ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
1 ናይቲ ኣብ መስከረም ዝጅምር ክልተ መዓልቲ ዝወስድ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ቀንዲ ኣርእስቲ “ንትእዛዛት ኣምላኽ ሓልዎ እሞ ብህይወት ንበር” ዝብል ኢዩ። (ምሳ. 4:4) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ጾር ዘይኰነ ስለምንታይ ምዃኑ ኸኣ የብርህ። ብተወሳኺ ኸኣ: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ዕረፍትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ዘምጽእ: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ንኽትገብር ዝሕግዝ ብኸመይ ምዃኑ ከርኢ ኢዩ።—ማቴ. 11:28-30፣ ዮሃ. 13:17
2 እቶም ናይ የሱስ ትእዛዝ ኣኽቢሮም ኣብቲ ኣሰምብሊ ክጥመቑ ዝደልዩ ምስ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ክዘራረቡ ኣለዎም። ንሱ ኸኣ እቲ ዘድሊ ምድላው ክገብር ኢዩ።—ማቴ. 28:19, 20
3 እቲ ዝቐርብ ዓውደ-መጽናዕቲ ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ፍቕሪ ከነርእየሉ እንኽእል ተግባራዊ መገድታት ክገልጽ ኢዩ። (ዮሃ. 13:34, 35፣ 1 ዮሃ. 5:3) እቲ ፕሮግራም ካብ መዝሙር 19 ከምኡውን 119 እተወስደ ንልቢ ዘለዓዕል ምኽሪ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ሽሕ እኳ እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት እንተ ተጻሕፈ: ኣብዚ ግዜ እዚ ብብሕትና ካብኡ ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንርኢ ኢና።
4 ብናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዝወሃብ ህዝባዊ ዝርርብ “ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሓልዎ” ዝብል ኢዩ። (መክ. 12:13) እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዘቕርቦ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ከኣ መንእሰያት ኣብዚ እዋን እዚ ንህይወቶም ብዝበለጸ ብኸመይ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ: ከምኡውን ዘለኣለማዊ መጻኢ ከም ዝረኽቡ እምንቶ ከሕድሩ ዝኽእሉ ስለምንታይ ምዃኖም ክገልጽ ኢዩ። እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ኸኣ በቲ “ንጉሳዊ ሕጊ” ምንባር ዘምጽኦ ብዙሕ ረብሓታት ብምዝርዛር ነቲ ፕሮግራም ክድምድሞ ኢዩ። (ያእ. 2:8) ብርግጽ እዚ ኣሰምብሊ እዚ ንዋላ ሓደ ሰብ ክሓልፎ ዘይብሉ ፕሮግራም ኢዩ!