በረኸት ክኸውን ዝኽእል ምብጻሕ
1 ዘኬዎስ: የሱስ ከም ጋሻ ዀይኑ ኣብ ገዝኡ ክመጾ ኸሎ ተሓጒሱ ኢዩ ተቐቢልዎ። እዚ ምብጻሕ እዚ ድማ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ዝዀነ!—ሉቃ. 19:2-9
2 ሎሚውን የሱስ ክርስቶስ ከም ርእሲ እታ ጉባኤ መጠን “ነቲ . . . መጓሰ ኣምላኽ [ክጓስይዎ]” ንሽማግለታት ይእዝዞም ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:2, 3፣ ዮሃ. 21:15-17) እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ተዓዘብቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዝህብዎ ትምህርትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝገብርዎ መሪሕነትን: ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ ፍቕራውን ብሕታውን ሓገዝ ይገብሩሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ሓድሓደ ግዜ እቶም ሽማግለታት ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ምስኣቶም ክትካፈል ከሎኻ ወይውን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ብሕታዊ ቆላሕታ ክገብሩልካ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። እቶም ሽማግለታት ክበጽሑኻ ኸለዉ ክትፈርህዶ ኣሎካ፧ ክትፈርህ የብልካን። ክበጽሑኻ ኢሎም ክመጹ ኸለዉ ብገለ መገዲ ትጐድል ኣሎኻ ማለት ኣይኰነን። ዕላማ ጕስነታዊ ምብጻሕ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧
3 ጳውሎስ እቶም ኣሕዋት ‘ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩ’ ምእንቲ ክርኢ ክበጽሖም ከም ዝደለየ ተዛረበ። (ግብ. 15:36) እወ: ሽማግለታት ከም ፈቃራት ጓሶት መጠን ከመይ ከም ዘሎኻ ክፈልጡ ኣዝዮም ይግደሱ ኢዮም። ክድግፈካን ክሃንጸካን ዝኽእል መንፈሳዊ ሓገዝ ክገብሩልካ ይደልዩ ኢዮም። እቲ ፈቃር ዝዀነ ጓሳና የሆዋ ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ሓልዮት ክግበረልና ኢዩ ዝደሊ።—ህዝ. 34:11
4 ነቲ ናይ ሽማግለታት ምብጻሕ ብሓጐስ ተቐበሎ:- ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋቱ ክበጽሖም ከሎ ሸቶኡ ‘ንምጽንዖም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕሎምን ምእንቲ ኽጸናንዑን’ ነበረ። (ሮሜ. 1:11, 12) ኣብዘን ኣሸገርቲ ናይ መወዳእታ መዓልትታት ኵላትና መንፈሳዊ ምትብባዕ የድልየና ኢዩ: ኣብ እምነት ጸኒዕና ክንቅጽል ድማ ሓገዝ ንደሊ ኢና። ነቲ ጕስነታዊ ምብጻሕ እተርእዮ ኣወንታዊ ምላሽ ሰናይ ዝዀነ ሓድሕዳዊ ምትብባዕ ከም ዘፍሪ እተረጋገጸ ኢዩ።
5 ነቲ ብናይ ሽማግለታት ጕስነታዊ ዕዮ ዝርከብ ብዙሕ ረብሓታት ኣማስወሉ። ዘሻቕለካ ገለ ጕዳይ ወይ ሕቶ እንተድኣ ኣሎ: ኣብታ ጉባኤ ዝሕግዙኻ ሽማግለታት ከም ዘለዉ ኣይትረስዕ። ንመንፈሳዊ ድሕንነትካ ክትንክፎ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጕዳያት ከይተሰከፍካ ምስኣቶም ተመያየጠሉ። ነዚ የሆዋ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ኣማስወሉ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ ከምጽኦ ብዝኽእል በረኸታት ድማ ተሓጐስ።