በብግዜኡ ዚዳሎ መንፈሳዊ ምግቢ
1. ህዝቅኤል 36:29 ኣብዚ ግዜና ብኸመይ እያ ፍጻሜኣ እትረክብ ዘላ፧
1 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ “ንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ: ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ” በለ። (ህዝ. 36:29) እዘን ትንቢታዊ ቓላት እዚኣተን ኣብዞም ሕጂ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እየን ፍጻሜአን ዚረኽባ ዘለዋ። ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ: የሆዋ ንህይወት ዜድሊ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽሊ ኣብቊሉሎም እዩ። ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ እንረኽቦ እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዜነጽር።
2. የሆዋ ንኣውራጃዊ ኣኼባታት ብግዜኡ ዜድሊ መንፈሳዊ ምግቢ ንምሃብ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧
2 ብ1931 ኣብ ኮለምበስ: ኦሃዮ: ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ: የሆዋ ንኣምለኽቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ሓዲሽ ስም ንኺጥቀሙ መርሖም። (ኢሳ. 43:10-12) ብ1935 መንነት እቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 ተጠቒሶም ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ተፈልጠ። ብ1942 ኸኣ ሓው ኖር “ሰላም—ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃበ። እዚ ዝርርብ እዚ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ሓይሊ ወሰኸሉ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪኽፈት ድማ ምኽንያት ኰነ። ገለ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ዚገድፈልና እኳ እንተዀነ: ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ግን ብግዜኡ ዜዐንግል መንፈሳዊ ምግቢ ዝመልኦ እዩ።—መዝ. 23:5፣ ማቴ. 24:45
3. ካብቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባና ተዳልዩልና ዘሎ መንፈሳዊ ድግስ ንኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
3 ኣመጋግባኻ ኸመይ እዩ፧ እኹል ምግቢ እናሃለወና ብግቡእ እንተ ዘይበሊዕና: ብዋሕዲ ምግቢ ዚመጽእ ሕማም ኬጥቃዓና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 26:15) ብመንፈሳዊ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ሓያሎ ሰባት ኣብ ማእከል እቲ ኣኼባ ብዘይጠቅም ምኽንያት ምስ ካልኦት ሕሹኽሹኽ ኪብሉን ናብዝን ናብትን ድማ ኪዛወሩን ተራእዮም እዮም። ዚሃንጽ ዕላል ሓደ ኻብቲ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ኣኼባ እኳ እንተዀነ: ከምዚ ኺግበር ዘለዎ ግን እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩን ምስ ተወደአን እዩ። (መክ. 3:1, 7) ኵላትኩም ኣብቲ መእተዊ መዝሙርን ጸሎትን ብምሉእ ልብኹም ምእንቲ ኽትካፈሉ: እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ኾፍ ክትብሉ ነተባብዓኩም። ኣብዚ ዓመት እዚ ናይ ዓርብን ቀዳምን ኣኼባ ሰዓት 9:30 ቅ.ቐ. ጀሚሩ: ሰዓት 5:05 ድ.ቐ. ኺውዳእ እዩ። ናይ ሰንበት ኣኼባ ኸኣ ሰዓት 9:30 ቅ.ቐ. ጀሚሩ: ሰዓት 4:05 ድ.ቐ. ኺውዳእ እዩ። ኣብ ኮፍ መበሊና ዄንና ጽን ኢልና እንተ ዘይሰሚዕና: ኣገዳሲ ነጥቢ ኺሓልፈና ይኽእል እዩ። ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ሓላፍነት እተዋህቦምን ክፍልታት ዘለዎምን ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ሳሕቲ ኣብ መንጎ ኺዘራረቡ የድልዮም ይኸውን። ካብኡ ዝተረፈ ግን: ጽን ኢሎም ብምስማዕ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። ኵላትና ኻብቲ እተዳለወልና መንፈሳዊ ምግቢ ዋላ ሓደ እኳ ኺሓልፈና ኣይንደልን ኢና።—1 ቈረ. 10:12፣ ፊል. 2:12
4. ነቲ የሆዋ ዘዳለወልና መንፈሳዊ ድግስ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ነርእዮ፧
4 ምስቲ ዘይጠቅም ሓሶት ዝመልኦ ሰረተ-እምነታት ህዝበ-ክርስትያን ከነረኣእዮ ኸለና: እቲ የሆዋ ዝመሃረና ሓቅስ ክንደይ ኰን ባህ ዜብል እዩ! (ኢሳ. 65:13, 14) ሓደ ኻብቲ “መማሰውቲ” ምዃንና እንርእየሉ መገዲ: ንኣውራጃዊ ኣኼባ ብየሆዋ እንመሃረሉ ኣጋጣሚ ጌርና ምርኣይ እዩ። (ቈሎ. 3:15) ኣብቲ ተዛራባይ ዘይኰነስ ኣብቲ ዚዛረቦ መልእኽቲ ኣተኵር እሞ እቲ መልእኽቲ ልክዕ ካብቲ ዓብዪ “መምህርካ” ኸም ዝመጸ ጌርካ ሕሰብ። (ኢሳ. 30:20, 21 ትርጕም 1990፣ 54:13) ጽን ኢልካ ስማዕ። ካብቲ ቐንዲ ነጥብታት ሓጺር መዘኻኸሪታት ውሰድ። ካብ ኣኼባ ምስ ተመለስካ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ቅድሚ ምድቃስካ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ድገሞ። ነቲ እተማሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።
5. ካብ ኣውራጃዊ ኣኼባታትና ሓጐስ እንረኽበሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
5 ኣርማጌዶን ቅድሚ ምምጻኣ ዚግበር ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኰነ ውግእ ኣብ ዘናወጾ ቦታታት ኰነ ሰላም ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ብዘየገድስ: ኣብ ልዕሊ ሰይጣን እተረኽበ ዓወት እዩ። ምስ ኣሕዋትና ኸም ሓደ መጓሰ ብሓባር ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ምእካብና ነማስወሉ ኢና። (ህዝ. 36:38) ንመጻኢ እውን የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ ‘ቐለብና በብጊዜኡ ኺህበና’ ምዃኑ ርግጸኛታት ኢና።—ሉቃ. 12:42
ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ ምግቢ ሞሳ ንምርኣይ:-
◼ ጽን ኢልካ ስማዕ
◼ ቀንዲ ነጥብታት ጸሓፍ
◼ ቅድሚ ምድቃስካ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ድገሞ
◼ ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ