ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/00 ገጽ 1
  • ምስባኽ ቀጽል!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስባኽ ቀጽል!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዘይምቍራጽ እንሰብኽ ስለምንታይ ኢና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ደጋጊምና ምምላስ ዘይነቋርጽ ስለምንታይ ኢና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 11/00 ገጽ 1

ምስባኽ ቀጽል!

1 ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ ዝደሊ። (1 ጢሞ. 2:⁠4) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ መዝነት ሃበና። (ማቴ. 24:⁠14) ስለምንታይ ምስባኽ ክንቅጽል ከም ዘሎና እንተ​ድኣ ተገንዚብና: ዝዀነ ይኹን ዘጋጥመና ተስፋ ምቝራጽ ወይ ኣቓልቦና ዝሰርቕ ነገር ኣይዕንቅፈናን ኢዩ።

2 ከይተሓለልና ክንቅጽል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ሰባት ነቲ እንነግሮም መልእኽቲ ከም ዝርስዕዎ ወይ ከኣ ኣፍኲሶም ከም ዝርእይዎ ዝገብሮም ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰርቕ ነገራት ኣሎ። ስለዚ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ድሕነት ብቐጻሊ ከነዘኻኽሮም ኣሎና። (ማቴ. 24:⁠38, 39) ብተወሳኺውን: ናብራ ደቅሰብ ወትሩ ይለዋወጥ ኢዩ ዘሎ። ኵነታት ዓለም እውን ከይተረፈ ብሓንሳእ ክልወጥ ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረ. 7:⁠31 NW  ) ጽባሕ: ዝቕጽል ሰሙን: ወይ ዝቕጽል ወርሒ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ነቲ እንነግሮም ብስራት ኣጸቢቖም ከም ዝሓስቡሉ ዝገብሮም እተፈልየ ጸገም ወይ ዋኒን ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። እቲ ንዓኻ ሓቂ ዝነገረካ ናይ የሆዋ ምስክር ከይተሓለለ ብምምስካሩ ኣይተማስወሉንዶ ኢኻ፧

3 ንምሕረት ኣምላኽ ምቕዳሕ:- የሆዋ ኣብ እኩያት ጥፍኣት ቅድሚ ምውራዱ ብትዕግስቲ ግዜ ፈቒዱ ኢዩ። ብኣና ኣቢሉ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብኡ ንኽምለሱን ንኽድሕኑን ጻውዒት ይገብረሎም ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:⁠9) እቲ ምሕረት ዝመልኦ መልእኽቲ ኣምላኽ ንሰባት እንተ ዘይኣዊጅናሎም ከምኡውን ነቶም ካብ ክፉእ መገዶም ዘይተመልሱ ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ እንተ ዘየጠንቂቕናዮም: ናይ ደም ገበነኛታት ክንከውን ኢና። (ህዝ. 33:⁠1-11) ስብከትና ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረክብ ኵሉ ሳዕ እኳ እንተ ዘይኰነ: እቶም ቅኑዓት ሰባት ነቲ ዓቢ ምሕረት ኣምላኽ ንኽግንዘብዎ ካብ ምሕጋዝ ፈጺምና ክንሰንፍ የብልናን።​—⁠ግብ. 20:⁠26, 27፣ ሮሜ 12:⁠11

4 ፍቕርና ምግላጽ:- እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ምድሪ ክስበኽ ዝኣዘዘ: የሆዋ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኢዩ። (ማቴ. 28:⁠19, 20) ሰባት ምስማዕ እኳ እንተ ኣበዩ: ከይተሓለልና ቅኑዕ ነገር ምግባርና ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ተወፋይነትን እነርእየሉ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ።​—⁠1 ዮሃ. 5:⁠3

5 ስብከትና ንምቕጻል ቈራጽነት ንግበር! “መዓልቲ ምድሓን” የሆዋ ከይተወድአት ከላ ብቕንኢ ከምኡ ንግበር።​—⁠2 ቈረ. 6:⁠2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ