ኣብዛ ወትሩ እትቀያየር ዓለም ምስባኽ
1 ነገራት ቀልጢፉ እዩ ዝቀያየር ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ባህርያዊ ሓደጋ: ቍጠባዊ ቕልውላው: ፖለቲካዊ ናዕቢ: ወይ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዝረክብ ዘሕዝን ፍጻመ መዘራረቢ ጕዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ሰባት እውን ቀልጢፎም ኣቓልቦኦም ናብ ካልእ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 17:21፣ 1 ቈረ. 7:31) ኣብዛ ወትሩ እትቀያየር ዘላ ዓለም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኸነብጽሓሎም ብኸመይ ኣቓልቦኦም ክንረክብ ንኽእል፧
2 ዘጨንቖም እንታይ ምዃኑ ኣስተብህል:- ሓደ ኻብቲ ኣቓልቦ ሰባት ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ እዋናዊ ፍጻመታት ብምጥቃስ እዩ። ሓደ ግዜ የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ኣቕዋም ኣጸቢቖም ንኽሓስቡሉ ኽምሕጸኖም ከሎ: ንሳቶም እውን ዝፈልጥዎ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ጠቐሰ። (ሉቃ. 13:1-5) ንሕናውን ነቲ ብስራት ክንነግር ከለና: ኣብ ቀረባ ግዜ ንእተፈነወ ዜና ወይ ንህይወት እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ንዝትንክፍ ጕዳያት ምስ እንጠቅስ ጽቡቕ እዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ክንመያየጠሉ ኸለና: ኣብ ፖለቲካ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ንሓደ ወጊንና ንኸይንዛረብ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ዮሃ. 17:16
3 ንሰባት ዘተሓሳስቦም እዋናዊ ጕዳይ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ምናልባት እቲ ዝሓሸ መገዲ ሕቶ ሓቲትና ዝህቡና መልሲ ምስማዕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። (ማቴ. 12:34) ንሰባት ዘሎና ተገዳስነት ንኣረኣእያ ኻልኦት ንኸነስተብህለሉን ብሜላ ተወሳኺ ሕቶ ንኽንሓቶምን ይድርኸና። ሓደ ብዓል ቤት ብኡንብኡ ዝህበና መልሲ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ዘተሓሳስብ እንታይ ምዃኑ ኽሕብረናን ምስክርነት ንኽንህብ መገዲ ክኸፍተልናን ይኽእል እዩ።
4 ኣቀራርባ ምድላው:- ኣብዛ ወትሩ እትቀያየር ዘላ ዓለም ንግራት ኣገልግሎት ክንዳሎ ኸለና: ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኽንጥቀመላ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣቀራርባና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ጠቓሚ ሓሳባት ኣብቲ “ገበን/ድሕንነት” ከምኡውን “እዋናዊ ፍጻመታት” ዝብል ኣብ ገጽ 3 ተገሊጹ ኣሎ። ተመሳሳሊ ሓሳባት ኣብ ናይ መስከረም 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ይርከብ እዩ። መእተዊ ኽትዳሎ ኸለኻ: ምስኡ ዝኸይድ ጥቕሲ እውን ኣይትረስዕ።
5 ነቶም ኣብ ዞባና ዝርከቡ ሰባት ዘተሓሳስቦም ነገራት ወትሩ ኸም ዝቀያየር ብምስትብሃል: ነቲ ብስራት ንምንጋር እንጥቀመሉ ኣቀራርባና ኸከም ኣድላይነቱ ኽንቀያይሮ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ኣጸቢቑ ዝትንክፎም ነገራት ንዛረቦም እሞ ብዙሓት ነቲ ኣብ ባህርያቱ ዀነ ስርዓታቱ ለውጢ ዘይብሉ ኣምላኽ ንኽፈልጥዎ ኽሕገዙ እዮም።—ያእ. 1:17