ደጋጊምና ምምላስ ዘይነቋርጽ ስለምንታይ ኢና፧
1 ምናልባት ነታ ኣገልግሎት እትኸደላ መዓልቲ ክትዳሎ ከሎኻ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንገዛእ ርእስኻ ሓቲትካያዶ ትፈልጥ፧ ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየሉ ናይ ዞባና ከባቢታት: ሰብ ቤት የለልዩና እሞ ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ይነጽጉና ይዀኑ። ሒደት ጥራይ ድማ ባህ ብዘብል መገዲ ይምልሱልና ይዀኑ። ይኹን እምበር: ስለምንታይ ካብ ቤት ናብ ቤት ከየቋረጽና ክንከይድ ከም ዘሎና ዝሕብር ብዙሕ ቅቡል ምኽንያታት ኣሎ።
2 ቀዳማይ ነገር: መወዳእታ ክሳዕ ዝመጽእ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ምስባኽ ክንቅጽል ተኣዚዝና ኢና። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ ዕዮ ስብከቱ ክሳዕ መዓስ ክቕጽል ከም ዝነበሮ ሓቲቱ ነበረ። እቲ ዝረኸቦ መልሲ ኣብ ኢሳይያስ 6:11 ተመዝጊቡ ኣሎ። ናብቲ ህዝቢ መልእኽቲ ኣምላኽ ሒዙ ደጋጊሙ ምምላስ ከየቋርጽ ከም እተነግሮ ብግልጺ ክረአ ይከኣል። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ዝነጽጉና እኳ እንተዀኑ ነቶም ኣብ ዞባና ዝነብሩ ሰባት ምብጻሕ ክንቅጽል የሆዋ ትጽቢት ይገብረልና ኢዩ። (ህዝ. 3:10, 11) እዚ ብሕድሪ እተዋህበና ቅዱስ ሓላፍነት ኢዩ።—1 ቈረ. 9:17
3 ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ እንቕጽለሉ ካልእ ምኽንያት ድማ እዚ ዕዮ እዚ ንየሆዋ ዘሎና ዕምቈት ተወፋይነት ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፍት ኢዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ብተወሳኺ ድማ: ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን: ንሰባት ዝጽበዮም ዘሎ መጻኢ ኵነታት ክንሓስቦ ከሎና ከመይ ገይርና ኢና እሞ ንጐረባብትና ብፍቕራዊ መገዲ ካብ ምጥንቃቖም ንድሕሪት ክንብል እንኽእል፧ (2 ጢሞ. 4:2፣ ያእ. 2:8) ንመዝነትና ኣብ ምፍጻም እሙናት ምዃንና ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ድሕነት ምላሽ ንኽህቡ ተደጋጋሚ ኣጋጣሚ ስለ ዝህቦም: መጠንቀቕታ ኣይተዋህበናን ክብሉ ኣይክእሉን ኢዮም።—ህዝ. 5:13
4 ብተወሳኺ: ገለ ሰባት ልቦም ዝልወጠሉ ግዜ ፈጺምና ኣይንፈልጥን ኢና። ብምኽንያት ኣብ ብሕታዊ ኵነታቶም ዘጋጥሞም ለውጢ: ኣብ ስድራቤቶም ዝወረደ ዘሕዝን ፍጻመ: ወይ ድማ ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ መጻኢኦም ኣርዚኖም ንኽሓስቡ ዝገብሮም ኵነታት ዓለም ተቐይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: እቲ ኣብ ቤቶም ኬድና እንዛረቦ ገለ ነገር ጽቡቕ ምላሽ ንኽህቡ ክትንክፎም ይኽእል ኢዩ። (መክ. 9:11 NW ፣ 1 ቈረ. 7:31) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ሰባት ቦታ ይቕይሩ ኢዮም። ኣብ ዞባና ነቲ ብስራት ዝቕበሉ ሓደስቲ ነበርቲ ምናልባት ንበይኖም ዝነብሩን ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ኣርዚኖም ዝሓስቡን በጽሕታት መንእሰያት ንረክብ ንኸውን።
5 ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ክንቅጽል ዲና፧ እወ! ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ሰባት ደጋጊምና ክንምለስ እኹል ምትብባዕ ይህቡና ኢዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ዕዮ ስብከት ምስ ኣብቅዐ: የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝገበርናዮ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ክባርኾ ኢዩ: ነቶም ነቲ ብስራት መንግስቲ ሞሳ ብዘለዎ መገዲ እተቐበሉ ድማ ክባርኾም ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:16