ብሮሹራት ኣእምሮን ልብን ንምልዕዓል ተጠቐመሎም
1 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኣእምሮን ልብን ከም ዘለዓዕል ኰይኑ ክቐርብ ኣለዎ። የሱስ ንሰማዕቱ ሓቂ ክገልጸሎም ከሎ ዘገድሶምን ዝድርኾምን ኣርእስትታት ኢዩ መሪጹ። (ሉቃ. 24:17, 27, 32, 45) እቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ዓወት ብዓቢኡ ኣብቲ ንሰማዕትና ዘገድሶም መንፈሳዊ ድሌታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ እንገብሮ ጻዕሪ እተመርኰሰ ኢዩ።
2 ብሮሹራት ንኣእምሮን ልብን ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ንምልዕዓል ውጽኢታዊ መሳርሒ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብሮሹራት ንምዕዳል ሸቶ ግበር። ብሓንሳእ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ብሮሹር ዓድል። ንመልእኽቲ ናይቲ ኣብ ነሓሰ ዝዕደል ነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ምላሽ ክህበሉ ዝኽእል ሰብ መን ምዃኑ ኣቐዲምካ ሕሰብ:-
—ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እዛ ብሮሹር እዚኣ የሆዋ ስቓይ ስለምንታይ ከም ዘፍቀደ ንዝለዓል ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል ኢያ: ንወድሰብ ኣዳልይሉ ዘሎ ተስፋ ድማ ትገልጽ ኢያ።
—ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ ! እቲ ብዙሕ ስእልታትን ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታትን ንቘልዑን ነቶም ናይ ምንባብ ክእለቶም ውሱን ዝዀኑ ሰባትን ዕላማታት ኣምላኽ ንኽርድኡ ክትሕግዞም ትኽእል ኢያ።
—እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ። ኣምላኽ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ከተንስኦም ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክቕበሎ ይኽእል ኢዩ።
—እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ሰባት ንትርጕምን ኣድላይነትን ስም ኣምላኽ ንኽፈልጡ ዘገርም ኣጋጣሚ ትኸፍተሎም ኢያ።
—ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ሓደ ኣብ ሃይማኖት ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ሰብ እዛ ንናይ ህዝበ-ክርስትያን መሰረታዊ ሰረተ-እምነት ዘቃልዕ ጭብጥታት ዝሓዘት ብሮሹር እተማሓላልፎ ሓቂ ክቕበሎ ይኽእል ኢዩ።
3 ምስ ነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ተላለ: ኣብ ዞባኻ ንኽትጥቀመሉ ድማ ክሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ምዃኑ ወስን። ተዋሂቡ ዘሎ ኣቀራርባታት ንምርካብ: ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ ሓምለ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታም ርአ። የሆዋ ነቲ ንኣእምሮን ኣልባብን ሰባት ንምትንካፍ እትገብሮ ጻዕርኻ ይባርኮ።—ማር. 6:34