ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳሎን ተሓጐሰሎምን
1 ከም ማሕበር ኣሕዋት መጠን: ንሰሙናዊ ኣኼባታትና ስርዓታውያን ኴንና ብጥበብ ኢና እንእከብ። (1 ጢሞ. 4:15, 16) ክንሕጐሰሎምን እቲ ዝለዓለ ጥቕሚ ክንረኽበሎምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ንኣኼባታት ክትዳሎ ስርዓታዊ ኴንካ ግዜ ክምደበሉ ኣለዎ። ገሊኦም ንምድላው ካብ ካልኦት ንላዕሊ ግዜ ከሕልፉ ይኽእሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ክሳዕ ክንደይ ብስራሕ ትሑዛት ምዃንና ብዘየገድስ: ንኣኼባታት ክትዳሎ ግዜ ክህልወካ ጥበባዊ ኢዩ። ብፍላይ ከም ስድራቤት መጠን ሓቢርካ ክትዳሎ ጠቓሚ ኢዩ።—ኤፌ. 5:15, 16
3 ንቲኦክራቲካዊ ኣገልገሎት ቤት ትምህርቲ:- ምስቲ ሰሙናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብ መደብ ማዕረ-ማዕረ ክትከይድ ጽዓር። (እያ. 1:8) ነቲ ኣብቲ መደብ ዝውሰድ ክፍልታት ድገሞ: ከምኡውን ነቶም ተዛረብቲ ምእንቲ ክትከታተሎም ነቲ ዘድሊ ጽሑፋት ተማላኣዮ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ኣገልግሎትካ እትጥቀመሉ መገድታት ሕሰብ።
4 ንናይ ኣገልግሎት ኣኼባ:- ነቲ ኣብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ተዘርዚሩ ዘሎ መደብ ርኣዮ። ነቶም ምይይጥ ዝግበረሎም ዓንቀጻት ኣንብቦም። ካብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጽ ወይ ገለ ካልእ ጽሑፍ ዝውሰድ እንተድኣ ኣልዩ ረኺብካ ኣንብቦ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣቀራርባታት መርኣያ ዝግበረሎም እንተድኣ ኰይኑ: ኣብ ኣገልግሎትካ ክትጥቀመሎም ድሉው ምእንቲ ክትከውን ኣቐዲምካ ድገሞም።
5 ንናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ:- ንመልስታት ናይቶም ሕቶታት ብምምልካት: ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲምካ ኣንብቦ። ነቶም እተጠቕሱ ጥቕስታት ምርኣዮም ዝበለጸ ምርዳእ ክትረክብ ክሕግዘካ ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ምስቲ ድሮ እትፈልጦ ዝነበርካ ከም ዝሰማማዕ ምስትንታን ንፍልጠትካ ከስፍሖ ኢዩ። እንተ ወሓደ ኣብ ሓንቲ ወይ ክልተ ቍጽርታት ሓጺር ሓሳባት ክትህብ ብምድላው ኣብ ግዜ እቲ መጽናዕቲ ክትካፈል ወጥን። እዚ “ናይ ተስፋና ህዝባዊ ምስክርነት” እንህበሉ ቀንዲ መገዲ ኢዩ።—እብ. 10:23 ትሓዓ
6 ንጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ:- ብመጀመርታ ነቲ ትምህርቲ ርኣዮ፣ ነቲ ናይታ ምዕራፍ ኣርእስትን ንኡስ ኣርእስትታትን ሕሰበሉ። ብድሕርዚ ከተንብብ ከሎኻ ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። ነቶም ሓገዝቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ርኣዮም። ነቶም ሕቶታት ብናትካ ቃላት ጌርካ ክትምልሶም ፈትን። ነቲ ትምህርቲ ምስ ተዳለኻሉ: በእምሮኻ ድገሞ። ነቶም ቀንዲ ሓሳባትን ምኽንያታትን ክትዝክሮም ፈትን።—2 ጢሞ. 2:15
7 ነቲ ኣኼባታት ተሓጐሰሉ:- ነቲ ኣኼባታት መሊእካ ምእንቲ ኽትሕጐሰሉ: ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ንምሕታት ዝግበር ናይ መእተዊ ጸሎት ንኽትህሉ ግዜ ከተኽብር ኣገዳሲ ኢዩ። ካብቲ ዘነቓቕሕ ናይታ መንግስቲ መዝሙር እውን ትጥቀም ኢኻ። ቈልዑ ዘይብልካ እንተድኣ ኴንካ ወይ ድማ ኣብ ድሕሪት ናይቲ ኣዳራሽ ኮፍ ክትብል ገለ ኻልእ ምኽንያት እንተድኣ ዘይብልካ: ኣብ ቅድሚት ኮፍ ምባል ዳርጋ መዘንበሊታት ዘይብሉን ካብቲ መደብ ድማ ዝያዳ እትጥቀምን ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። እቶም ኣብ መንጐ እቲ ኣኼባ ክወጹ ዘለዎም ቈልዑ ዝሓዙ ወለዲ: ኣብ ጥቓ መውጽኢ ኣፍደገን ኣብ ድሕሪትን ኮፍ እንተ በሉ መዘንበሊታት ክቕንሱ ይኽእሉ ኢዮም።
8 ነቶም ዝንበቡ ጥቕስታት ክትከታተሎም ጻዕሪ ግበር። እዚ ነቲ ዝሰማዕካዮ ክትዝክሮ ክሕግዘካ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ ንስድራቤትካን ነዕሩኽካን ምዝራብ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኻ ከም ዝሰጥም ክገብሮ ኢዩ። ነዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብ ግብሪ ምውዓሎም: ነቶም ኣኼባታት ዝያዳ ትርጕም ዘለዎምን ዘሐጕሱን ክገብሮም ኢዩ: ከምኡውን “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን [ዘነቓቕሑና]” ክዀኑ ኢዮም።—እብ. 10:24, 25