“ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ”
1. ስም የሆዋ ልዕል ንምባል እንታይ ኣጋጣሚ ኢና ኽንረክብ: ክንገብሮ ዘሎና ምድላዋትከ እንታይ እዩ፧
1 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 34:3) እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባና: ካብ እተፈላለያ ጉባኤታት ምስ ዚመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ንስም የሆዋ ልዕል ከነብሎ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ። ንመዕረፊኻን ንመጓዓዝያኻን ካብ ዓለማዊ ስራሕካ ድማ ዕረፍቲ ንምርካብን ምድላዋት ጌርካዶ፧ ኣቐዲምና ነዚ ምግባርና ጥበብ እዩ።—ምሳ. 21:5
2. ስለምንታይ ኢና ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ኽንካፈል ዘሎና: እዚ ንምግባርከ እንታይ ይሕግዘና፧
2 ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ተኣከብ:- የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን . . . ነቲ ህዝቢ . . . አክቦም” ኢሉ ኣዚዙ ነይሩ። (ዘዳ. 31:12) በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገይሩ ድማ: ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ኣኼባ ዚኸውን ትምህርቲ ኣዳልዩልና ኣሎ። ንዓና ‘ንጥቕምና’ ኢሉ ስለ ዚምህረና ንዅሉ መምርሒታቱ ኽንሰምዕ ንደሊ ኢና። (ኢሳ. 48:17) እንተ ኽኢልካ ኣብቲ ጉባኤኻ እተመደበትሉ ቦታን ዕለትን ተኣከብ። (1 ቈረ. 14:40) ካብ ኣስራሒኻ ፍቓድ ክትሓትት እንተ ደሊኻ: ልክዕ ከም ነህምያ መጀመርያ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ነህ. 1:11፣ 2:4) ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤት እንተልዮምኻ ኸኣ ኣቐዲምካ ብዛዕባ እዚ ኣኼባ እዚ ምንጋርካ ከም እትሓልየሎም እዩ ዜርኢ።
3. ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኣቐዲምካ ምብጻሕ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
3 ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ኣቐዲምካ ምብጻሕ:- ናብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምኻድ ብዙሕ ዜድልየና ነገራት ኣሎና። ኣቐዲምና እንተ ተበጊስና ግን ኣብ መገዲ ዘይተሓስበ መደናጐዪ እንተ ኣጋጠመና እኳ: ኣብ ሰዓትና በጺሕና ብምሉእ ልብና ኣብቲ መእተዊ መዝሙርን ጸሎትን ንኽንካፈል የኽእለና። (መዝ. 69:30) ካብቲ እቲ ኣኼባ ዚጅመረሉ ቕድሚ ቕሩብ ደቓይቕ እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መድረኽ ኮፍ ይብል: ሙዚቃ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ይውላዕ። ሽዑ: እቲ ኣኼባ ብስርዓትን ክብሪ ብዝመልኦ ኣገባብን ንኺጅመር ኵላትና ኾፍ ክንብል ኣለና።—1 ቈረ. 14:33, 40
4. ኮፍ መበሊ ኽንሕዝ ከለና ንኻልኦት ከም እንሓሊ ብኸመይ ነርኢ፧
4 ቃል ኣምላኽ “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” ኢሉ ይምዕደና። (1 ቈረ. 16:14) ንኻልኦት ንሓሊ እንተደኣ ዄንና መዓጹ ሰዓት 8:00 ኪኽፈት ከሎ ዝበለጸ ኾፍ መበሊ ንምሓዝ ኣይንጐይን: ኣይንዳፋእን: ወይ ኣይንጐናነጽን ኢና። ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻ ዚነብሩን ነቶም ብማኪና ምሳኻ ዚጓዓዙን ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዚከኣል።—1 ቈረ. 13:5፣ ፊል. 2:4
5. ንናይ ምሳሕ ዕረፍቲ እንታይ ምድላው ክትገብር ኣሎካ: እዚኸ ብኸመይ ይጠቕመካ፧
5 ተኣከብቲ ኺምስሑ ናብ ካልእ ቦታ ኣብ ክንዲ ዚኸዱ: ምሳሕ ሒዞም ኪመጹ እዮም ዚተባብዑ። ከምዚ ምግባር ድማ ምስ ኣሕዋትና ንኽንተሃናነጽን ነቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም ድማ ካብ መጀመርታ ጀሚርና ንኽንካፈልን የኽእለና። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊ ኪቕመጥ ዚኽእል መትሓዚ ምግቢ ኸተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ቦታ ዜጻብብ ዓበይቲ መትሓዚ ምግብን ጠራሙዝን ኣልኮላዊ መስተን ግን ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።
6. ልብና ናብቲ ዚወሃበና ትምህርቲ ንኼድህብ ብኸመይ ነዳልዎ፧
6 መንፈሳዊ ድግስ ተዳልዩልና ኣሎ:- ንጉስ ዮሳፋጥ ‘ልቡ ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስዎ’ ነበረ። (2 ዜና. 19:3) ቅድሚ እቲ ኣኼባ ንልብና ብኸመይ ነዳልዎ፧ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 22 ግንቦት ከምኡውን 8 ሰነ ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ኣብቲ ኣኼባ ተዳልዩ ዘሎ መንፈሳዊ ድግስ መርኣያ ወጺኡ ኣሎ። ነዚ ግዜ መዲብካ ብምስትንታን ነቲ የሆዋ ኣዳልዩልና ዘሎ መንፈሳዊ ድግስ ንምንታይ ሃንቀውታ ዘይተሕድር፧ ልብና ኸነዳሉ ኺበሃል ከሎ እቲ ዚወሃበና ትምህርቲ ኺርድኣናን ኣብ ግብሪ ድማ ከነውዕሎ ንኺሕግዘናን ናብ የሆዋ ምጽላይ እውን ዜጠቓልል እዩ።—መዝ. 25:4, 5
7. ድሌትና እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧
7 ብእኡ ምድሓን ክንረክብ ከም እንኽእል ስለ እንፈልጥ: ኵላትና ኻብ ቃል ኣምላኽ ክንመሃር ንደሊ ኢና። (1 ጴጥ. 2:2) ስለዚ: ኣብቲ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባና ብምእካብ ‘ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ።’—መዝ. 34:3
ስም ኣምላኽ ልዕል ንምባል:-
◼ ኣቐዲምካ ዜድሊ ምድላዋት ግበር
◼ ንኻልኦት ፍቕርኻ ኣርኢ
◼ ልብኻ ኣዳሉ