: ጥቁው ኣከዳድና ድማ ኢዩ ዘለዎም። ንመጽሓፍ ቅዱሶም ከኣ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጥዎ! ሃይማኖት ከምዚ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ!”
3 ሓንቲ ካልእ መምህር ድማ ኣብቲ ንሳ እትምህረሉ ክፍሊ ዘሎ ሓደ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስክር ቈልዓ ብዘርኣዮ ሰናይ ጠባይ ተተንከፈት። በቲ ካብ ካልኦት ኣወዳት ተፈልዩ ከም ዝርአ ዝገበሮ ልኡምን ባህ ዘብልን ባህርያቱ ተሳሕበት። ብምኽንያት እቲ ዝኣምኖ ነገራት ካብ ካልኦት ብምፍላዩ ከይሓፈረ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ረዚን ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ ተተንኪፋ ኢያ። ሕልንኡ እተለማመደ ምዃኑን “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ይኽእል ከም ዝነበረን ክትርኢ ክኢላ ኢያ። (እብ. 5:14) ኣብ መወዳእታ: ኣዲኡ ነታ መምህር በጽሓታ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተጀመረ። ጸኒሓ: እታ መምህር ተጠምቀት: ደሓር ድማ ስርዓታዊት ፓይነር ኰነት!
4 ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ቤት ትምህርቱ ዘላ ምስክር ብዘርኣየቶ ጽቡቕ ጠባይ ተጸልወ። ኣዝያ እርምትን መጽናዕታ እተከታተልን ብኣከዳድናኣ ድማ ኵሉ ግዜ ጥቅውቲ ኢያ ነይራ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ከምተን ካልኦት ኣዋልድ ዝገብርኦ ዝነበራ ምስቶም ኣወዳት ኰሸምሸም ትብል ብዘይ ምንባራ ካብ ካልኦት ብሓቂ ፍልይቲ ነበረት። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ትመላለስ ከም ዝነበረት ድማ ክርኢ ኽኢሉ ኢዩ። እቲ መንእሰይ ንሃይማኖታዊ እምነታ ዝምልከት ሕቶ ሓተታ: በቲ ዝፈለጦ ነገራት ድማ ተመሰጠ። ጽንዓት ጀመረ: ቀልጢፉ ተጠምቀ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ናይ ፓይነርን ናይ ቤትኤልን ኣገልግሎት ተኻፈለ።
5 ንኻልኦት ሰናይ ምስክርነት ክትህቦም እትብህግ ክርስትያን መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ: ንጠባይካ ብዅሉ መገዲ ሓልዎ። ነቲ ንዘይስነ-ምግባራውነት ከም ንቡር ገይርካ ምቕባል ዝምልከት ናይ ዓለም ኣመለኻኽታ: ኣረኣእያ: ወይ ድማ ኣነባብራ ብምምሳል ኣብቲ ሓለዋኻ ፈጺምካ ኣይትዘንግዕ። ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ክትካፈል ከሎኻ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድን ኣብ ምዝንጋዕ ክትካፈልን ከሎኻ እውን ብኣዘራርባኻን ኣከዳድናኻን ብዅለንትናዊ ኣቃውማኻን ክብ ዝበለ ኣብነት ኣርኢ። (1 ጢሞ. 4:12) በቲ ጽቡቕ ጠባይካ ገይርካ ‘ብርሃንካ [ከም] ዝበርህ’ ስለ ዝገበርካዮ ሓደ ሰብ ኣብ ሓቂ ክግደስ ክትርኢ ከሎኻ ብርግጽ ከም እትሕጐስ ዝገብረካ ምኽንያት ኢዩ።—ማቴ. 5:16