ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ!
1 መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን” ከም ዝፈቱ ኣነጺሩ ይገልጸልና። ይኹን እምበር መጻኢ ተስፋ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቢልዮናት ሰባት: ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቱን ኣብ ዘሎዎም ኣረኣእያ እተመርኰሰ ምዃኑውን ዘይከሓድ ኢዩ። ግቡእ ዝዀነ ኣረኣእያ ኣብ ‘ፍልጠት ሓቂ’ ጥራይ ኢዩ ክምስረት ዝኽእል። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ምድሪ ካብ ኵሉ እከይ ጸርያ ናብቲ ጽድቂ ዝነብረሉ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትልወጥ ምዃና እናኣወጅና ነቲ ኣድላዪ ናይ ህይወት ኣድሕን ዕዮ ከነብጽሕ ተኣዚዝና ኣሎና።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20፣ ሮሜ 10:13-15
2 ክሳዕ ክንድዚ ህጹጽ ዝዀነ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ የሱስ “መከራ [“ዓቢ ጸበባ:” NW ] ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ” ብምባል መጠንቀቕታ ሃበ። (ማቴ. 24:21) እቲ ጸበባ እቲ ኣብ ግዜ ኣርማጌዶን ክዛዘም ኢዩ። (ራእ. 16:16) ነቲ ብስራት ኣወንታዊ ምላሽ ዘይህብሉ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት: ነቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድና: ጐረባብትና: መሳርሕትና: መማህርትናን ካልኦት እንፈልጦምን ሓዊስካ ጥፍኣት ከጋጥሞም ኢዩ። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ክንዲ ዅሉ ክኸውን ኢሉ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ በጃ ብምሃብ ንናይ ደቂ ሰብ ዓለም ፍቕሩ ዘርኣየ ኣምላኽ ብምምሳል ‘ንዅሎም ሰባት’ ክንበጽሖም ኢና እንደሊ። (ዮሃ. 3:16) ኵሎም ሰባት ናብቲ ናይ ኣምላኽ ቦታ ዕቝባ ንኽሃድሙ ክንዕድሞም ብቕንኢ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ ካብ ዕዳ ደም ናጻ ክንከውን ንኽእል ኢና።—ህዝ. 33:1-7፣ 1 ቈረ. 9:16
3 ሸቶና እንታይ ኢዩ፧ ናይ ስብከት ዕዮና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ምሉእ ቃል ኣምላኽ ጐሊሑ ኣሎ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ ምስ መገድታት የሆዋ ተሰማሚዕና ንኽነብር “ፍቅሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ።” (2 ቈረ. 5:14) ብተወሳኺውን መብዛሕትኡ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ንኽንሰብኽ ግዴታ ከም ዘሎና ኢዩ ዘተኵር። ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም እንፍጽሞ ብቐጻሊ መምርሒታት የዳልወልና ኢዩ። ሽማግለታት ነቲ ዕዮ ብምምሕዳር ኣብኡ ንኽንካፈል የተባብዑና ኢዮም። ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣስፋሕቲውን ኣብ ኣገልግሎት ንኽንሓብሮም ይዕድሙና ኢዮም። ኣብ ኣቀራርባና: መጽሔትን ካልእ ጽሑፋትን ኣብ ምዕዳል: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕን ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኣብ ምምስካርን ኣቐዲምና ምድላው ከም ዘድልየና ኵሉ ግዜ ይንገረና ኢዩ። እዚ ዅሉ እተጠቕሰ ነገራት ነቲ ህይወት ንምድሓን ዝብል ሸቶና ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ዝሕግዝ ኢዩ።—1 ቈረ. 9:22, 23፣ ኤፌ. 1:13