ተገዳስነት ንምልዕዓል እዋናዊ ፍጻመታት ተጠቐም
1 ንኣገልግሎትካ እዋናዊ ዝገብሮን ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተገዳስነት ዘለዓዕልን ጽቡቕ ሓሳባት ብቐጻሊ ክትረክብ ትደሊዶ ኢኻ፧ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ ነቲ ኣብ ዓለምን ኣብ ማሕበረሰብካን ዘጋጥም ፍጻመታት ዝርርብ ንምጅማር ተጠቐመሉ። ኣብቲ ከባብን ኣብታ ሃገርን ዘጋጠመ ፍጻመታት ወይ ኣህጉራዊ ዜና ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍጻመታት እዚ ኵሉ ሳዕ ኢዩ ዝለዋወጥ። (1 ቈረ. 7:31) ነዚ ዝስዕብ ኣብነታት ርአ።
2 ቍጠባዊ ጸገማት: ከምኡውን ኵነታት መነባብሮ ብሓቂ ንሰባት ዘጨንቕ ነገራት ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሕጂውን ዋጋ [ናይ ሓደ ነገር ጥቐስ] ይንህር ከም ዘሎ ሰሚዕካዶ፧” ወይ ብዛዕባ ሽቕለት ኣልቦነት ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ብመሰረት እቲ ምይይጥ ክቕጽል እትደልየሉ መገዲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ:- “ናብራ ስለምንታይ ኣዝዩ ከም ዝኸበደ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧” ወይ “መነባብሮ ኵሉ ሳዕ ከቢድ ኰይኑ ዝቕጽልዶ ይመስለካ፧”
3 ከም ኣብ ስድራቤታት ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ዘሕዝን ፍጻመ ዝኣመሰለ ብዛዕባ ዓመጽ ዝወጽእ ጸብጻብ ምይይጥ ንምጅማር መሰረት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ [ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ] ኣብ ጋዜጣ ኣንቢብካዶ፧” ድሕርዚ “ኣብ ዓለም ዓመጽ ኣመና ክበዝሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧” ወይ “ድሕንነት ዝስምዓና እዋን ዝመጽእዶ ይመስለካ፧” ኢልካ ሕተት።
4 ብዛዕባ ዘዕኑ ምጥልቕላቕ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ወይ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ዓለም ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝገልጽ ዜና እውን ተገዳስነት የለዓዕል ኢዩ። ንኣብነት: ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣምላኽ በቲ [ዘጋጠመ ባህርያዊ ዕንወት ጥቐስ] ተሓታቲ ድዩ፧” ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ናዕቢ ብምጥቃስ “ኵሉ ሰብ ሰላም ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ: ሰላም ክርከብ ዘይተኻእለ ስለምንታይ ኢዩ፧” ኢልካ ሕተት።
5 ኣብ መእተዊኻ ምእንቲ ክትጥቀመሉ እዋናዊ ፍጻመታት ተጠንቂቕካ ተኸታተል። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 3 “እዋናዊ ፍጻመታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ጠቓሚ ሓሳባት ይርከብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ጕዳያት ወገን ኣይትሓዝ። ኣብ ክንድኡስ: ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡውን ናብታ ነዚ ዘሎ ናይ ደቅሰብ ሽግር ንሳ ጥራይ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘተኵሩ ግበር።