ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ መደባትካ እንታይ ኢዩ፧
1 ነቲ ዘሎና ግዜ ብጥበብ ንኽንጥቀመሉ መደብ ምስ እንገብር: ነቲ ዘውጻእናዮ ጠቓሚ ሸቶታት ንምፍጻም ብዝያዳ ከም እንዕወት ሓቂዶ ኸይኰነ፧ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ቲኦክራሲያዊ ረብሓታት ንምድንፋዕ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክኸፍተልና ኢዩ። (ምሳሌ 21:5) ገለ ካብዚ ኣጋጣሚታት እዚ እንታይ ኢዩ፧
2 እቲ ኵላትና ኣብ መደባትና ከነእትዎ ዘሎና ሓደ ፍጻሜ: እቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ዓቢ ኣኼባ ምእንቲ ክትርከብ: ካብ ስራሕ ወይ ድማ ካብ ትምህርቲ ዕረፍቲ እትወጸሉ ግዜ መድብ። ገንዘብ ኣዋህልል: ኣቐዲምካ ድማ ንጕዕዞ ዝዀነካ ካልእ ምድላዋት ግበር።
3 መንእሰያት እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ንሓደ ወርሒ ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸውን ኣዋርሕ ሓገዝቲ ፓይነራት ንክዀኑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። ካልኦትውን እንተዀኑ ኣብታ ምሉእ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብቲ ዘለዋ ወርሒ ነሓሰ ሓገዝቲ ፓይነራት ንኽዀኑ ኣቐዲሞም ክምድቡ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ኣብ ነሓሰ ክንድምድሞ ኸሎና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ኣገልግሎት ብእተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽካፈል እተሓባበረ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ።
4 ንሓንቲ ኣብ ጥቓኻ ዘላ ዞባኣ ንምሽፋን ሓገዝ እትደሊ ጉባኤ ንምሕጋዝ መዲብካዶ ኣሎኻ፧ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብዛዕባ ኣድላይነት ናይ ከባቢኻ ነቶም ሽማግለታት ክሕብሮም ይኽእል ኢዩ። ካብ ገዛኻ ኣርሒቕካ ንዕረፍቲ ክትከይድ እንተድኣ ዄንካ: ኣብቲ እትኸዶ ከባቢ ምስ ዘላ ጉባኤ ኣብ ኣኼባታት ንምክፋልን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምሕባርን መደብ ግበር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማድ ክትበጽሕ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ሓቂ ንኸተካፍሎም እትኽእለሉ መገድታት ኣቐዲምካ ተዳሎ።
5 ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ መደባትካ እንታይ ኢዩ፧ ነታ መንግስቲ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት ንምሃብ ብምቕጻል ነቲ መንፈሳውነትካ ዘሐይለልካ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ሸለል ኣይትበሎ።—ማቴ. 6:33፣ ኤፌ. 5:15, 16