ብዘይምቍራጽ እንሰብኽ ስለምንታይ ኢና፧
1 ኣብ ከባቢኻ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንነዊሕ እዋን ተሰቢኹ ድዩ፧ (ማቴ. 24:14) ከምኡ እንተደኣ ዀይኑ ዞባኹም ብዝግባእ እተሸፈነ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ክትሰብኽ ከሎኻ መብዛሕትኦም ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣይህልዎምን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብታ ኣይዛያስ ፕሮፌሲ 2 እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 141 ብዛዕባ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ከም እተባህለ እሞ ርአ:- “ኣብ ገሊኡ ቦታታት ምስቲ ዝዓይዎ ዕዮን ዝገብርዎ ጻዕርን ክርአ ኸሎ እቲ ዝረኽብዎ ፍረ ኣዝዩ ሒደት ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ከይተሓለሉ ኢዮም ዝዓዩ።” ስለምንታይ ግን ኢና ስብከትና ዘይነቋርጽ፧
2 ንኤርምያስ ዘክሮ:- ኣብ ዕዮ ስብከት ብተኣማንነት ምቕጻልና ኣብቲ ናይ ሰባት ምስማዕን ዘይምስማዕን ክምርኰስ የብሉን። ኤርምያስ ሒደት ሰባት ጥራይ ይሰምዕዎ: ብዙሓት ድማ ንመልእኽቱ ይጻረርዎ እኳ እንተ ነበሩ: ን40 ዓመታት ኣብ ሓደ ከባቢ ሰበኸ። ስለምንታይ ኢዩ ዘይተሓለለ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ክገብሮ ዝሓተቶ ዕዮ ኢዩ ዝገብር ነይሩ: ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ምፍላጡ ኸኣ ምዝራብ ንኸየቋርጽ ደሪኽዎ ኢዩ።—ኤር. 1:17፣ 20:9
3 ኵነታትና እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። “[እቲ] ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ [የሱስ]: ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን [ኣዚዙና ኢዩ]።” (ግብ. 10:42) እቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልእኽቲ ነቶም ዝሰምዕዎ ሰባት ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ኢዩ። ሰባት ነቲ ብስራት ብዘርእይዎ ምላሽ ክፍረዱ ኢዮም። እምበኣር ሓላፍነትና ልክዕ ከምቲ እተኣዘዝናዮ ምግባር ኢዩ። ሰባት ምስማዕ እኳ እንተ ኣበዩ: ነቲ ኽንገብሮ ዘሎና ነገር ከይተሓለልና ብምፍጻም ንዓታቶም ዘሎና ዓሚቝ ፍቕርን ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነትን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ካልእ ረብሓታት እውን ኣሎ።
4 ንሕናውን ንጥቀም ኢና ዘሎና:- ኣብ ዞባና እንረኽቦ ምላሽ ብዘየገድስ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ እንገብር ኣብ ካልእ ዘይርከብ ውሽጣዊ ሰላም: ዕግበት: ከምኡውን ሓጐስ ንረክብ ኢና። (መዝ. 40:8) ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕምን ዕላማን ይህልዎ። ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ብእተኻፈልና መጠን: ልብናን ኣእምሮናን ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ኣብ ዘሎና ተስፋን ኣብቲ እንረኽቦ ሓጐስን ኢዩ ዝያዳ ዘተኵር። ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መብጽዓታት ወትሩ ምስ እንሓስበሉ መንፈሳውነትናን ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ይድልድል።
5 ኣብ ዕዮ ስብከትና ቕልጡፍ ፍረ እኳ እንተ ዘይረኣና: ዘርኢ ሓቂ ኣብ ልቢ ሓደ ውልቀ-ሰብ ተተኺሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ የሆዋ ድማ ብግዜኡ ኸብቍሎ ኢዩ። (ዮሃ. 6:44፣ 1 ቈረ. 3:6) ኣብ ከባቢና ዀነ ኣብ መላእ ዓለም ህዝቢ የሆዋ ብዝገብርዎ ጻዕሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽመሃሩ ኢሎም ብሕጂ ኽንደይ ሰባት ከም ዝመጹ ኣይንፈልጥን ኢና።
6 ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ኽንስዕቦ ኣሎና:- “እዚ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑን ጸልዩን። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ።” (ማር. 13:33, 37) እምበኣር ኵላትና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ኣይነቋርጽ: በዚ ኸኣ ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስ ስለ እንካፈል ንልቡ ነሐጕሶ ኢና።