ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/98 ገጽ 1
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ኵን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 10/98 ገጽ 1

ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም

1 ናይቲ ኣብ መስከረም ዝጅምር ክልተ መዓልቲ ዝወስድ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ቀንዲ ኣርእስቲ “ንትእዛዛት ኣምላኽ ሓልዎ እሞ ብህይወት ንበር” ዝብል ኢዩ። (ምሳ. 4:⁠4) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ጾር ዘይኰነ ስለምንታይ ምዃኑ ኸኣ የብርህ። ብተወሳኺ ኸኣ: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ዕረፍትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ዘምጽእ: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ንኽትገብር ዝሕግዝ ብኸመይ ምዃኑ ከርኢ ኢዩ።​—⁠ማቴ. 11:⁠28-30፣ ዮሃ. 13:⁠17

2 እቶም ናይ የሱስ ትእዛዝ ኣኽቢሮም ኣብቲ ኣሰምብሊ ክጥመቑ ዝደልዩ ምስ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ክዘራረቡ ኣለዎም። ንሱ ኸኣ እቲ ዘድሊ ምድላው ክገብር ኢዩ።​—⁠ማቴ. 28:⁠19, 20

3 እቲ ዝቐርብ ዓውደ-መጽናዕቲ ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ፍቕሪ ከነርእየሉ እንኽእል ተግባራዊ መገድታት ክገልጽ ኢዩ። (ዮሃ. 13:⁠34, 35፣ 1 ዮሃ. 5:⁠3) እቲ ፕሮግራም ካብ መዝሙር 19 ከምኡውን 119 እተወስደ ንልቢ ዘለዓዕል ምኽሪ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ሽሕ እኳ እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት እንተ ተጻሕፈ: ኣብዚ ግዜ እዚ ብብሕትና ካብኡ ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንርኢ ኢና።

4 ብናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዝወሃብ ህዝባዊ ዝርርብ “ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሓልዎ” ዝብል ኢዩ። (መክ. 12:⁠13) እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዘቕርቦ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ከኣ መንእሰያት ኣብዚ እዋን እዚ ንህይወቶም ብዝበለጸ ብኸመይ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ: ከምኡውን ዘለኣለማዊ መጻኢ ከም ዝረኽቡ እምንቶ ከሕድሩ ዝኽእሉ ስለምንታይ ምዃኖም ክገልጽ ኢዩ። እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ኸኣ በቲ “ንጉሳዊ ሕጊ” ምንባር ዘምጽኦ ብዙሕ ረብሓታት ብምዝርዛር ነቲ ፕሮግራም ክድምድሞ ኢዩ። (ያእ. 2:⁠8) ብርግጽ እዚ ኣሰምብሊ እዚ ንዋላ ሓደ ሰብ ክሓልፎ ዘይብሉ ፕሮግራም ኢዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ