ንኣእምሮኹም ሓልውዎ
1. ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2013 ዚግበር ኣኼባ ወረዳ እንታይ እዩ፧ ዕላማ እቲ መደብከ እንታይ እዩ፧
1 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ኣእምሮኦምን ኬፍቅርዎ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 22:37, 38) ናይዚ ዓመት እዚ ኣኼባ ኣውራጃን ወረዳን፡ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኸነደልድል ምእንቲ ኺሕግዘና እዩ ተዳልዩ። ኣርእስቲ ኣኼባ ኣውራጃ፡ “ንልብኹም ሓልውዎ!” ዚብል ኪኸውን እዩ። ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2013 ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኸኣ፡ “ንሕልናኹም ሓልውዎ” ዚብል ኪኸውን እዩ። እቲ ኻብ ዚቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ዚካየድ ኣኼባታት ወረዳ ድማ፡ ኣብ ማቴዎስ 22:37 እተመርኰሰ ዀይኑ፡ “ንኣእምሮኹም ሓልውዎ” ዚብል ኪኸውን እዩ። እዚ መደብ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍና ንሓሳብና፡ ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ንኽንምርምሮ ኺሕግዘና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።
2. ኣብቲ ኣኼባ ነየናይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኸነናድየሉ ዘሎና፧
2 ዚቐርብ ትምህርትታት፦ ኣብቲ ኣኼባ ወረዳ፡ ነዚ ዚስዕብ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ዜጕልሕ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኸነናድየሉ ኣሎና፦
• ካብ ‘ናይ ሰብ ሓሳብ’ ክንርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ነቲ ንኣእምሮ ዘይኣምኑ ሰባት ሸፊንዎ ዘሎ ጕልባብ ክንቅንጥጦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ከመይ ዝበለ ሓሳብ ኪህልወና ኢና እንደሊ፧
• ግቡእ ምስትንታን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
• የሆዋ ንኣተሓሳስባና ኪቐርጾ ኽንፈቕደሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ቈልዑን፡ ንሓጐስ ስድራ ቤት እጃሞም ኬበርክቱ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
• ንመዓልቲ የሆዋ ኽንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ሓቛቝ ኣእምሮኻ ምዕጣቕ እንታይ ማለት እዩ፧
• እቶም ነቲ እተማህርዎ ዚትግብርዎ ሰባት እንታይ ጥቕሚ እዮም ዚረኽቡ፧
3. ኣብ ክልቲኡ መዓልትታት ክንእከብ፡ ጽን ኢልና ኽንሰምዕ፡ ከምኡውን ነቲ እተመሃርናዮ ኽንትግብሮ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
3 ሰይጣን ንኣእምሮና ንምብልሻው ይቃለስ እዩ። (2 ቈረ. 11:3) ስለዚ፡ ንኣእምሮና ኽንሕልዎን ንሓሳብና ኽንቈጻጸሮን ኣሎና። ወትሩ ሓሳብ ክርስቶስ ኪህልወና ኣለዎ፣ ኣንጻር ጽልዋታት እዛ ርኽስቲ ዓለም እዚኣ ድማ ክንቃለስ ኣሎና። (1 ቈረ. 2:16) እምበኣር፡ ኣብ ክልቲኡ መዓልትታት እቲ ኣኼባ ወረዳ ኽትእከብ መድብ። ጽን ኢልካ ስማዕ። ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚቐርብ ሓበሬታ ምትግባር፡ ሓቛቝ ኣእምሮና ተዓጢቕና ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንኽንፍጽሞ ኺሕግዘና እዩ።—1 ጴጥ. 1:13።