ኣባላት ስድራቤት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ብኸመይ ከም ዝተሓባበሩ
1 ናይ ክርስትያን ስድራቤታት ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብሓባር ክንእከብ ዝገልጽ ትእዛዝ ክሕልውኦ ኣለወን። (እብ. 10:24, 25) ኵሎም ኣባላት ጽቡቕ ምትሕብባር ምስ ዝገብሩ: ንጉባኤ ኣብ ምድላው: ናብኡ ኬድካ ኣብ ምክፋል: ከምኡውን ኣብ ምስታፍ ዕዉታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ስድራቤት ኵነታት ክፈላለ ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣብ ቤት ዘለዉ ብዝሒ ቈልዑን ዕድሜኦምን ብዘየገድስ ሓደ ክርስትያን ኣቦ: ሓንቲ ኣማኒት ኣደ: ወይ ሓደ ንጽል ወላዲ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ናይ ስድራቤት ምትሕብባር ከም ዝህሉ ንምግባር ክጽዕር ይኽእል ኢዩ።—ምሳ. 1:8
2 ንኽትዳለዉ ግዜ መድቡ:- ኣባላት ስድራቤት ነፍሲ ወከፎም ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብግቡእ ከም ዝዳሎ ኣብ ምግባር ይተሓባበሩ ኢዮም። ብዙሓት ነቲ ኣብ ሰሙናዊ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝውሰድ ዓንቀጽ ሓቢሮም ይዳለውሉ። ገሊኦም ከኣ ብሓባር ኰይኖም ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ይዳለዉ ወይ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ። ናይዚ ቀንዲ ዕላማ ነቲ ኣድላዪ ነጥብታት ቅድሚ ኣብ ኣኼባታት ምክፋሎም ኣብ ኣእምሮኦም ንምሓዝ ኢዩ። ከምዚ ብምግባር ኵሎም ካብቲ ዝሰምዕዎ ይጥቀሙ: ኣጋጣሚ እንተ ረኺቦም ንምስታፍ ከኣ ዕጡቓት ይዀኑ።—1 ጢሞ. 4:15
3 ንኽትሳተፉ መደብ ኣውጽኡ:- ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃብ ነቲ ዘለዎ ተስፋ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ንምግላጽ ሸቶ ክህልዎ ኣለዎ። (እብ. 10:23) ሓደ ኣባል ስድራቤት ነዚ ንምግባር ሓገዝ ወይ ምትብባዕ የድልዮዶ ኢዩ፧ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ነቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝውሰድ ክፍልታት ንኽዳሎ እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዘድልዮ፧ ኣንስቲ ሰብኡተን ተበግሶ ብምውሳድ ዝሰማማዕ መብርሂ ወይ ተግባራዊ ኣቀራርባ ክነግርወን ከለዉ የማስዋሉ ኢየን። ወለዲ ናይ ንኣሽቱ ደቆም ክፍሊ ባዕሎም ከዳልውዎ ከም ዘለዎም ኰይኑ ክስምዖም የብሉን። ከምዚ ምግባር ንተበግሶ ናይቶም ቈልዑ ዝሓናዅል ኢዩ። ወለዲ ንንኣሽቱ ደቆም ክሕግዝዎምን ንኽፍሎም ዓው ኢሎም ከንብብዎ ኸለዉ ጽን ኢሎም ክሰምዕዎምን ይኽእሉ ኢዮም።—ኤፌ. 6:4
4 ንምክፋል እተመሓደርኩም ኩኑ:- ቈልዑ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብ ምዱብ ግዜ ንኣኼባ ብኸመይ ከም ዝከዳደኑን ንኽኸዱ ድልዋት ከም ዝዀኑን ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣኼባታት ክኸዱ ኸለዉ ምእንቲ ከይድንጕዩ እቶም ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዕዮ ገዛ ክተሓጋገዙ ኣለዎም።—ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሓጐስ ስድራቤት ኣብ ገጽ 112 ዘሎ: ከምኡውን መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ኣብ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 316-17 ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳብ ርአ።
5 ወለድን ቈልዑን ነቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ እያሱ ዝበሎ ቓላት ከስተንትንሉ ኣለዎም። ንሱ “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በለ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምሉእ ግደ ንኽህልወኩም ክትተሓባበሩ ኸኣ ወስኑ።—እያ. 24:15