ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/01 ገጽ 4-7
  • ‘ስማዕ ፍልጠትውን ወስኽ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ስማዕ ፍልጠትውን ወስኽ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ቕዱስ ቃል ጽን ኢልኩም ስምዑ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ስማዕን ተምሃርን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 8/01 ገጽ 4-7

‘ስማዕ ፍልጠትውን ወስኽ’

1 ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ: ጥበብ “ክቡር ነገር ክዛረብ እየ: ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ: ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ: ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ: ስምዑ። ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ . . . መገደይ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም እሞ: ስምዑኒ። እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ: ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል” ኢላ ትጽውዕ ከም ዘላ ዀይና ተገሊጻ ኣላ። (ምሳ.  8:⁠6, 14, 32, 35) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቲ “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንዝጽበየና ዘሎ ትምህርቲ ጽቡቕ ገይረን ዘብርሃ ኢየን።

2 ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ዘድሊ ነገር እንታይ ምዃኑ ስለ እተፈልጠ: ንዕኡ ተባሂሉ ናይ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም ተዳልዩልና ኣሎ። እቲ ዝወሃብ መንፈሳዊ ትምህርትን ተግባራዊ ርእይቶታትን ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልናዮ ሕጕሳት ንኽንከውንን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወናን ኣብ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንቅጽልን ክሕግዘና ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር ‘ንኽንሰምዕን ፍልጠት ንኽንውስኽን’ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።​—⁠ምሳ. 1:⁠5

3 እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ:- ካብቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: እቲ ፕሮግራም ክጅምር ከሎ ኣብ በቦታና ኮፍ ኢልና ክንጸንሕን ንምስማዕ ድሉዋት ክንከውንን ይግባእ። እዚ ድማ ጽቡቕ መደብ ምውጻእ ይሓትት። እቲ ቐንዲ መፍትሕ ኣቐዲምካ ምድላው ኢዩ። ኣብ ድሮ እታ መዓልቲ ብእዋኑ ደቅስ። እቶም ምሳኻ ሓቢሮም ዝኸዱ ክቀራረቡን ክምገቡን ግዜ ምእንቲ ኽረኽቡ ኣንጊህኩም ተስኡ። ኮፍ መበሊ ምእንቲ ኽትረክብን እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ ኣድላዪ ምድላዋት ምእንቲ ኽትገብርን ኣብ ቦታኻ ኣቐዲምካ ተረኸብ። ማዕጾ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ. ክኽፈት ኢዩ: እቲ ፕሮግራም ድማ 9:30 ቅ.ቐ. ክጅምር ኢዩ።

4 እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይ ምእካብና “ኣብ ማሕበራት” ንየሆዋ ንምውዳስ ስለ ዝዀነ: እቲ ኣኼባ ዝጅምረሉ ሃዋሁ ንየሆዋ ውዳሴ ከምጽኣሉ ብዝኽእል ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ። (መዝ. 26:⁠12) ስለዚ እምበኣር ናይ መኽፈቲ መዝሙር ቅድሚ ምንጋሩ ዅሉ ኣብ በቦትኡ ኮፍ ክብል ኢና እነተባብዖ። እዚ ድማ ምስቲ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ቈረ. 14:​40) እዚ ንነፍሲ ወከፍና ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ ናይ መኽፈቲ ሙዚቃ ጀሚሩ እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መድረኽ ኮፍ ኢሉ እንተድኣ ርኢኻዮ ቀልጢፍካ ናብ ቦታኻ ኺድ። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ዝዝመር መዝሙር ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ዓው ኢልካ ንኽትውድሶ ከኽእለካ ኢዩ።​—⁠መዝ. 149:⁠1

5 ኣብ እዋን እቲ ፕሮግራም:- እዝራ “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን . . . ልቡ ኣዳለወ።” (እዝ. 7:⁠10) ነቲ የሆዋ ዝህበና መምርሒ ንኽንቅበል ብኸመይ ኢና ልብና ከነዳልዎ እንኽእል፧ ኣብቲ ናይ ፕሮግራም ወረቐት ተዘርዚሩ ዘሎ ኣርእስቲ ናይቲ እተፈላለየ ኽፍልታት ክትርኢ ኸሎኻ ንገዛእ ርእስኻ ‘የሆዋ በዚ ፕሮግራም እዚ ገይሩ እንታይ ኢዩ ዝነግረኒ ዘሎ፧ ነዚ ሓበሬታ እዚ ንገዛእ ርእሰይን ንስድራ​ቤተይን ንምርባሕ ብኸመይ ኢየ ኽጥቀመሉ ዝኽእል፧’ ኢልካ ሕተት። (ኢሳ. 30:⁠21፣ ኤፌ. 5:⁠17) ኣብ ብምሉኡ እቲ ዓቢ ኣኼባ እዚ ሕቶታት እዚ ምሕታት ኣይተቋርጽ። ነቲ ኽትጥቀመሉ እትደሊ ነጥብታት ጽሓፎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ ምሸት ምሸት ግዜ መዲብካ ተመያየጠሉ። እዚ ድማ ነቲ ትምህርቲ ኽትዝክሮን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ዝሕግዘካ ኢዩ።

6 ኮፍ ኢልካ ንነዊሕ ሰዓታት ብኣቓልቦ ምስማዕ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ምስጋል ልምዲ ንኸነጥፍእ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ዓይኒ ዘለዋ ሓይሊ ተጠቐመሉ። ብዓብይኡ ኣቓልቦና ዝወስዶ እቲ ዓይንና እተተኵረሉ ነገር ኢዩ። (ማቴ. 6:⁠22) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝስማዕ ድምጺ ወይ ዝግበር ምንቅስቓስ ንምርኣይ ግልጽ ኣይትበል። ኣዒንትኻ ኣብቲ ተዛራባይ ከም ዝጥምታ ግበረን። ጥቕሲ ኽንበብ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተኸታተል: እቲ ጥቕሲ መብርሂ ኽወሃቦ ኸሎ እውን መጽሓፍ ቅዱስካ ኣይትዕጸፎ።

7 ክርስትያናዊት ፍቕሪ እቲ ፕሮግራም እናተኻየደ ኸሎ ንኻልኦት ዝርብሽ ነገራት ከይንገብር ትድርኸና ኢያ። (1 ቈረ. 13:⁠5) እቲ ፕሮግራም ‘ስቕ እንብለሉን’ እንሰምዓሉን ግዜ ኢዩ። (መክ. 3:⁠7) ስለዚ ዘየድሊ ዘረባን ንየው ነጀው ምባልን ኣርሕቕ። ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ብዙሕ ሳዕ ናብ ዓይኒ ምድሪ ንኸይትመላለስ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘይብልካ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ንምሳሕ እተመደበ ሰዓት ቅድሚ ምእኻሉ ኣይትብላዕ ወይ ኣይትስተ። እቶም ተንቀሳቓሲ ስልኪ: መቕድሒ ቪድዮ: ካሜራ ሒዞም ዝመጹ ኣቓልቦ ኻልኦት ክሰርቕ ብዘይ​ክእል መገዲ ኽጥቀምሉ ኣለዎም። ወለዲ: ንውሉዳቶም ብግቡእ ምእንቲ ኽቈጻጸርዎም ብምሉኦም ኣባላት ስድራ​ቤቶም: ኰተቴታት እውን ከይተረፉ: ብሓባር ኮፍ ንምባል ዘድሊ ምድላዋት ክገብሩ ኣለዎም።​—⁠ምሳ. 29:⁠15

8 ሓደ ንዓሰርተታት ዓመታት ዓቢ ኣኼባ እተኻፈለ ሽማግለ ዝሓለፈ ዓመት ከምዚ በለ:- “እዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ ካልእ ምኽንያት ኣሎ። እቶም ተኣከብቲ ዳርጋ ነፍሲ ወከፎም ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ መዘኻኸሪ ይጽሕፉ ነይሮም ኢዮም። ከምዚ ኽገብሩ ክትርእዮም ከሎኻ ባህ ዘብል ኢዩ። ተዛረብቲ ገለ ኽፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቕሱ ኸለዉ ሰማዕቲ ብግቡእ ይከታተልዎም ነይሮም።” ከምዚ ዝኣመሰለ ብኣቓልቦ ዝግበር ምስማዕ ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ። እዚ ንዓናን ንብጾትናን ረብሓታት የምጽኣልና ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ነቲ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዘምጽኣሉ ኢዩ።​—⁠ኢሳ. 30:⁠20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ