ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/01 ገጽ 4
  • “ዞባና ብተደጋጋሚ ተዓዩ ኢዩ!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዞባና ብተደጋጋሚ ተዓዩ ኢዩ!”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኣሎካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ካብ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 5/01 ገጽ 4

“ዞባና ብተደጋጋሚ ተዓዩ ኢዩ!”

1 ዞባኻ ብተደጋጋሚ ስለ እተዓየ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ከምዚ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን:- ‘እንታይ ምላሽ ከም ዝህቡኒ ስለ ዝፈልጥ: ነዞም ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ስለምንታይ ኢየ ብተደጋጋሚ ዝኸዶም፧’ ልክዕ ኢዩ: ዝበዝሕ ዞባታት ብተደጋጋሚ እተዓየ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ምዃኑ ብኣወንታዊ ድኣ እምበር ብኣሉታዊ ኽንርእዮ የብልናን። ስለምንታይ፧ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ኣርባዕተ ምኽንያታት እስከ ርአ።

2 ጸሎትና ምላሽ ረኺቡ:- የሱስ “እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ: ለምንዎ” ኢሉ ነይሩ። (ሉቃ. 10:⁠2) ዝያዳ ዓየይቲ ምእንቲ ኽንረክብ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ንየሆዋ ኽንልምኖ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተወሰኽቲ ዓየይቲ ኣለዉና: ንዞባና ድማ ብተደጋጋሚ ንሽፍኖ ኣሎና። የሆዋ ንጸሎትና ምምላሱ ከሐጕሰናዶ ኸይኰነ ዝግባእ፧

3 ዘይምሕላል ጽቡቕ ፍረ የፍሪ:- ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየ ዞባታት እውን ከይተረፈ: ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕበልዎ: ናብ ፍልጠት ሓቂ ድማ ይመጹ ኣለዉ። ስለዚ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኽንረክብ ተስፋ ብምግባር ወትሩ ክንኵሕኵሕ ኣሎና። (ኢሳ. 6:⁠8-11) ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተገዳስነት ንምልዕዓል: ከምቲ ቐዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ‘[“ብቐጻሊ:” NW ] ኺዶም።’​—⁠ማቴ. 10:⁠6, 7

4 ኣብ ፖርቱጋል ብዙሓት ጉባኤታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንዞባአን ይሽፍንኦ ኢየን: ገና ግን ኣባጊዕ መሰል ሰባት ይረኽባ ኣለዋ። ብፍላይ ሓንቲ ሓብቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዋ። ከምዚ ድማ በለት:- “ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻደይ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ንኽረክብ የሆዋ ምእንቲ ኽሕግዘኒ ናብኡ እጽሊ።” ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ እንዳ መሻጢት ንዝዓያ ሰራሕተኛታት ጽንዓት ክትገብረለን መደበት። ድሓር ግን ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ኢያ ጽንዓት ክትገብር ዝመጸት። “ካልኦት ግዲ የብለንን: ኣነ ግን ተገዳስነት ኣሎኒ” ድማ በለታ። ኣብ ውሽጢ ወርሒ እታ ሰበይቲ ኽልተ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ጀመረት። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ተጠምቀት እሞ ጸኒሓ ፓይነር ኰይና ኸተ​ገልግል ጀመረት!

5 እቲ ዕዮ ይዕየ ኣሎ:- ከምቲ የሱስ እተነበዮ እቲ ብስራት ይስበኽ ኣሎ። (ማቴ. 24:⁠14) ኣብቲ ‘ኽሰምዑና ዘይፈትዉ’ ሰባት ዘለዉዎ ቦታታት እውን ከይተረፈ ነቲ ዕዮ ስብከት እንታይ ምላሽ ከም ዝህቡ ትዕዝብቲ ይውሰደሎም ኢዩ ዘሎ። ገሊኣቶም ከም ዘይቅበሉና: አረ ንሓቂ ዝጻረሩ እውን ክዀኑ ትጽቢት ንገብር ኢና። እንተ​ዀነ ግን: እዚኣቶም እውን ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ መጠንቀቕታ ኽወሃቦም ኣለዎ።​—⁠ህዝ. 2:⁠4, 5፣ 3:⁠7, 8, 19

6 ዕዮና ገና ኣይተወድአን:- እቲ ዕዮ ስብከት መዓስ ደው ከም ዝብል ናይ ምውሳን ሓላፍነት የብልናን። የሆዋ ኢዩ ብልክዕ መዓስ ደው ክብል ከም ዘለዎ ዝፈልጥ። ኣብ ዞባና ነቲ ብስራት ዝቕበሉ ሰባት እንተለዉ ወይ እንተ ዘየለዉ ይፈልጥ ኢዩ። ሎሚ ሰባት ተገዳስነት ከም ዘይብሎም ይገልጹ ኢዮም: ጸኒሑ ኣብ ህይወቶም ከቢድ ለውጢ ማለት ስራሕ ምስኣን: ከቢድ ሕማም: ሞት ናይ ዘፍቅርዎ ሰብ ምስ ዘጋጥሞም ግን ክቕበሉና ይኽእሉ ኢዮም። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ብዙሓት ሰባት ከይመርመሩ ብሕማቕ ስለ ዝፈርዱ ወይ ግዜ ስለ ዘይብሎም ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ፈጺሞም ኣይሰምዕዎን ኢዮም። ብሕያውነት ደጋጊምና ምስ እንኸዶም ንመልእኽትና ኽግንዘብዎን ክሰምዕዎን ይኽእሉ ኢዮም።

7 እቶም ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝዓበዩን ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራ​ቤት ዝመስረቱን ሰባት: ብዛዕባ ህይወቶም ይሓስቡን ቃል ኣምላኽ ጥራይ ክምልሶ ዝኽእል ሕቶታት ይሓቱን ኢዮም። ሓንቲ መንእሰይ ኣደ ንኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ ኽኣትዋ ዓደመተን እሞ ኸምዚ በለተን:- “ንእሽቶ ኸለኹ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዘራረቡ ጥራይ ዝደልዩ ኽነሶም ኣደይ ንምንታይ ኣይደልን ኢየ እናበለት ትመልሶም ከም ዝነበረት ኣይርድኣንን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ዓብየ ምስ ተመርዓኹን ሓዳረይ ምስ ወጻእኩን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘረድኡኒ ኽገብር ኢየ ኢለ ወሰንኩ።” ከምቲ ውሳነኣ ድማ ነተን ገዝኣ ዝኸዳኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከረድኣኣ ዓደመተን።

8 ዝያዳ ኣስላጢ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ንዞባና ብተደጋጋሚ ምዕያይ ከም ዝኸብደና ዝገብሩ እቶም እንኸዶም ሰባት ጥራይ ከይኰኑ ይኽእሉ ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ባዕልና ኢና እዚ ጸገም እዚ ነምጽኦ። ኣሉታዊ ሓሳብ ሒዝና ዲና ናብ ኣገልግሎት እንኸይድ፧ እዚ ንኣረኣእያና: ቃና ድምጽና: ከምኡውን ንገጽና ኽጸልዎ ይኽእል ኢዩ። ኣወንታዊ ኣረኣእያን ባህ ዘብል ወጅህን ይሃሉኻ። ሓድሽ ኣቀራርባ ተጠቐም። ኣቀራርባኻ ቀያይር: ከተመሓይሾ ድማ ጽዓር። ምናልባት መእተዊ ሕቶኻ ኽትቅይሮ ወይ ኣብ ዝርርብካ ካልእ ጥቕሲ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዞባኦም ከገልግሉ ኸለዉ ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብዎ እንታይ ምዃኑ ሕተቶም። ኣብ ኣገልግሎት ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕትን ፓይነራትን ዕየ: ኣገልግሎቶም ኣስላጢ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ስለምንታይ ምዃኑ ኣስተውዕል።

9 ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ስምረትን በረኸትን የሆዋ ኣለዎ: ኣብዚ ዕዮ እዚ ምስታፍ ከኣ ንዕኡን ንብጻይናን ከም እነፍቅር የርኢ። (ማቴ. 22:⁠37-39) ስለዚ ከይሰልከና ኣብ ዞባና ብተደጋጋሚ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ዕዮና ክሳዕ ዝዛዘም ነገልግል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ