‘ከም ብርሃናት ምብራህ’
1 ኣብዚ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ጸልማት ኣጐልቢብዎ ዘሎ ኣገባብ: ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣምለኽቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 234 ሃገራት ‘ከም ብርሃናት ይበርሁ’ ኣለዉ። (ፊል. 2:15) እዚ ኻብ ካልኦት ፍልይ ዘብለና እዩ። ነቲ ኻብ የሆዋ ዝምንጭ ክቡር ብርሃን ሓቂ ግን ብኸመይ ከነንጸባርቖ ንኽእል፧—2 ቈረ. 3:18
2 ተግባርና:- ሰባት ንጠባይና ቐልጢፎም እዮም ዘስተብህሉሉ። (1 ጴጥ. 2:12) ሓንቲ ሰበይቲ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መሳርሕታ ሕያዋይን ንሰባት ዝድግፍን ምዃኑ ከምኡውን ብዕሉግ ዘረባ ኸም ዘይዛረብን ብጽዩፍ ዋዛ ኸም ዘይስሕቕን ኣስተብሃለት። ካልኦት ሰባት ጽዩፍ ዘረባ ብምዝራብ ከሕርቕዎ ምስ ዝፍትኑ: ከም ዘይሓርቕ: ካብቲ ቕኑዕ መትከሉውን ፈልከት ከም ዘይብል ተዓዘበት። እዚ ኣብታ ሰበይቲ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ “ብጠባዩ ኣዝየ ስለ እተመሰጥኩ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ክሓትት ተለዓዓልኩ። ቃል ኣምላኽ ከጽንዕ ጀመርኩ: ጸኒሐ ኸኣ ተጠመቕኩ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ። ኣስዕብ ኣቢላውን “ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክምርምሮ ዘእመነኒ ጠባዩ እዩ ነይሩ” በለት።
3 ንስልጣናት ዘሎና ኣመለኻኽታ: ንዓለማዊ ተግባራት ዘሎና ኣረኣእያ: ከምኡውን ጥዑይ ዘረባና ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና በቲ ልዑል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምራሕ የነጽሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ግብሪ ንየሆዋ ክብሪ ኸምጽኣሉን ንኻልኦት ናብ ኣምልኾኡ ኽስሕቦምን ይኽእል።
4 ዘረባና:- እቶም ጽቡቕ ጠባይና ዝርእዩ: ብዛዕባ እምነትና እንተ ዘይነጊርናዮም ስለምንታይ ፍሉያት ከም ዝዀንና ኣይፈልጡን እዮም። መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ይፈልጡ ድዮም፧ ኣብ ዕላል ምስክርነት ንኽትህብ ኣጋጣሚታት ተናዲ ዲኻ፧ ኣብ ኵሉ ግቡእ ዝዀነሉ ኣጋጣሚታት ‘ብርሃንካ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንኽበርህ’ ቈራጽነትዶ ወሲድካ ኢኻ፧—ማቴ. 5:14-16
5 ከም ብርሃናት መጠን እተዋህበና መዝነት ንምፍጻም ጥቕሚ ርእስና እንስውእ ክንከውን የድልየና። ብምሉእ ነፍስና ውፉያት ምስ እንኸውን: ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ዝከኣለና ዅሉ ምእንቲ ኽንገብር: ብዙሕ ኣገዳስነት ንዘይብሉ ነገራት ንኽንገድፎ ንድረኽ።—2 ቈረ. 12:15
6 እምበኣር ብተግባርናን ብዘረባናን ከም ብርሃናት ንብራህ። ከምኡ እንተደኣ ጌርና: ካልኦት ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ኣብ ምሃብ ንኽሓብሩና ኽድረኹ እዮም።