መንፈሳውነትና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ኣኼባ ወረዳ
1. ነቲ ብስራት ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ንኽንፍጽም ዚሕግዘና የሆዋ ዘዳለወልና ሓደ መሰናድዎ እንታይ እዩ፧
1 የሆዋ ነቲ ንሱ ዝሃበና ብስራት ናይ ምስባኽ ዕዮ ንኽንፍጽም ዜድልየና ሓበሬታን ስልጠናን መተባብዕን ብልግሲ ይህበና እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 2 ጢሞ. 4:17) ዓመታዊ እንገብሮ ኣኼባ ወረዳ፡ ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰናድዎ እዩ። ንዓመት ኣገልግሎት 2010 ዚኸውን ሓድሽ መደብ፡ “መንፈሳውነትኩም ሓልዉ” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ ዀይኑ፡ ኣብ ሮሜ 8:5ን ይሁዳ 17-19ን እተመስረተ እዩ። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ካብታ 31 ነሓሰ 2009 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ ኺጅምር እዩ።
2. (ሀ) እቲ ኣኼባ ወረዳ ብኸመይ ዝበለ መገድታት እዩ ኺጠቕመና፧ (ለ) ዝሓለፈ ኣኼባታት ወረዳ ኣብ ኣገልግሎትካ ብኸመይ ሓጊዙካ፧
2 ብኸመይ ከም ዚጠቕመና፦ እቲ ኣኼባ ኻብ እተፈላለየ ሓደጋታት ንኽንርሕቕ ኬጠንቅቐና እዩ። ንኣብነት፡ ግዜና ብዜጥፍእን ኣቓልቦና ብዚሰርቕን ነገር ከይነስግል ኬንቅሓና እዩ። ተለማለምቲ ንኸይንኸውን ብኸመይ ከም እንቃለስን መለለዪ መንፈሳዊ ሰብ እንታይ ምዃኑን ክንርኢ ኢና። ኣብቲ ሰንበት ዚቐርብ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ኣብዚ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጸቕጥታትን ንእምነትና ዚፍትን ፈተናታትን፡ ውልቀ-ሰባት ኰኑ ኣባላት ስድራ ቤት ንመንፈሳውነቶም ንምድልዳል እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ክንመሃር ኢና። ኣብቲ ኣኼባ፡ ልብና ንኽንሕሉ፡ መንፈሳዊ ጥዕናና ንኽንሕሉ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መንፈሳውነቶም ዚሕልዉ ሰባት ዚረኽብዎ ዓብዪ በረኸት ኣጸቢቕና ኽንዘኻኸር ኢና።
3. ዚቕጽል ኣኼባ ወረዳና መዓስ እዩ፧ ንስኻኸ እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘራጽነት ክትገብር ዘሎካ፧
3 ኣኼባ ወረዳኹም መዓስን ኣበይን ከም ዚግበር ምስ ፈለጥኩም፡ ኣብ ክልቲአን መዓልትታት ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ንኽትእከቡ መደብ ግበሩ። የሆዋ ንሃቐና ትጉሃት ከም ዚባርኽ ኣይትጠራጠሩ።—ምሳ. 21:5።
4. ኣብ ዚመጽእ ኣኼባ ወረዳና ብርግጽ እንታይ እዩ ኺወሃበና፧
4 የሆዋ ወሃብ ጽቡቕ ውህበት እዩ። እቲ ብእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ እተዳለወ ኣኼባ፡ ክርስትያን ኣገልገልቲ ዄንና ንኽንቅጽል ዜኽእለና እዩ። የሆዋ ‘ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ንኸነጽንዓ’ ዜኽእለና ፍቕራዊ መሰናድዎታት ስለ ዚገብረልና፡ ነመስግኖ ኢና።—እብ. 10:23-25፣ ያእ. 1:17።