ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/98 ገጽ 3-5
  • ንንብረት ጐይታ ምሕላይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንንብረት ጐይታ ምሕላይ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊ መጋቢነት
  • “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ”
  • ለውጢ ኣድለየ
  • ፍልይ ዝበለ ምምሕዳራዊ ጠለባት
  • ንኸተመዛዝን ዝገብር ረቛሒታት
  • ነቲ ንብረት ምሕላይ
  • እሙን መጋቢ ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንኣምላኽ ንምውዳስ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 6/98 ገጽ 3-5

ንንብረት ጐይታ ምሕላይ

1 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ኣገልጋሊ ሕድሪ ይዋሃቦ ነበረ። ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ እትኸውን ሰበይቲ ናይ ምድላይ ዕዮ ነቲ ኣገልጋሊኡ ሃቦ። (ዘፍ. 24:⁠1- 4) ብሓቂ: እቲ ኣገልጋሊ መስመር ወለዶ ኣብርሃም ንኽቕጽልን ንኸይቅጽልን ሓላፍነት ነበሮ። እዝስ ከመይ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት ኰን ኢዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ “ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” ምባሉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠1 ቈረ. 4:⁠2

ክርስትያናዊ መጋቢነት

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ መዳያት ናይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከም መጋቢነት ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ” ብምባል ተዛረቦም። (ኤፌ. 3:⁠2፣ ቈሎ. 1:⁠25) ነቲ ብስራት ንዅሎም ኣህዛብ ናይ ምብጻሕ መዝነቱ ብተኣማንነት ክሕዞ ዝነበሮ መጋቢነት ገይሩ ኢዩ ተመልኪትዎ። (ግብ. 9:⁠15፣ 22:⁠21) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ “ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ: ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ብምባል ጸሓፈሎም። (1 ጴጥ. 4:⁠9, 10፣ እብ. 13:⁠16) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝውንንዎ ዝነበሩ ስጋዊ ነገራት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ፍረ ናይቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ: ናይቶም ነገራት እቲኣቶም ጐይተት ኢዮም ነይሮም: ብክርስትያናዊ መገዲ ክጥቀምሉ ድማ የድልዮም ነበረ።

3 ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነገራት ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዮም ዝርእይዎ። ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍዮም ኢዮም: ኵሉ እቲ ዘለዎም ነገራት ማለት ህይወቶምን ኣካላዊ ሓይሎምን ስጋዊ ንብረቶምን “ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ” ፍረ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝምልከትዎ። ከም ሕያዎት መገብቲ መጠን: በቲ ነዚ ነገራት እዚ ዝጥቀምሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ተሓተትቲ ከም ዝዀኑ ይስምዖም ኢዩ። ብተወሳኺውን: ፍልጠት ናይቲ ብስራት ተዋሂብዎም ኢዩ። ነዚ እውን ብእተኻእለ መጠን ብዝበለጸ መገዲ—ንስም የሆዋ ንምኽባርን ካልኦት ሰባት ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጹ ንምሕጋዝን—ክጥቀምሉ ዝብህጉ ሕድሪ ኢዩ።​—⁠ማቴ. 28:⁠19, 20፣ 1 ጢሞ. 2:⁠3, 4፣ 2 ጢሞ. 1:⁠13, 14

4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መገብቲ ምዃኖም ብኸመይ ኢዮም ዘረጋግጹ ዘለዉ፧ እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ሓላፍነታቶም ብተኣማንነት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ብዘላ ዓለም ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ብምስባኽ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕለፉ: ምስቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ኰይኖም ድማ ልዕሊ 4,500,000 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መርሑ። (ማቴ. 24:⁠14) ንገየሽቲ ተዓዘብትን ካልኦትን ብግሽነት ብምቕባል ከምኡውን ነቶም ግዳያት ወተሃደራዊ ግርጭታት ብምዃኖም እተሸገሩ ሰባት ሓለፍ ዝበለ ሕያውነት ብምርኣይ: ነተን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ ኣደራሻት መንግስትን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮን ዝኸውን ልግሲ ዘለዎ ውጽኢታት ብምግባሮም ተራእዩ ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ጕጅለ መጠን ንንብረት ናይቲ ጐይታ ጽቡቕ ገይሮም ይሓልዩ ኣለዉ።

“እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ”

5 መጋቢነት ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ጥራይ ዘይኰነስ ብማሕበር ደረጃ እውን ኢዩ ዘሎ። የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ቅቡኣት ክርስትያን ጉባኤ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ኢሉ ጸውዖ። (ሉቃ. 12:⁠42) ናይዚ ‘እሙን መጋቢ’ ሓላፍነት ‘ቀለብ’ ምድላውን ኣብቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ናይቲ ብስራት መሪሕነት ምውሳድን ኢዩ። (ራእ. 12:⁠17) ምስዚ ዝዛመድ ድማ: ክፍሊ እቲ እሙን መጋቢ በቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ተወኪሉ ንብረቱን መንፈሳዊ ‘መክሊቱን’ ብግቡእ ከመሓድሮ ኣምላኽ ሓላፍነት ሂብዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:⁠15) ናይ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ትካላት ድማ ምስቲ ናይቲ ‘እሙን መጋቢ’ ኣብነት ብምስምማዕ: ንዅሉ እቲ ፋይናንሳዊ ውጽኢታት ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድንፋዕ ብግቡእ ኣገባብ ንኽጥቀምሉ ዝከኣሎም ይጽዕሩ ኢዮም። ኵሉ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈያታት ብሕድሪ እተዋህበ ኢዩ: እቲ ወፈያታት ድማ ነቲ እተሓስበሉ ዕላማ ከም ዘገልገለ ከምኡውን ብጥበብን ብቝጠባን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገድን ኣብ መዓላ ከም ዝወዓለ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይቲ “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ኢዩ።

6 ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሕትመት ንጥፈታት እተገብረ ዕቤት እቲ ብውጽኢት እተዋህበ ገንዘብ ብጥበብ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ ዘርኢ ኣብነት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ከም መጽሔታት: መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ንኣሽቱ መጻሕፍቲ: ትራክትታት ከምኡውን ዜና መንግስቲ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምዝርጋሕ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብ ምስፋሕ እቲ “ወንጌል” ኣገዳሲ ግደ ፈጺሙ ኢዩ። (ማር. 13:10፣ 2 ጢሞ. 3:⁠1) መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ‘ንስድራ ቤት ኣምላኽ’ ከምኡውን ነቶም መተሓባብርቶም ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ናይቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዝኸውን ‘መግቢ በብጊዜኡ’ ንምድላው ከም ቀንዲ መሳርሒ ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ።​—⁠ማቴ. 24:⁠45፣ ኤፌ. 2:⁠19፣ ራእ. 7:⁠9፣ ዮሃ. 10:⁠16

7 ኣብቲ መጀመርታ: ኵሉ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ንግዲ ሓተምቲ ኢዩ ዝዳሎ ነይሩ። እንተዀነ ግን ኣብ 1920ታት: ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ገዛእ ርእሶም መሕተሚ እንተድኣ ኣዳልዮም ዝያዳ ውጽኢታውን ብመንፈሳዊ መገዲ ድማ ጠቓምን ከም ዝኸውን ተወሰነ። ኣብ 1920 ሒደት ክሓትሙ ብምጅማር: እቲ ናይ ሕትመት ዕዮ ቀስ ብቐስ ኣብ ብሩክሊን: ኒውዮርክ እናሰፍሐ ኸደ። ብ1967 እዚ ህንጻታት እዚ ኣብ ሓደ ከባቢ ኰይኑ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ተሃንጸ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ሕትመት ተጀሚሩ ነበረ: ይኹን እምበር ኣብ መብዛሕትአን ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ብምኽንያት ካልኣይ ውግእ ዓለም ተቛሪጹ ነበረ።

8 እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሕትመት ዕዮ ኣዝዩ ሰፊሑ እኳ እንተ ነበረ: ንብዘላ ዓለም ጽሑፋት ንምድላው ግን ፈጺሙ እኹል ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ: እቲ ናይ ሕትመት ዕዮታት ኣብተን ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበራ ዓመታት ኣብ ካናዳ: ዴንማርክ: ዓዲ እንግሊዝ: ግሪኽ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ስዊዘርላንድን ምዕራብ ጀርመንን ሓዊስካ ኣብ ካልኦት ሓያሎ ሃገራት ተተኺሉ ወይ ድማ ይትከል ነበረ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት ከኣ ኣውስትራልያ: ብራዚል: ፊንላንድ: ጋና: ጃፓን: ናይጀርያን ፊሊፕንስን ተወሰኻ። ገለ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን እውን ጥሙር መጻሕፍቲ ሓቲመን ኢየን። ኣብ መጀመርታ 1970ታት: ናይ ጊልዓድ ሚስዮናውያን ብናይ ሕትመት ክእለት ተለማመዱ እሞ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት በቲ ናይ ሕትመት ዕዮ ንኽሕግዝዎም ናብ ገለ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ተላኢኾም ነበሩ።

9 ኣብ 1980ታት: መጽሔታት ዝሕተመለን ዝነበራ ሃገራት 51 በጽሓ።a እዚ ዅሉ ከም ዘረጋገጾ ንብረት ናይቲ ጐይታ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣብ ሰናይ መዓላ ዝወዓለ! እዝስ ንዕቤት ዕዮ መንግስቲ ዘረጋግጽ ከመይ ዝበለ ጽኑዕ መርትዖ ኰን ኢዩ! እዝስ ነቶም ልግሲ ዘለዎ ሓገዝ ብምግባር ‘ብጥሪቶም ንእግዚኣብሄር ዘኽበርዎ’ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኣሕዋት ከመይ ዝበለ ሓያል ምስክርነት ኰን ኢዩ! (ምሳ. 3:⁠9) በዚ ኸምዚ ኸኣ: ነቲ የሆዋ ብእተፈላለየ መገዲ ኣቢሉ ዝባረኾም ነገራት ሕያዎት መገብቲ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኢዮም።

ለውጢ ኣድለየ

10 ኣብ 1970ታትን ኣብ መጀመርታ 1980ታትን: ኣብ ናይ ሕትመት ተክኖሎጂ ዓበይቲ ምዕባለታት ተገብረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነዚ ዘመናዊ ናይ ሕትመት ጥበብ ኣተኣታተዉዎ። ቅድሚኡ: ሌተርፕረስ ዝበሃል ልሙድ ዝነበረ ናይ ሕትመት ኣገባብ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። ነቲ ዝያዳ ዘመናዊ ዝዀነ ኦፍሰት ዝበሃል ኣገባብ ኣተሓታትማ ከተኣታትዉዎ ምስ ጀመሩ ድማ እዚ ቀስ ብቐስ ተቐየረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ቅድም በቲ ሌተርፕረስ ዝበሃል ኣገባብ ዝሕተም ዝነበረ ክልተ ሕብርታት (ጸሊምን ካልእ ሕብርን) ዘለዎ ስእልታት ተሪፉ: ብእተፈላለየ ሕብርታት እተዳለወ ስእላዊ መግለጺታት ዝሓዘ ምልኩዕ ጽሑፋት ይሕተም ኣሎ። ብዘይዚውን: እቲ ኣብ ኮምፒዩተር እተገብረ ተክኖሎጂ ንዅሉ እቲ ኣብ ሕትመት ቅድሚ ምብጽሑ ዝግበር ዕዮ (ንሕትመት ዝግበር ምድላው) ቀዪርዎ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብልዕሊ 370 ቋንቋታት ንሕትመት ዝሕግዝ ዘሎ ማልቲላንጔጅ ኤለክትሮኒክ ፎቶታይፕሴቲን ሲስተም (MEPS) ዝበሃል ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም ኣማዕበሉ። ኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት ብናይ ምስራሕ ክእለቱ ንሜፕስ ዝወዳደሮ ንግዳዊ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም የለን።

11 ሳላ እቲ ሜፕስ ዝበሃል ናይ ኮምፒዩተር ተክኖሎጂ ከምኡውን ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ መልእኽቲ ንምቕባልን ምልኣኽን ዝሕግዝ መሳርሒ ዝኣመሰለ ካልእ ኣገባባት ብምጥቃም: መንፈሳዊ መግቢ ኣብቲ ግቡእ ግዚኡ ንምድላው ዓቢ ምዕባለ ተገብረ። ኣቐድም ኣቢሉ: በቲ ድሑር ተክኖሎጂ ብምጥቃም: እቲ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ካልእ ቋንቋታት ተተርጒሙ ዝዳሎ ሓበሬታታት ዝሓዘ መጽሔታት እቲ እንግሊዝኛ ተሓቲሙ ምስ ወጸ ኣዋርሕ ሓድሓደ ግዜ እውን ዓመት ጸኒሑ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን: ግምቢ ዘብዐኛ ብ115 ቋንቋታት: ንቕሑ! ድማ ብ62 ቋንቋታት ምስ እንግሊዝኛ ኣብ ሓደ ግዜ ይሕተም ኣሎ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ድማ ካብቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብቲ ሰሙን ሰሙን ዝግበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ዝእከቡ ሰባት ልዕሊ 95 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኢዮም ዝወስዱ ማለት ኢዩ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! ብንብረት ናይቲ ጐይታ ገይርካ ንዅሉ እቲ ሓድሽ ተክኖሎጂ ምዕዳግ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ምውዓል ከም ዝዀነ ድማ ኣየጠራጥርን ኢዩ!

ፍልይ ዝበለ ምምሕዳራዊ ጠለባት

12 እዚ ሓድሽ ናይ ሕትመት ኣገባባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ናይ ሕትመት ዕዮታት ቀዪርዎ ኢዩ። እዚ ወብ ኦፍሰት እተባህለ ዘመናዊ መሕተሚ ካብቲ ሌተርፕረስ ዝበሃል ድሑር መሕተሚ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ኢዩ: ይኹን እምበር ኣዝዩ ክቡር እውን ኢዩ። እቲ ነዚ ዕዮ እዚ ዝሕግዝ ከም ጽሕፈት: ትርጕም: ስነ-ጥበብ: ስእልታት ምድላው ዝኣመሰለ ናይ ኮምፒዩተር ኣገባባት ካብቲ ድሑር ኣገባባት ንላዕሊ ዝያዳ ኣሳልጦ ዝህብ እኳ እንተዀነ ወጻኢኡ ግን ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። መጽሔታት ኣብ 51 እተፈላለያ ሃገራት ምሕታም ቍጠባዊ ከም ዘይኰነ ብኡንብኡ ርዱእ ኰነ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ኣብ 1990ታት: ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ነቲ ዅነታት እንደገና መርመሮ። ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ በጽሐ፧

13 እቲ ናይ ሕትመት ዕዮ እንተ ዝጥርነፍ እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽርን ፈተውቶምን እተወፈየ ክቡር ‘ጥሪት’ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣብ ዝዀነ መዓላ ክውዕል ከም ዝኽእል እቲ እተገብረ መጽናዕትታት ሓበረ። ስለዚ ኸኣ ቍጽሪ ናይተን ዝሓትማ ጨነፍር ቀስ ብቐስ እናጐደለ ኸደ። ጀርመን ነተን ኣቐዲመን ናይ ገዛእ ርእሰን መሕተሚ ዝነበረን ሓያሎ ሃገራት ሓዊስካ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ኣውሮጳ ንዘለዋ ሓያሎ ሃገራት ዝኸውን መጽሔታትን ጽሑፋትን ንምሕታም ሓላፍነት ተዋህበት። ዓዲ ጣልያን ንገለ ክፍልታት ኣፍሪቃ ከምኡውን ንግሪኽን ንኣልባንያን ሓዊስካ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝኸውን መጽሔታትን ጽሑፋትን ኢያ ተዳሉ። ኣብ ኣፍሪቃ: ምሕታም መጽሔታት ኣብ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ጥራይ ከም ዝውሰን ተገብረ። ኣብ ብዘላ ዓለም እውን ተመሳሳሊ ምጥርናፍ ተገብረ።

ንኸተመዛዝን ዝገብር ረቛሒታት

14 ካብ ሓምለ 1998: ኣብዘን ሃገራት ኣውሮጳ ዝዀና ኦስትርያ: ቼኮዝላቫኪያ: ዴንማርክ: ፈረንሳይ: ግሪኽ: ሃንጋሪ: ሆላንድ: ሮማንያ: ስዊዘርላንድን ዩጎዝላቪያ ነበርን ምሕታም መጽሔት ከቋርጽ ኢዩ። ዓዲ እንግሊዝ: ፊንላንድ: ጀርመን: ዓዲ ጣልያን: ስጳኛን ሽወደንን ነቲ ንኣውሮጳ ዝኸውን ጽሑፋት ናይ ሕትመት ሓላፍነት ክስከምኦ ኢየን። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ዘየድሊ ወጻኢታት ኣይክግበርን ኢዩ: እቲ ውጽኢታት ድማ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምስፋሕ ብዝሓሸ መገዲ ክጠቅም ኢዩ። እተን ከም ናይ መሕተሚ ቦታታት ኰይነን ዝቕጽላን ምሕታም ዘቋርጻን ሃገራት ኣየኖት ምዃነን ብኸመይ ኢዩ ተወሲኑ፧ ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ምስቲ ንንብረት ናይቲ ጐይታ ብጥበብ ክሓሊ ዘለዎ መዝነቱ ብምስምማዕ: ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝግበር ሕትመት ዘምጽኦ ጥቕሚ ገምጊምዎ ኢዩ።

15 ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገለ ግዜ ዝኸውን ብዘይ ምቍራጽ ብወፈራ እተገብረ ናይ ምጽላም መጥቃዕትታት ኣጋጢምዎም ኢዩ። (ማቴ. 5:⁠11) ነውራማት ውልቀ-ሰባት ነቶም መሰኻኽር “ሓደገኛታት ኣንቆራ” ከም ዝዀኑ ገይሮም ብሓሶት ክገልጽዎም ፈቲኖም ኢዮም። እዚ መጥቃዕትታት እዚ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዎም ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣብ ሕቶ ንኸእትዉዎ ንገሊኦም ኣደፋፊርዎም ኢዩ። ነቲ ሓሶት ንምቅላዕን ነቲ ሓቂ ከም ዝፍለጥ ንምግባርን ስጕምትታት ተወሲዱ ኢዩ። ናይዚ ጕዳይ እዚ ውጽኢት ክርአ ንየሆዋ ኢና እንጽበ። (መዝ. 62:⁠7-9) እቶም ወገን ዘይፈልዩ ሰበ-ስልጣን ነቲ ዅነታት ኣጽኒዖም​—⁠ከምቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ዝገበርዎ⁠—​ምስቲ ሕጋዊ መሰል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሰማማዕ ግቡእ ውሳነታት ክወስዱ ተስፋ ንገብር።

16 እዚ ክውስን ከሎ ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ነዚ ናይ ምጽላም ወፈራ እዚ ኣብ ግምት ዘእተዎ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ኣብ ገሊአን ሃገራት ሕትመት ክቋረጽን ኣብ ካልኦት ድማ ምጥርናፍ ክግበርን እተሓስበሉ ዝዓበየ ምኽንያት ዘምጽኦ ጥቕሚ ኢዩ ነይሩ። ሓንቲ ሃገር ንኻልኦት ሓያሎ ሃገራት ዘድሊ ጽሑፋት ከም እትሓትም ምግባር ዝያዳ ምቹእን ነቲ ክቡር መሳርሒታት ድማ ብዝሓሸ ምጥቃምን ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሕትመት: ዋጋታት ሕሱር ኣብ ዝዀነሉ: መሳርሒታት ኣብ ዝርከበሉ: ከምኡውን ናይ መልኣኺ መሳለጥያታት ጽቡቕ ኣብ ዝዀነሉ ቦታ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ንብረት ናይቲ ጐይታ ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ሕትመት ከቋርጽ ኢዩ ክበሃል ከሎ እቲ ኣብኡ ዝግበር ዕዮ ስብከት ደው ክብል ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብኡ ተሓቲሙ እተዳለወ ኣኽል-ታርፍ ጽሑፋት ገና ክህሉ ኢዩ: እቶም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዉ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ንብጾቶም “እቲ ብስራት ሰላም” ብቕንኢ ምንጋር ክቕጽሉ ኢዮም። (ኤፌ. 2:⁠17 NW ) ብተወሳኺውን: እዚ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ እዚ ካልእ ረብሓታት እውን ኣምጺኡ ኢዩ።

17 ሓደ ረብሓ ንምጥቃስ: ካብቲ ኣብ ዴንማርክ: ግሪኽ: ሆላንድን ስዊዘርላንድን ዝነበረ ዘመናዊ ናይ ሕትመት መሳርሒታት መብዛሕትኡ ናብ ናይጀርያን ፊሊፕንስን ተላኢኹ ኢዩ። እቶም ኣብተን ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ዘለዉ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ነቲ ናይ ሕትመት መሳርሒታት ሒዞሞ ክኸዱን ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣጠቓቕማኦም ከለማምድዎምን ንዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ: እዘን ሃገራት እዚኣተን ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት ዝሓትሞኦ ዝነበራ ብዓይነቱ ልዑል ዝዀነ መጽሔታት ኣብዚ እዋን እዚ የዳልዋ ኣለዋ።

18 ካልእ ረብሓ ርአ:- እቲ መጽሔታት ንምሕታም ዝወጽእ ገንዘብ እተን ሕትመት ዝቕጽለለን ዘሎ ሒደት ሃገራት ኢየን ዝኸፍልኦ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብተን ምሕታም ዘቋረጸለን ሃገራት እቲ ገንዘብ ንኸም ኣደራሻት መንግስቲ ምህናጽ ከምኡውን ነቶም ኣብተን ድኻታት ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋትና ብዘድልዮም ነገራት ምሕጋዝ ዝኣመሰለ ካልእ ዕላማታት ክውዕል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ንንብረት ጐይታ ተጠንቂቕካ ምጥቃም ክበሃል ከሎ እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር: ንኻልኦትን ራህዋ: ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። . . . ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ: . . . ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ” ዝበሎም ቃላት ብደረጃ ኣህጉር ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ቈረ. 8:⁠13, 14

19 ከም ውጽኢት ናይዚ ምጥርናፍ እዚ ድማ: ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብሓባር ኣጸቢቖም ተኣሳሲሮም ኢዮም። እቶም ኣብ ዴንማርክ ዘለዉ መሰኻኽር ባዕሎም ይሓትሙ እኳ እንተነበሩ: ሕጂ ግን መጽሔታቶም ኣብ ጀርመን ክሕተም ጸገም ኣይኰኖምን ኢዩ። ነቲ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝገብርዎ ኣገልግሎት መመስገንቲ ኢዮም። እቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ውጽኢታቶም ንዴንማርክ ወይ ድማ ንሩስያን ኡክረይንን ንኻልኦት ሃገራትን ዝኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንምድላው ይጠቅም ከም ዘሎ ብምፍላጦም ቅር ይብሎም ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይብሎምን ኢዩ! እቶም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝገብርዎ ውጽኢታት ሕጂ ንኻልእ ኣድላዪ ዕላማታት ክጠቅም ከም ዝኽእል ብምፍላጦም ሕጉሳት ኢዮም።

ነቲ ንብረት ምሕላይ

20 ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዘለዋ ኵለን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሻት መንግስቲ: “ውጽኢታት ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14” ዝብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹን ኣሎ። እቲ ኣብዚ ሳጹናት እዚ ብዘይ ልመና ዝግበር ውጽኢታት ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ ቦታ ዝውዕል ኢዩ። እቲ ውጽኢታት ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል በቲ ‘እሙን መጋብን’ ብነፍሲ ወከፍ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ትካላትን ዝውሰን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ብሕጊ ፍቑድ ኣብ ዝዀነሉ ሃገራት እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብቲ ናይ ውጽኢት ሳጹን ዝኣቱ ገንዘብ ነቲ ኣብ ሓንቲ ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እትርከብ ካልእ ሃገር ዝግበር ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። እቲ ውጽኢታት ነቶም ኣብ ገለ ሃገራት ብማዕበል: ህቦብላ ንፋስ: ምንቅጥቃጥ ምድርን ኵናት ሓድሕድን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣመንቲ ብጾት ዝኸውን ህጹጽ ሓገዝ ንምድላው ጠቒሙ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈያታት ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዘለዉ ሚስዮናውያን ንምድጋፍ ይጠቅም ኣሎ።

21 ከም ሓፈሻዊ ሕጊ ኸኣ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ንገንዘብ ዝምልከት ጕዳያት ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ ዝጥቀስ። ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ወይ ድማ ኣብ ኣሰምብሊታት ገንዘብ ዝእከበሉ ከረጺት ኣይዘውርን ኢዩ። ውልቀ-ሰባት ገንዘብ ንኸዋጽኡ ዝለኣኸሎም ልመና የለን። ገንዘብ ዝእክቡ ሰራሕተኛታት ኣይቈጽሩን ኢዮም። እቶም ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ምእንቲ ክድግፉ ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ውጽኢታት ክገብሩ ዝብህጉ ሰባት ከመይ ገይሮም ክልእኹ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ዓንቀጽ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ኢዩ ዝወጽእ። ኣብ ንቕሑ! ንናይ ማሕበር ገንዘብ ዝምልከት ስርዓታዊ ኰይኑ ዝጥቀስ ነገር የለን። ከመይ ገይሩ ደኣ ኢዩ እሞ እቲ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እቲ ብስራት ምንጋር: ኣድላዪ ኣደራሻት መንግስቲ ምህናጽ: ነቶም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰባት ምሕላይ: ከምኡውን ነቶም እተሸገሩ ክርስትያናት ሓገዝ ምሃብ ዝፍጸም ዘሎ፧ የሆዋ ንህዝቡ ለጋስ ናይ ምዃን መንፈስ ብምሃብ ብዘገርም መገዲ ባሪኽዎም ኢዩ። (2 ቈረ. 8:⁠2) ንዅሎም እቶም ‘ብጥሪቶም ንእግዚኣብሄር ንምኽባር’ እተኻፈሉ ሰባት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከነመስግኖም ንፈቱ። ‘እቲ እሙን መጋቢ’ ንንብረት ናይቲ ጐይታ ክሓሊ ምዃኑ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። የሆዋ ድማ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምስፋሕ ዝግበር ምድላዋት ኵሉ ክባርኾ ንጽሊ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሕትመት ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብተን ሸውዓተ ብናይ ንግዲ ትካላት ኢዩ ተገይሩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

(ኣብ ገጽ 5 ዓምዲ 1 ይቕጽል )

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ንንብረት ጐይታ ምሕላይ (ካብ ገጽ 4 ዝቐጸለ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ