ከም ብርሃናት ዚበርሁ መንእሰያት
1. መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ከመይ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም እዩ ዚሕብር፧ እዚ ቓላት እዚ ሎሚ ኣብ ክርስትያን መንእሰያት ዚውዕልከ ብኸመይ እዩ፧
1 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” በሎም። (ማቴ. 5:14, 16) ልክዕ ከምታ ኣብ ከረን እተደኰነት ብብርሃን ጸሓይ እተብለጭልጭ ከተማ እዮም ነይሮም። ሎሚ እውን ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት: በቲ ብቕንኣት ዚፍጽምዎ ኣገልግሎትን ቅኑዕ ኣካይዳኦምን ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ይበርሁ’ ኣለዉ።—ፊል. 2:15፣ ሚል. 3:18
2. ንመምህራንካን መማህርትኻን ክትምስክረሎም ዜኽእለካ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧
2 ኣብ ቤት ትምህርቲ:- ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽትምስክር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ገሊኦም መንእሰያት ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ሓሽሽ: ፍልቀት: ከምኡውን ጃምላዊ ቕትለት ኣመልኪትካ ኣብ ክፍሊ ዚግበር ምይይጥ: ምስክርነት ንምሃብ ተጠቒሞምሉ እዮም። ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ግበረ-ሽበራ ቴማ ኽትጽሕፍ ምስ ተነግራ: ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒማ መንግስቲ ኣምላኽ እታ ናይ ሓቂ ተስፋ ወድሰብ ምዃና መስከረት። እታ መምህር በቲ እታ ሓብቲ ግቡእ ምድላው ገይራ ዘቕረበቶ ሓሳባት ተመሰጠት: እዚ ድማ ተወሳኺ ምስክርነት ንኽትህብ መገዲ ኸፈተላ።
3. ኣብ ቤት ትምህርቲ ብባህርያትካ ብርሃንካ ኸተብርህ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
3 ከም ብርሃን ንኽትበርህ ዜኽእለካ ኻልእ መገዲ ድማ ባህርያትካን ሕንኪ ዘለዎ ኣከዳድናኻን ትርኢትካን እዩ። (1 ቈረ. 4:9፣ 1 ጢሞ. 2:9) እቶም መምህራንን ተማሃሮን ባህርያትካ እተፈልየ ምዃኑ ምስ ዚርእዩ: ነቲ ሰናይ ኣካይዳኻ ርእዮም ናብ ሓቂ ኺሰሓቡ እዮም: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኸተካፍሎም ድማ ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ። (1 ጴጥ. 2:12፣ 3:1, 2) ንየሆዋ ዜሐጕስ ባህርያት ምንጽብራቕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: ምስ እተሐጕሶ ግን ኣብዚሑ ኺባርኸካ እዩ። (1 ጴጥ. 3:16, 17፣ 4:14) ነቲ ብስራት ዘለዎም ተገዳስነት ንምልዕዓል ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣንብብ: ወይ ካልኦት ኪርእይዎ ኣብ ዚኽእሉ ቦታ ኣቐምጦ።
4. ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምምስካር ዚርከብ ገለ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧
4 ኣብ ቤት ትምህርቲ ብርሃንካ ምብራህ: እምነትካ ኸም እትድልድልን ንየሆዋ ብምግልጋልካ ኸም እትሕበንን እዩ ዚገብረካ። (ኤር. 9:24) ዕቝባ ድማ ይዀነካ። ሓንቲ ሓብቲ: “ሓደ ኻብቲ እምነተይ ንኻልኦት ብምዝራብ ዝረኸብክዎ ጥቕምታት: እቶም መማህርተይ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ተግባራት ንኺገብር ኣይደፋፍኡንን ነበሩ” በለት።
5. (ሀ) ገለ መንእሰያት ኣገልግሎቶም ዜስፍሑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መንፈሳዊ ሸቶኻ እንታይ እዩ፧
5 ኣገልግሎትካ ምስፋሕ:- ብዙሓት መንእሰያት ብርሃኖም ዜበርሁሉ ዘለዉ ኻልእ መገዲ ድማ ኣገልግሎቶም ብምስፋሕ እዩ። ሓደ ሓው: ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ: ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልይሉ ቦታ ኸይዱ ንኼገልግል ተለዓዒሉ እዩ። ኣባል ሓንቲ ሓደ ሽማግለ ጥራይ ዝነበራ ንእሽቶ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ናብ ዓርኩ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ: “ኣዝዩ ባህ ዜብል ግዜ እየ ዘሕልፍ ዘለኹ። ኣገልግሎት ኣዝዩ እዩ ዜሐጕስ! ሰባት ነቲ እትነግሮም ኪሰምዕዎ ስለ ዚህንጠዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዳርጋ 20 ደቒቕ ኢኻ እትገብር” በለ። ወሲኹ እውን: “ኵሎም መንእሰያት ነዚ ዚመስል ነገር ኪገብሩ እሞ ኸምዚ ንዓይ ዚስምዓኒ ዘሎ ኺስምዖም እምነ። ብዘሎና ዅሉ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ዚበልጽ ነገር የልቦን” በለ።
6. ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ መንእሰያት ዜሕብነካ እንታይ እዩ፧
6 በዞም ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ዘለኹም መንእሰያት: ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕበን! (1 ተሰ. 2:20) ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ: ሓሳብካ: ነፍስኻ: ከምኡውን ሓይልኻ ምስ እተገልግሎ: “ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ . . . ሚእቲ ኻዕበት . . . ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክትረክብ ኢኻ።—ማር. 10:29, 30፣ 12:30