ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/01 ገጽ 5
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ዝፈርህ ልቢ ኣጥሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ክትረክብ ምምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ንየሆዋ ፍርሃዮ ትእዛዛቱ እውን ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 11/01 ገጽ 5

ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም

ሓደ ኻብቲ ፍርሃት ንዝብል ቃል ተዋሂብዎ ዘሎ ትርጕም “ብፍላይ ንኣምላኽ ዓሚቝን ኣኽብሮታውን ፍርሃት ምርኣይ” ዝብል ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “መጀመርያ ጥበብ” ተባሂሉ ዘሎ ጥዑይ ፍርሃት ዝገልጾ ኢዩ። (መዝ. 111:⁠10) ብኣንጻሩ: ነዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም ካልእ ዓይነት ፍርሂ ወሪርዋ ኣሎ። ንዘይጥዑይ ስምዒታት ብምውጋድ ኣብ የሆዋ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ኣብ ናይ 2002 ዓመት ኣገልግሎት ዝውሰድ ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ኣብዚ ሕቶ እዚ ዘተኰረ ኢዩ። ቀንዲ ኣርእስቱ “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዝብል ኢዩ። (ራእ. 14:⁠7) ፍርሃት የሆዋ ብውልቀ⁠-​ሰብ ኰነ ብማሕበር ደረጃ ብብዙሕ መገድታት ከም ዝጠቕመና ኽንግንዘብ ኢና።

ፍርሂ ዝብልዎ ቓል ጭንቀት: ትብዓት ምስኣን: ንኣጸጋሚ ዅነታት ንምግጣሙ ድሕርሕር ምባል ዝብል ትርጕም ዝሓዘ እኳ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” ይብል። (መዝ. 128:⁠1) እቲ ናይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ነቲ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘጋጥም ብድሆታት ከመይ ገይርና ብዓወት ከም እንዋጽኣሉ ኸርእየና ኢዩ። ሓደስቲ ሰባት ነዚ ጥዑይ ፍርሃት ኣምላኽ ንኽዅስኵስዎ ብኸመይ ከም እንሕግዞም ክንርኢ ኢና: እዚውን ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ሓሳቦምን ሓይሎምን ናይ ምግልጋል ባህጊ ንኸሕድሩ ክድርኾም ኢዩ። (ማር. 12:⁠30) እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ: በቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዘቕርቦ “ነቶም እተፍቅርዎም ኣጸቢቕኩም ቅረብዎም” ዘርእስቱ ዝርርብ ኢዩ ዝዛዘም። ነቲ ድያብሎስ ካብ የሆዋን ስድራ​ቤትናን ክርስትያናት ኣሕዋትናን ከርሕቐና ኢሉ ዝገብሮ ጻዕርታት ብኸመይ ክንጥንቀቐሉ ከም እንኽእል ድማ ክገልጸልና ኢዩ።

እቲ ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ዝቐርብ ኣርባዕተ ኽፍልታት ዘለዎ ዓውደ⁠-​መጽ​ናዕቲ “ንየሆዋ ድኣ እምበር ንሰብ ኣይትፍርሁ” ዝብል ኣርእስቲ ኽህልዎ ኢዩ። ኣብዚ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ እዚ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ንኸይንፍጽም ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ስራሕ ንጽህናናን ሰናይ ሕልናናን ንኸይንዕቅብ ዝዓናቕፈና ዝዀነ ይኹን ፍርሂ ስለምንታይን ብኸመይን ክንዋጽኣሉ ኸም ዘሎና ኽንማሃር ኢና። እቲ “ንኣምላኽ ፍርህዎ ትእዛዛቱ እውን ሓልዉ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ: ኣብ ራእይ ምዕራፍ 14 ተገሊጹ ኣብ ዘሎ ተኸታታሊ ፍጻመታት እተመስረተ ኢዩ። እቲ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ “ብፍርሃት የሆዋ ተመላለሱ” ዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎ ዘተባብዕ መምርሒ ኽዛዘም ኢዩ።

ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ከም መርኣያ ዝኸውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: ከምኡውን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽማቝ ሓሳባት እውን ከምልጠካ ዘይትደልዮ ኻልእ ኣብቲ ፕሮግራም ዝቐርብ ክፍልታት ኢዩ። ንጽንዓታትካ ዓድሞም። ዝዀነ ይኹን ክጥመቕ ዝደሊ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኸፍልጥ ኣለዎ። ኵላትና ካብዚ ብሉጽ ፕሮግራም እዚ ዋላ ሓንቲ ንኸየምልጠና ብምጥንቃቕ ንየሆዋ ጥዑይ ፍርሃት ከም ዘሎና ኸነርእን ክብሪ ኽንህቦን ንደሊ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ