ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
ሕጂ ምስ የሆዋ ብምምልላስካ እንታይ ረብሓታት ትረክብ ኣሎኻ፧ ነቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ንኸይተቐድም ዝሓላልኸካ ቲኦክራሲያዊ ኣብ ዘይኰነ ንጥፈታት ከም እትጽመድ ዝገብር ፈተናታት ክትዋጽኣሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ማቴ. 6:33) ኣብዛ ንጌጋ ከም ቅኑዕ ገይራ እተቕርቦ ዓለም ቅኑዕ ካብ ጌጋ ንምፍላይ ትጽገም ዲኻ፧ (እብ. 5:14) ኣብቲ መስከረም 1999 ዝጅምር “ካብቲ ብመገድታት ኣምላኽ ብምምልላስ ሕጂ ዝርከብ ጥቕሚ ተኻፈሉ” ዝብል ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ክዝረብ ኢዩ።—መዝ. 128:1
ቀዳም መዓልቲ ኣብዚ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ንናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ብመርኣያ ዘቕርብ ሓደ ሓድሽ መደብ ክህሉ ኢዩ። ናይቲ ዘለኻሉ ወረዳ ተዓዛቢ: ኵሉ ሰብ ተዳልዩ ብምምጻእ ካብቲ ፕሮግራም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽጥቀም እንታይ መደብ ተገይሩ ኸም ዘሎ ንዅለን ጉባኤታት ክሕብረን ኢዩ።
“ፓይነራት—ብኸመይ ከም እትመላለሱ ብጥንቃቐ ተመልከቱ” ዘርእስቱ ኽፍሊ ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝኸውን ግዜ ንምዕዳግ ጥበብን ምኽንያታውነትን ክትጥቀም ከም ዝከኣል ከርኢ ኢዩ። (ኤፌ. 5:15-17) “ካብቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝርአ መገድታት ተጠንቀቑ” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኵሉ መዳይ ናብራ: ነቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ ነገራት ብኸመይ ከነለልዮ ኸም እንኽእል ክምህረና ኢዩ። “ፍጻሜኦም ዝረኸቡ ትንቢታት እንታይ ጦብላሕታ ከም ዘሕድሩልና” ዘርእስቱ ዝርርብ ንኣእምሮናን ልብናን ፍቕሪ ቓል ኣምላኽ ከም ዝሓድሮ ኽገብር ኢዩ። እቲ “መገድታት ኣምላኽ—ክንደይ ኰን ጠቓሚ ኢዩ!” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ: ስጕምትና ምስቲ የሆዋ ኻባና ዝደልዮ ናይ ጽድቂ ብቕዓታት ምስ እነሰማምዖ ሕጂ ንዘምጽኣልና ረብሓታት ከጕልሕ ኢዩ።
ሓደ ኻብቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃን ብመገድታቱ ኽትመላለስ ከም እትደሊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብማይ ጥምቀት ከተርኢ ድላይ ኣሎካዶ፧ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ እቲ ዘድሊ ምድላዋት ምእንቲ ኽግበር ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኣዛርቦ።
እዚ እዋናዊ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ከይሓልፈካ ቈራጽነት ግበር። ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ ናይቲ ፕሮግራም ተኻፈል: ከመይሲ “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ: ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝ. 128:1