ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
1 እቲ ኣብ ግንቦት ዝጅምር ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ኣርእስቱ “ንቕሑ: ጽንዑ: በርትዑ” ኢዩ። ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ናይ ቀዳማይ ዘበን ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኾ ናይ መተባብዒ ቃላት ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:13 ተመዝጊቡ ዝርከብ እተመስረተ ኢዩ።
2 እቲ ፕሮግራም ንኣድላይነት ናይ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ርእሰ-ምርመራ ምግባር ብምጕላሕ ክጅምር ኢዩ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ነቲ ኣብ ሓቂ ዘሎና ጽኑዕ ኣቕዋም ንምዕቃብ: ነቲ ምስ የሆዋ ከምኡውን ምስታ ምድራዊት ማሕበሩ ዘሎና ርክብ ናይ ሓቂ ምርመራ ክንገብር የድልየና። (2 ጢሞ. 3:1) ነቲ ብጻዕሪ እንዓዮ: ናይ ኣምላኽ ሞሳ ከም ዘለዎ ክንዘኻኸር ኢና። ክርስትያናዊ ባህርያትና ከነመሓይሽን ኣብነታዊ ጠባይ ክንዕቅብን ክንማሃር የድልየና ኢዩ።
3 ንመንፈሳዊ ምዕብልናን ሓላፍነትን እናተመጣጠርካ: ኣብቲ ደቂ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ቀናእ ምኽዋን ኣድላይነቱ ክጋነን ኢዩ። ውልቀ-ሰባትን ስድራቤታትን ብኸመይ ስርዓታዊ ዝኾነ ናይ መንፈሳዊ ምምጋብ መደብ ከም ዝገብራ ተግባራዊ ሓሳባት ብእተፈላለየ ዝርርባትን ተዋስኦታትን ምይይጥን ክወሃብ ኢዩ።
4 ቀዳም እቶም ብቑዓት ዝኾኑ ሕጹያት ናይ ወፈያኦም ህዝባዊ ምስክርነት ብናይ ማይ ጥምቀት ከርእይዎ ኢዮም። ሰንበት ኵልና ነቲ “ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ኣቕዋም ከመይ ኢዩ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክንሰምዕ ንደሊ ኢና።
5 እቲ ፕሮግራም ኣብ እምነት ጽኑዓት ኴንና ብመንፈስ ፍቕርን ሰላምን ኣብ ንሓድሕድና ክንመላለስ ብምትብባዕ ክዛዘም ኢዩ። ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ሓደ ካብቲ የሆዋ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ከነስተብህል’ ዝሃበና ፍሉይ ኣጋጣሚ ኢዩ። (እብ. 10:24, 25) ኣብ ክልቲኤን መዓልትታት ኣብ ኵሉ እቲ ፕሮግራም ክትርከብ ውሱን መደብ ግበር።