ናይ መንግስቲ ስብከትና እነማሓይሸሉ መገድታት
1 ናይ ስብከት ዕዮና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ኮይኑ ኣሎ። ሰባት ንኽነብሩ ወይ ንኽሞቱ ኣብቲ ነቲ ብስራት ዝህብዎ መልሲ እተመርኮሰ ኢዩ። (1 ጴጥ. 4:5, 6, 17፣ ራእ. 14:6, 7) በዚ ምኽንያት እዚ ኵሉ ግዜ ነቲ ናይ መንግስቲ ስብከትና እነማሓይሸሉ መገዲ ክንደሊ ይግብኣና። ገለ ካብቶም ምምሕያሽ እንገብረሎም መገድታት እንታይ ኢዮም?
2 ጽቡቕ ገይራካ ተዳሎ:- ካብቲ ሓድሽ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሕታም ተጠቒምካ ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ይስሕቦም ኢዩ ዝበልካዮ ኣቀራርባ ምረጽ። እቲ ሓሳባትካ ምስ ናይ ከባቢ ኵነታት ከተሰማምዖ ኣገዳሲ ኢዩ። ወይውን ኣስላጢ ኮይኑ ዝረኸብካዮ ሓሳባትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታትን ብምጥቃም ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ትመርጽ ትኸውን። ተገዳስነት ዘለዓዕል መእተዊ ከድልየካ ኢዩ። (ካብታ ምምርማር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 9–15 ርአ) ምናልባት ዘተሓሳስብ ሕቶ ንምሕታት መዲብካ ትኸውን ወይውን ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘገድስ ገለ ነጥቢ ናይ ዜና: እቲ በዓል ቤት እንታይ ሓሳባት ከም ዘለዎ ትሓቶ ትኸውን። እቲ ኣቀራርባ ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ሓዝካዮ: ምስ ሓደ ንኸተማሓይሽ ርእይቶ ክህበካ ዝኽእል ኣባል ስድራቤትካ ወይ ካልእ ኣስፋሒ ኴንካ ተለማመደላ።
3 ምስ ሰባት ተዘራረብ:- ዕላማና ኣገዳሲ ዝኾነ መልእኽቲ ምብጻሕ ኢዩ። እዚ ነቲ ሰማዒና ኣብ ትርጕም ዘለዎ ምዝርራብ ከም ዝኣቱ ብምግባር ክፍጸም ይከኣል። እቲ ብዓል ቤት ተቓውሞ ምስ ዘልዕል ወይ ሓሳባቱ ምስ ዝገልጽ ጽን ኢልካ ነቲ ዝብሎ ስምዓዮ። እቲ ዘረባኡ ብዛዕባ እቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ተስፋ: ጥቕሳዊ መልሲ ንኽትህብ ክሕግዘካ ኢዩ። (1 ጴጥ. 3:15) እቲ ኣረኣእያኡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ እንተ ደኣ ኾይኑ ብጥበብ ከምዚ ክትብል ትኽእል:- “ብዙሓት ሰባት ከምዚ ንስኻ ዝስምዓካ ይስምዖም ኢዩ። ይኹን እምበር ነዚ ኣርእስቲ እዚ ክንምልከተሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ ኣብዚ ኣሎ።” ድሕሪኡ ንዕኡ ዝበቅዕ ጥቕሲ ኣንብበሉ እሞ: ካብኡ ርእይቶኡ ስማዕ።
4 ተዓጻጻፊ ዝኾነ መደብ ይሃሉኻ:-ምስ ሰባት ክትዘራረብ ዘይትኽእል እንተደኣ ኴንካ: ጽቡቕ ገይርካ ምድላውካ ዋጋ የብሉን። ሎሚ ኣብቲ እንገብሮ ምብጻሕ ሒደት ሰብ–ቤት ጥራይ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑና ልሙድ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ዞባኻ ከምኡ እንተደኣ ኾይኑ: ዝያዳ ሰባት ገዝኦም ኣብ ዝርከብሉ ግዜ ካብ ቤት ናብ ቤት ምእንቲ ክትዓዪ መደባትካ ከተትዓራሪ ፈትን። ቀዳመ–ሰንበት እቲ ዝበለጸ ክትበጽሓሉ እትኽእል ግዜ ምዃኑ ረኺብካዮ ትኸውን፣ ካልኦት ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰሙን ኮይኑስ ኣብ ኣጋ ምሸት ዝያዳ ይርከቡ ይኾኑ። ኣብ ገለ ከባቢታት ከኣ እቶም ኣስፋሕቲ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ስለ ዝርከቡ ኣብ ግዜ ዓለማዊ በዓላት ምምስካር ጠቓሚ ኮይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት: ሰባት ብሓፈሻኡ ኣብ ናይ ምዝንጋዕ መንፈስ ስለ ዝርከቡ ንኸተዛራርቦም ፍቓደኛታት ኢዮም ዝኾኑ። እቲ መእተዊኻ ምስቲ ኣጋጣሚ ከተሰማምዖ ሰናይ ኢዩ: ብድሕሪኡ ነቲ ሓሳባትካ ምስ ጥቕሳዊ ፍረ ነገር ኣተሓሕዞ።
5 ነቲ ናይ ኣቀራርባኻ ስሉጥነት መርምሮ:- ካብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ምስ ወጻእካ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ‘ንልቢ በዓል–ቤት በጺሐዮዶ? ሓሳባቱ ከም ዝገልጽ ገይረ: ነቲ ዝበሎ ኣስተውዒለሉዶ? ብጥበብዶ መሊሰሉ? ነቲ ኵነታት ብምምልካትከ እቲ ዝበለጸ መገዲዶ ተጠቒመ?’ ምስ ሓደ ተመኵሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ወይ ምስ ሓደ ፓይነር ጸጸኒሕካ ምዕያይ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ኣሳልጦ ንኸተምሓይሽ ኢልካ ኣቀራርብኡ ጽን ኢልካ ምስማዕ: ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
6 ኣብቲ ዕዮኻ ክኢላ እንተደኣ ኴንካ ‘ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕነሉ እትኽእል’ ናይታ መንግስቲ ሓቅታት ከተካፍል ክትክእል ኢኻ።—1 ጢሞ. 4:16፣ ምሳ. 22:29