ንሰባት ደጋጊምና እንበጽሖም ስለምንታይ ኢና፧
1. ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧
1 ኣብ ብዙሕ ቦታታት: ንኽልና ብተደጋጋሚ ኢና እንሽፍኖ። እቲ ብዓል ቤት ከም ዘይግደስ እኳ እንተ ነገረና: ናብታ ቤት ግን ደጋጊምና ንኸይድ ኢና። ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብጽቡቕ ዘይተቐበሉና ብተደጋጋሚ እንበጽሖም ግን ስለምንታይ ኢና፧
2. ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዕና እንቕጽለሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
2 ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ:- ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዕና እንቕጽለሉ ቐንዲ ምኽንያት ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ እዩ። ልብና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣምላኽና ንኻልኦት ክንነግር ይድርኸና። (ሉቃ. 6:45) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ: ንኻልኦት ድማ ከምኡ ኺገብሩ ኽንሕግዞም የለዓዕለና። (ምሳ. 27:11፣ 1 ዮሃ. 5:3) ኣብ ዕዮ ስብከት ብተኣማንነት ምቕጻልና: ኣብቲ ሰባት ዜርእይዎ ምላሽ ኣይኰነን ዚምርኰስ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ስደት ምስ ኣጋጠሞም እውን ከይተረፈ: ነቲ ብስራት ‘ከየብኰሩ’ ምስባኽ ቀጺሎም እዮም። (ግብ. 5:42) ሰባት ምስማዕ ኪኣብዩ ኸለዉ: ኣብ ክንዲ ተስፋ እንቘርጽ: ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ተወፋይነትን እናኣርኣና ጸኒዕና ኢና እንቕጽል።
3. ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ ምስባኽ ንኽንቅጽል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
3 ካልእ ጸኒዕና እንቕጽለሉ ምኽንያት ድማ ንብጾትና ስለ እነፍቅሮም እዩ። (ሉቃ. 10:27) የሆዋ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየ ኽልታት እውን ከይተረፈ: ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ ሰባት ንረክብ ኣለና። ንኣብነት: ኣብታ ኻብ 56 ሰባት 1 ናይ የሆዋ ምስክር ዝነብረላ ደሴት ጓደሉፕ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 214 ሰባት ተጠምቁ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ድማ ዳርጋ 20,000 ዝዀኑ ሰባት ተኣኪቦም: እዚ ኸኣ ኣብታ ደሴት እቲኣ ኻብ ዝነብሩ 22 ሰባት 1 ማለት እዩ።
4. ክልታት ዚለዋወጥ በየናይ መገድታት እዩ፧
4 ኣብ ክሊ ዜጋጥም ለውጥታት:- ኣብ ክልና ዝነብሩ ሰባት ብቐጻሊ ይቀያየሩ እዮም። ንሓንቲ ኣወንታዊ ምላሽ ዘይረኸብናላ ቤት ተመሊስና ኽንበጽሓ ኸለና: ሓደ ንመልእኽትና ሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣባል እታ ስድራቤት ኪኸፍተናን ኪሰምዓናን ይኽእል እዩ። ወይውን ተገዳስነት ዘለዎም ሓደስቲ ነበርቲ ንረክብ ንኸውን። ተጻረርቲ ወለዲ ዘለዎም ውሉዳት ዓብዮም ገዛኦም ይፈልዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
5. ሰባት ነቲ መልእኽቲ ብዝያዳ ኸም ዚቕበልዎ ኺገብሮም ዚኽእል እንታይ እዩ፧
5 ሰባት እውን ይልወጡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ እዋን “ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን” እዩ ነይሩ። (1 ጢሞ. 1:13) ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ካብቶም ሎሚ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘለዉ ሰባት: ሓደ ግዜ ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ገሊኦም እሞ ኸኣ ነቲ ብስራት ዚጻረሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኵነታት ዓለም ኪቕየር ከሎ ግን: ገለ ተጻረርቲ ወይ ተገዳስነት ዘይነበሮም ሰባት ነቲ መልእኽቲ ኺሰምዑ ተደሪኾም እዮም። ካልኦት ድማ ከም ሞት ኣባል ስድራቤት: ስራሕ ምውጻእ: ቍጠባዊ ጸገም: ወይ ጥዕና ምስኣን ዝኣመሰለ ዜሐዝን ፍጻመታት ምስ ኣጋጠሞም ነቲ መልእኽቲ ብዝያዳ ይቕበልዎ ይዀኑ።
6. ብውዕዉዕ መንፈስ ምስባኽ ክንቅጽል ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
6 እዚ ኣገባብ እዚ ናብ መወዳእታ ገጹ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ: ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮና ግን ይቀላጠፍ ኣሎ። (ኢሳ. 60:22) ስለዚ: ብውዕዉዕ መንፈስ ክንሰብኽን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ ክንጽዕርን ኢና። እቲ ቐጺልና እነዛርቦ ውልቀ-ሰብ ይሰምዓና ይኸውን። ስለዚ: ከይተሓለልና ንስበኽ! ‘እዚ እንተ ጌርና: ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ከነድሕን ኢና።’—1 ጢሞ. 4:16