ሚያዝያ—ንሰናይ ግብሪ ቅንኢ እነርእየላ እዋን!
1 ህቦብላ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ቦታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንሰባት ናይ ምጥንቃቕ ኣድላይነት ህጹጽ እናዀነ ይኸይድ። እቲ ህቦብላ ዝያዳ ብዝቐረበ መጠን: እቲ መጠንቀቕታ ዝለዓለ ኣትኵሮ ክወሃቦ ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ብምዃኑ ኢዩ! ገለ ሰባት ብዛዕባ ህቦቡላ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ኣይፈልጡን ይዀኑ። ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ሰሚዖም ስጕምቲ ዘይወሰዱ እውን ይህልዉ ይዀኑ። እቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ቍጥዓ ዝዀነ “ህቦቡላ” ንዅሉ ኣሰር እዛ እክይቲ ዓለም ጸራሪጉ ከየጥፍኦ ከሎ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ክንነግር ተዋሂቡና ዘሎ መዝነት: ምስዚ ዝመሳሰል ኢዩ። (ምሳ. 10:25) ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ! እቲ መጠንቀቕታ ክንገር ኣለዎ። ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ክንከውን ኣሎና።—ቲቶ. 2:11-14
2 ንዓሰርተታት ዓመታት: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ኣብ ኣገልግሎት ፍሉይ ቅንኢ ከርእዩ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ጽድያ 1939 እታ ሽዑ ኢንፎርማንት: (እንግሊዝኛ) ሕጂ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትበሃል ጽሕፍቲ እዚ ዝስዕብ ምትብባዕ ሃበት:- “ጽድያ ይኣቱ ስለ ዘሎን ምቹእ ኵነታት ኣየር ስለ ዝህሉን: እቶም [ናይ ጉባኤ] ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፍዎ ሰዓታት ዕጽፊ ከም ዝኸውን ክገብሩ: ከምኡውን ፓይነራት ዘሕልፍዎ ግዜ ብዙሕ ወሰኽ ክገብር ክንጽበ ኣሎና። ወርሒ ሚያዝያ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰንበት ኣለዋ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ነፍሲ ወከፍ ቀዳምን ሰንበትን . . . ፍሉይ ምስክርነት እትህቡሉ ግዜ ግበርዎ።” እዚ ቅድሚ 60 ዓመታት ንኣሕዋትና እተዳለወሎም በዳሂ ሸቶ ኢዩ ነይሩ! ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ልክዕ ከም 1939: ወርሒ ሚያዝያ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰንበት ኣለዋ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ እንታይ መደብ ገይርካ፧ ኣብታ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕካ ዘላ ሚያዝያ 2000 እንታይ ምልክታት ገይርካ፧ ኣብዛ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ወሰኽ ዝግበረላ ፍልይቲ ወርሒ እዚኣ ምስ ህዝቢ የሆዋ ኴንካ ኣብ ሰናይ ግብሪ ትርጕም ዘለዎ ግደ ንኽህልወካ መደብ ግበር።
3 ክንፍጽሞ ተስፋ ገይርናሉ ዘሎና ነገር:- ካብ ዓመት 2000 እታ ዝያዳ ዅሉ እተገድስ መዓልቲ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኢያ እትውዕል። ኣብ 19 ሚያዝያ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክበዓል ኢዩ። ናብዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ብእተኻእለና መጠን ብዙሓት ሰባት ንምዕዳም ፍሉይ ጻዕሪ ንግበር። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተገልጸ: ኣስማት ናይቶም ናብ በዓል ዝኽሪ ክመጹ ይኽእሉ ኢዮም እትብሎም መዝግብ: ዋላ ሓደ ኸኣ ኣይትረስዕ። እቲ ዕድመ ንዅሎም ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ተመላሊስካ ምብጻሕ: እቶም ቀደም ጽንዓት ዝገበሩ: መሳርሕቲ: መማህርቲ: ጐረባብቲ: ኣዝማድ: ከምኡውን ካልኦት እትፈልጦም ሰባት ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ። እቶም ክመጹ ዝደልዩ ሰባት መጓዓዝያ ኣለዎምዶ፧ እንተድኣ ዘይብሎም ኰይኑ ብፍቕራዊ መገዲ ክትሕግዞም ትኽእልዶ ኢኻ፧ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረላ ምሸት: ኵላትና ነዞም ዕዱማት ሓንጐፋይ ኢልና ናይ ምቕባል መሰል ክህልወና ኢዩ። ድሕሪ በዓል ዝኽሪ ነዞም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ተወሳኺ መንፈሳዊ ሓገዝ ክንህቦም ንኽእል ኢና።
4 ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ዀነ ብድሕሪኡ: ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ምዃንና ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ዅሉ ከም እነማስወሉ እነርእየሉ ጽቡቕ መገዲ ኢዩ። መብዛሕትና ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ጻዕርና ክንውስኽ ንኽእል ኢና። ሓጋዚ ፓይነር እንተድኣ ዄንካ ኣብ ኣገልግሎት 50 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰዓታት ንምሕላፍ ዝከኣለካ ክትገብር ትደሊ ኢኻ። (ማቴ. 5:37) ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይታ ወርሒ ዘውጻእካዮ መደብ ሰዓብ። (መክ. 3:1፣ 1 ቈረ. 14:40) እቶም ነዚ ክንገብር ዘይከኣልና ዘበልና ንዅሎም ፓይነራት ብምትብባዕን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስኣቶም ብምዕያይን ብእተኻእለና መጠን ንሓግዞም። (ምስ 2 ነገስት 10:15, 16 ኣረኣእዮ።) ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብቕንኢ እንተድኣ ዘሪእና: ካብ የሆዋ ዓቢ ሓጐስን በረኸትን ክንጽበ ንኽእል ኢና። (ሚል. 3:10) ምናልባት እዚ ከየቋረጽና ሓጋዚ ፓይነር ወይ ስርዓታዊ ፓይነር ናብ ምዃን የሰጋግረና ይኸውን። እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እነርእዮ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ: ኣብተን ስዒበን ዘለዋ ኣዋርሕ እውን ስርዓታውያን ኣስፋሕቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ንቐጽሎ።
5 ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ የሆዋ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዝያዳ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘጀምሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንስኻኸ: ጽንዓት ከተጀምር ትደሊዶ ኢኻ፧ ብፍላይ ጽንዓት ንኽትረክብ ጸሊ: ምስቲ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ድማ ዕየ። ንሓደ ቅኑዕ ዝልቡ ሰብ ረኺብካ ንኽትምህር ዘቕረብካዮ ትሕትና ዝመልኦ ልመና የሆዋ ከም ዝሕጐሰሉ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ዮሃ. 3:22
6 ዝርርብ ንምጅማር ኣስላጢ ዝዀነ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እተፈተነ ኣቀራርባ እንሆ:- “ኵሉ እዚ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝግበር ዓመጽ ውጽኢት ናይ ኣጋንንታዊ ንጥፈታት ድዩ: ወይስ ወለዲ ንደቆም ስለ ዘይምህሩ ኢዩ፣ እንታይ ይመስለካ፧” ኢልካ ብምሕታት ጀምር። መልሲ ተጸበ። እቲ ውልቀ-ሰብ ውጽኢት ናይ “ኣጋንንታዊ ንጥፈታት” ኢዩ ዝብል መልሲ እንተድኣ ሂቡ ራእይ 12:9, 12 ኣንብበሉ: ነቲ ሰይጣን ኣብ ዓለም ዘምጽኦ ህውከት ድማ ኣጕልሕ። ድሕርዚ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 4 ገንጺልካ ሰይጣን ካበይ ኰን ኢዩ መጺኡ ኢሉ ሓሲቡ ዝፈልጥ እንተድኣ ዀይኑ ሕተቶ። ድሕርዚ: ነተን ናይ መጀመርታ ክልተ ቍጽርታት ኣንብበሉ። እቲ ውልቀ-ሰብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓመጽ ዝበዝሓሉ ምኽንያት “ወለዲ ንደቆም ስለ ዘይምህሩ” ኢዩ እንተድኣ ኢሉ: 2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ኣንብበሉ እሞ ነዚ ጸገም እዚ ብርኡይ ኣበርክቶ ዝገብር ባህርያት ሓብሮ። ድሕርዚ: ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 8 ገንጺልካ ቍጽሪ 5 ኣንብበሉ: ምይይጥ ከኣ ቐጽል። ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ቈጸራ ክትሕዝ እንተድኣ ኽኢልካ: ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረሉ መገዲ ትጸርግ ትህሉ ትኸውን። ኣብ ዝቕጽል ክትበጽሖ ከሎኻ: ነቲ ዝማሃሮ ዘሎ ነገራት ክሰምዕ ዝደሊ ካልእ ሰብ ዝፈልጥ እንተ ዀይኑ ሕተቶ።
7 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ‘ንሰናይ ግብሪ ቅንኢ’ እተርእየሉ ካልእ መገዲ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ስብከት ብምክፋል ኢዩ። ኣብ መናፈሻ ወይ ኣብ ከባቢ ናይ ማካይን ደው መበሊ ብዛዕባ ምምስካር ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ናይ ኣውቶቡስ ደው መበልን ኣብ መደበር ባቡርንከ፧ ወይ ድማ ብቴለፎን: ኣብ መገዲ: ወይ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ምስክርነት ምሃብ ክትፍትኖዶ ምደለኻ፧ ነዚ ሓሳባት እዚ: ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንምንታይ ኣብ ግብሪ ዘይተውዕሎ፧ የሆዋ እቲ ዘድልየካ ድፍረት ከተጥሪ ክሕግዘካ ኢዩ። (ግብ. 4:31፣ 1 ተሰ. 2:2ለ) ምናልባት ምስ ሓደ ፓይነር ወይ ምስ ሓደ ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ንምዕያይ ቈጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
8 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዝያዳ ክገብር ዝብህግ ኣስፋሒ ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክካፈል ይደሊ ኢዩ። እቲ ዘድሊ ምስ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምዉቕ ዕላል ምጅማር ጥራይ ኢዩ። ዕላልካ ምስቲ ሰብ ብሓባር ኣብ ዘገድሰኩም ኣርእስቲ ከም ዝኸውን ግበሮ። ምናልባት እውን እቲ ኣብ ቍጽሪ 6 ዘሎ ኣቀራርባ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ሒደት ግዜ እውን ትኹን ብግቡእ ተጠቐመላ: እንተ ዘይኰይኑ ክትባኽን ኢያ። ሓንቲ ቅርሺ ስለ ዘይመልአት ኢልና ሓሙሽተ ሳንቲም ኣይንጕሕፍን ኢና። ሓሙሽተ ደቒቕ: ዓሰርተ ደቒቕ: ወይ ርብዒ ሰዓት ይኹን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ስለምንታይ ብግቡእ ዘይትጥቀመሉ፧
9 ብግብሪ እተርእየሉ ግዜ:- ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝነበረ ድራማ እተገልጸ ዘተሓሳስብ ነጥብታት ምልስ ኢልካ ኣስተንትነሉ። እቲ ንመንፈሳዊ ውርሻና ሞሳ ምርኣይ ዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ድራማ ነቲ ኣብ መንጎ ያእቆብን ኤሳውን ዝነበረ ፍልልይ ተጠንቂቕና ከም እንሓስበሉ ገይሩና ኢዩ። ኤሳው ልክዕ ከም ያእቆብ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ከም ዘለዎ ተዛረበ: እንተዀነ ግን ብግብሪ ኣየርኣየን። (ዘፍ. 25:29-34) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓያል መጠንቀቕታ ኰን ኢዩ! ልክዕ ከም ያእቆብ በረኸት የሆዋ ንምርካብ ንጽዓር: ዋላ እውን ንቃለስ። (ዘፍ. 32:24-29) ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ኣዋርሕን ነቲ ዘደንቕ መንፈሳዊ ውርሻና ዕሽሽ ብዘይምባል: ቅንእና ንምሕዳስ ስለምንታይ ዘይንጥቀመሉ፧
10 “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።” (ጸፎ. 1:14) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንገር ኣለዎ። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ! ኵላትና ህዝቢ የሆዋ ሓቢርና ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ምዃንና እናኣርኣና ነዛ ወርሒ እዚኣ በረኸት ዘለዋ ንግበራ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
ናይዚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ረቡዕ 19 ሚያዝያ ኢዩ ዝውዕል። ሽማግለታት ነዚ ዝስዕብ ቈላሕታ ክገብርሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ግዜ ክውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክዘውር ኣለዎ።
◼ ንዅሎም: እቲ ተዛራቢ እውን ሓዊስካ: ናይቲ በዓል ልክዕ ግዜን ቦታን ክንገሮም ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ክድለ ከምኡውን ክቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ርአ።
◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ናይ ጣውላ ጨርቂ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣደራሽ ክመጽእን ኣብ ቦትኡ ክኸውንን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ናይ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ክጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዘዝሩን ክምረጹ ከምኡውን ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ሓላፍነቶምን ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓን መምርሒ ክዋሃቦም ኣለዎ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ዝዀኑ ዝደኸሙን ክመጹ ዘይክእሉን እቲ ቕጫን ወይንን ንምቕራብ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ።
◼ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ በይና በዓል ዝኽሪ እንተ ኣኽበረት ይምረጽ። ኣብ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ክግበር ተመዲቡ እንተድኣ ኣልዩ: ኣብቲ ኣፍደገ ወይ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ዘየድሊ ምጽቕቓጥ ምእንቲ ከይህሉ ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ክግበር ኣለዎ።