ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/03 ገጽ 5
  • ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ዓብዪ ማሕበር ንየሆዋ ኣመስግኖ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ብመንፈስ እንምገበሉን እንሕጐሰሉን ኣጋጣሚ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • “ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ናይ 1998 ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 8/03 ገጽ 5

ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ

1. እዚ ብሕጂ እንወስዶ ኣውራጃዊ ኣኼባ እንታይ ዝብል ኣርእስቲ ኣለዎ: የሆዋ ውዳሰና ዝግብኦኸ ስለምንታይ እዩ፧

1 የሆዋ ኵሉ ዝኽእል ሓይሊ: ዘይምርመር ጥበብ: ከምኡውን ፍጹም ፍትሒ ዘለዎ ክኸውን ከሎ: ኣብ ርእሲ እዚውን ፍቕሪ እዩ። ፈጣሪ: ወሃብ ህይወት: ከምኡውን ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ኸም ምዃኑ መጠን ንዕኡ ጥራይ እዩ ኣምልኾ ዝግባእ። (መዝ. 36:9፣ ራእ. 4:11፣ 15:3, 4) ኣብቲ ብሕጂ እንወስዶ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ንኽንውድሶ ዘሎና ኣቕዋም ከደልድሎ እዩ።​—⁠መዝ. 86:8-10

2, 3. ጽቡቕ መደብ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀም ዝሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

2 ጽቡቕ መደብ ምግባር ኣድላዪ እዩ:- ካብቲ የሆዋ ዘዳለወልና መንፈሳዊ ድግስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ጽቡቕ መደብ ክንገብር የድልየና። (ኤፌ. 5:15, 16) ኣበይ ከም እትሓድርን ብምንታይ ከም እትጐዓዝን ምድላዋት ጌርካዶ፧ ካብ ስራሕ ወይ ካብ ትምህርቲ ፍቓድ ወሲድካዶ፧ ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ኣይኰንካን ክትገብሮ ዝግባእ። ፍቓድ ንምሕታት እንተ ደንጒኻ: እተወሰነ ኽፋል ናይዚ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኸምልጠካ ይኽእል እዩ። ኵላትና ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብቲ ኣኼባ ኽንርከብ ኣሎና።

3 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ኣቐዲምካ ንምብጻሕ ሸቶ ግበር። እዚ ኸኣ ቅድሚ መኽፈቲ መዝሙር ኮፍ መበሊኻ ንኽትሕዝን ነቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ንምቕባል ኣእምሮኻ ንኸተዳልዎን የኽእለካ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ማዕጾ ናይቲ መአከቢ ቦታ ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ. ክኽፈት እዩ። ነቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ​ቤትካ ወይ ነቶም ምሳኻ ሓቢሮም ዝኸዱ እንተ ዘይኰይኑ: ንኻልኦት ኮፍ መበሊ ኣይትሓዝ።

4. ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኵላትና ምሳሕና ሒዝና ኽንመጽእ እተነግረና ስለምንታይ እዩ፧

4 ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ምስሖም ንኽበልዑ ናብ ካልእ ቦታ ኣብ ክንዲ ዝኸዱ: ምሳሕ ሒዞም ክመጹ እዮም ዝተባብዑ። ምስዚ ምድላው እዚ ምትሕብባርካ ሰላማዊ ሃዋሁ ንኽሰፍን ኣበርክቶ ይገብር: ምስ ኣመንቲ ብጾትካ ንኽትቀራረብ ድማ ዝያዳ ኣጋጣሚ ይኸፍት። (መዝ. 133:1-3) ጥርሙዝን ኣልኮላዊ መስተን ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ኽኣቱ ኸም ዘይፍቀድ ኣይትረስዕ።

5. ንልብና ነቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኸነዳልዎ እንጅምር ብኸመይ ኢና፧

5 ስማዕን ተምሃርን:- እዝራ ቓል ኣምላኽ ንምቕባል ብጸሎት ልቡ ኣዳለወ። (እዝ. 7:10) ልቡ ናብ ትምህርትታት የሆዋ ኣድነነ። (ምሳ. 2:2) ንሕናውን ካብ ቤትና ቕድሚ ምንቃልና ኣትሒዝና ብዛዕባ እቲ ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣርእስቲ ብምስትንታንን ምስ ኣባላት ስድራ​ቤትና ብምምይያጥን ንልብና ኸነዳልዎ ንኽእል ኢና።

6. ነቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ብኣትኵሮ ንኽንከታተል ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧ (ሳጹን ርአ።)

6 ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ነቓልቦና ኽወስድ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት እዩ ዘሎ። እዚ ነገራት እዚ ኻብቲ ተዛራባይ ከም እነስግል ክገብረና ይኽእል እዩ። ምስ እነስግል ከኣ ጠቓሚ ትምህርቲ እዩ ዘምልጠና። ኣብዛ ሳጹን እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ብኣትኵሮ ንኽንከታተል ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

7, 8. ንኻልኦት ከም እንሓሊ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ንኻልኦት ሓልዮት ኣርኢ:- ኣብ መንጎ ኣኼባ ካሜራ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ኣቓልቦ ኻልኦት ምእንቲ ኸይትሰርቕ ኣብ ኮፍ መበሊኻ ዄንካ ተጠቐመሉ። ሞባይል እውን ክርብሽ ስለ ዝኽእል ከነጥፍኦ ይግባእ። ናይ ብሕትና መሳርሒ ምስቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝርከብ ናይ ኤለክትሪክ ወይ ናይ ድምጺ ገመዳት ከነተሓሕዞ የብልናን።

8 ነዚ ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሃንቀውታ እንጽበዮ! ሃየ እምበኣር ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብኡ ብምእካብ: ጽን ኢልና ብምስማዕ: ከምኡውን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንየሆዋ ንኽንውድሶ ቈራጽነት ንግበር።​—⁠ዘዳ. 31:12

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ጽን ኢልካ ንኽትሰምዕ

▪ ነቲ ናይቲ ዝርርባት ኣርእስቲ ኣዕሚቝካ ሕሰበሉ

▪ ጥቕስታት ገንጺልካ ተኸታተል

▪ ሓጺር መዘኻኸሪ ጽሓፍ

▪ ክትዓየሉ ዘሎካ ነጥብታት ንበይኑ መዝግብ

▪ ነቲ እተመሃርካዮ ድገሞ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ