ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/00 ገጽ 8
  • ነቲ ቕዱስ ቃል ጽን ኢልኩም ስምዑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ቕዱስ ቃል ጽን ኢልኩም ስምዑ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ስማዕ ፍልጠትውን ወስኽ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ስማዕን ተምሃርን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ብመንፈስ እንምገበሉን እንሕጐሰሉን ኣጋጣሚ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 8/00 ገጽ 8

ነቲ ቕዱስ ቃል ጽን ኢልኩም ስምዑ

1 ንዅሉ እቲ ሰብ ዝዛረቦ ፍሉይ ኣቓልቦ ምግባር ኣድላዪ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ግን: ጽን ኢልና ንኽንሰምዖ ዘገድደና ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎ። (ዘዳ. 28:⁠1, 2) ብመንፈስ እተደረኹ ጸሓፍቲ ንረብሓና ኢሎም ነቲ ቕዱስ “ቃል ኣምላኽ” መዝጊቦምልና ምህላዎም ዝምስገን ኢዩ። (ሮሜ 3:⁠2) እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣውራጃዊ ኣኼባ እዚ ቃል እዚ ክንበብን ክዝረበሉን ከሎ ንምስማዕ ብሉጽ ኣጋጣሚ ክኸፍተልና ኢዩ። ኣብዚ ብፍላይ ጽን በሃልቲ ክትኰኑ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

2 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣቐዲምኩም ኪዱ:- እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ምእንቲ ክሰምዑ ኣብ ከረን ሲና ምስ የሆዋ ክራኸቡ ምስ ተነግሮም እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምትዎ! (ዘጸ. 19:⁠10, 11, 16-19) ካብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ መምርሒታት የሆዋ ብዛዕባ ምቕባል ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እንተ ኣልይኩም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣቐዲምኩም ንምኻድ ምድላዋት ክትገብሩ ኢኹም። ደንጒና እንተ መጺእናን ኮፍ መበሊ ኣብ ምድላይ ንኻልኦት እንተ​ድኣ ረቢሽናን ንብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ጽን ኢልና ክንሰምዖ ኣይንኽእልን ኢና። ማዕጾ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ. ክኽፈት ኢዩ: እቲ ፕሮግራም ድማ 9:30 ቅ.ቐ. ክጅምር ኢዩ።

3 ገለ ቀልጢፎም ዝመጹ እውን ከይተረፉ እቲ ፕሮግራም ክጅምር ከሎ ኣብ ኮፍ መበሊኦም ኣይጸንሑን ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ኣቦ መንበር ነታ ናይ መኽፈቲ መዝሙር ክሳዕ ዘፋልጥ ምስ ፈተውቶም ከዕልሉ ይጸንሑ እሞ ብድሕሪኡ ናብ ኮፍ መበሊኦም ክኸዱ ይጅምሩ። ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ⁠-​ግዜ ዝህሉ መኽፈቲ መዝሙር ገለ ደቓይቕ ኣቐዲሙ እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መድረኽ ኮፍ ከም ዝብልን ናይታ መንግስቲ ሙዚቃ ከም ዝውላዕን ከነስተውዕል ኣሎና። እዚ ኮፍ ክንብል ከም ዘሎና ምልክት ክዀነና ኣለዎ! ድሕርዚ: መኽፈቲ መዝሙር ክጅምር ከሎ: ሓቢርና ንየሆዋ ብመዝሙር ንምውዳስ ተዳሊና ንጸንሕ።

4 ከም ስድራ​ቤት መጠን ሓቢርኩም ጽን ኢልኩም ስምዑ:- እስራኤላውያን ቅዱስ ቃል ክንበበሎም ከሎ ስድራ​ቤታት: ‘ቈልዑተን’ እውን ሓዊስካ: ጽን ኢለን ክሰምዓን ክማሃራን ነበረን። (ዘዳ. 31:⁠12) ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ቈልዑ ‘ስዲ ክኸዱ’ የብሎምን። (ምሳ. 29:⁠15) ወለዲ: ብምሉኦም ኣባላት ስድራ​ቤትኩም: ኰተቴታት እውን ከይተረፉ: ብሓባር ኮፍ ንምባል ዘድሊ ምድላዋት ግበሩ። ገለ ወለዲ ንደቆም ናብ ዓይኒ ምድሪ ንኽወስድዎም እቲ ናይ መኽፈቲ መዝሙር ክሳዕ ዝጅምር ይጽበዩ። እንተ​ዀነ ግን: እዚ ነቶም ቈልዑ መዝሙርን ጸሎትን ኣገዳሲ ክፍሊ ኣምልኾና ከም ዝዀነ ኣይምህሮምን ኢዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብእተኻእለ መጠን ቅድሚ እቲ ፕሮግራም ምጅማሩ ወዳዲእካ ምጽናሕስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝሓሸ ኢዩ!

5 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ብግቡእ እንተ ደቂስናን ከቢድ መግቢ እንተ ዘይበሊዕናን ጽን ኢልና ንኽንሰምዕ ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ኣብ ዝብሎ ኣተኵር። ኣእምሮኻ ንኸይኵብልል ከልክሎ። ጥቕስታት ክንበብ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተኸታተል። ሓጺር መዘኻኸሪታት ጸሓፍ። ነፍሲ ወከፍ ዝርርብ ክወሃብ ከሎ: ኣብ ኣእምሮኻ እቲ ተዛራባይ ንዝብሎ ዘሎ ተመራመረሉ: ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ ድማ ሕሰብ። ምሸት ምስ ኣባላት ስድራ​ቤትካ ብሓባር ኴንካ ተመያየጠሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ​ቤት ኣየናይ ሓሳባት ኢዩ ዝያዳ መሲጥዎ፧ ስድራ​ቤትካ ነዚ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

6 ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ኣርእዩ:- ዓበይቲ ኣኼባታት ምስ ፈተውትና ንምዕላልን ሃናጺ ሕውነት ንምስትምቓርን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። ኣቐዲምና እንተ መጺእና: ቅድሚ እቲ ፕሮግራም ምጅማሩ ንኸነዕልል ግዜ ይህልወና ኢዩ። ገሊኣቶም ግን ኣብ ዓቢ መአከቢ ቦታ ብዙሕ ዘይርብሹ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ኣብ መንጎ እቲ ፕሮግራም የዕልሉ ኢዮም። ኣብ ዓበይቲ መአከቢ ቦታታት እውን ከይተረፈ ልክዕ ከም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባ ጽን ኢልና እንሰምዓሉ ግዜ ኢዩ።

7 ሙሴ ነቲ ሕጊ ካብ የሆዋ ክቕበል ከሎ ‘እንጌራ ኣይበልዐን ማይ ከኣ ኣይሰተየን።’ (ዘጸ. 34:⁠28) ብተመሳሳሊ: ኣብ መንጎ እቲ ፕሮግራም ምብላዕ ወይ ምስታይ እውን ግቡእ ኣይኰነን። ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም እንተ ዘይብልካ: እቲ ንምብላዕ እተመደበ ‘ግዜ’ ክሳዕ ዝኣክል ተጸበ።​—⁠መክ. 3:⁠1

8 ኣብ ገሊኡ ዓበይቲ ኣኼባታት ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን: አረ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ኣብ መንጎ እቲ ፕሮግራም ኣብቲ መተሓላለፊ መገዲ ዘወን ስለ ዝብሉ ጸገም ይፈጥሩ ኢዮም። ኣአንገድቲ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ናብ ኮፍ መበሊኦም ክምለሱ ንኽሓትዎም መምርሒ ክዋሃቦም ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዝዓዩ ወለንተኛታት ዕዮኦም ምስ ወድኡ ኣብ ቦትኦም ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። ወለንተኛታት ኣብ መንጎ እቲ ፕሮግራም ኣድላዪ ዕዮ ክዓዩ እንተ ዘይተመዚዞም: ኮፍ ኢሎም ነቲ ፕሮግራም ክከታተሉ ኣለዎም። እቲ ፕሮግራም እናተኻየደ ከሎ ሓደ ነቲ ሓደ እናተበጻጽሑ ኣብቲ ክዓዩ እተመደቡሉ ክፍልታት ዕንይንይ ክብሉ የብሎምን።

9 ቃል ኣምላኽ ክንገረና ኸሎ “ንምስማዕ ድንዙዛት” ክንከውን ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። (እብ. 5:⁠11) እምበኣር: እቲ ካብ የሆዋ እተዋህበና ቅዱስ ቃል ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክግለጽ ከሎ ጽን ኢልና ብምስማዕ ግቡእ ኣኽብሮት ንምርኣይ ንቝረጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ