ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ
1 ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! በቲ እዋናውን ሓበሬታ ዝህብን ዓንቀጻቱ ነማስወሉ ኢና: እዚ ድማ ካብ ኵነታት ዓለም ክሳዕ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዝሽፍን ኢዩ። (1 ቈረ. 2:10) ኵልና ነቲ ኣብዚ መጽሔታት እዚ ዘንበብናዮ ሓድሽን ሃናጽን ዝዀነ ብዙሕ ነገራት ንዝክሮ ኢና: እዚ ድማ የሆዋ ነቲ ሓቂ በብደረጅኡ ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ዘሎ ኢዩ። (ምሳ. 4:18) ብእተኻእለና ብብዝሒ ምእንቲ ክንዝርግሖም ህንጡያት ክንከውን ንደሊ ኢና።
2 ንዞባኻ ኣጽንዓዮ:- ኣብቲ ከባቢኻ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ዝነብሩ፧ ኣብ መነባብሮኦም ኵሉ ግዜ ህዉኻት እንተድኣ ኰይኖም: ሓጺርን ነጥቢ ዝወቅዕን ኣቀራርባ ክትዳሎ ከድልየካ ኢዩ። እቲ ዞባኻ ህዉኻት ዘይኰኑ ሰባት ዘለዉዎ እንተድኣ ኰይኑ ድማ: ዝያዳ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ሰብ ቤት ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ እንተድኣ ኰይኖም: ድሕሪ ሰዓት ሓሙሽተ ወይ ዓይኒ ቅድሚ ምሓዙ ኣብ ዘሎ ሰዓታት ኣብ ኣባይቶም ምብጻሕ ዝያዳ ከስልጠልካ ይኽእል ይኸውን። ንገሊኦም ድማ ቀትሪ ኣብቲ ናይ መገዲ ምስክርነት ወይ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ክትዓዪ ከሎኻ ትረኽቦም ትኸውን። ገለ ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታታትን ናይ ከተማ መናፈሲታትን ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ገይሮም ንሰባት ብምቕራብ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም ኢዮም።
3 ምስቲ መጽሔታት ተላለ:- ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ትቕብል ምስ ኣበልካያ ኣንብባ። ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ትስሕብ ኢያ ዝበልካያ ዓንቀጽ ሕረ። እንታይ ዓይነት ኣርእስቲ ኢዩ ዘገድሶም፧ ካብታ ከተቕርባ መዲብካያ ዘሎኻ ዓንቀጽ ክትጠቕሳ እትኽእል ፍልይቲ ነጥቢ ድለ። ተገዳስነት ንምልዕዓል ዝሕግዘካ ሕቶ ሕሰብ። ኣጋጣሚ እንተድኣ ረኺብኩም ነቲ በዓል ቤት እተንብበሉ እዋናዊ ጥቕሲ ሕረ። ተመሊስካ ክትበጽሕ ከሎኻ ናይ ሓባር መዘራረቢ ነጥቢ ንኽህልወካ እንታይ ከም እትብል ሕሰብ።
4 ናይ ገዛእ ርእስኻ መእተዊ ዝኸውን ቃላት ኣዳሉ:- ንምፍላጥን ዝርርብ ንምጅማርን ክትጥቀመሉ እትምድቦ ቃላት ብጥንቃቐ ምረጽ። ገለ ኣሕዋት “ኣብዛ መጽሔት እዚኣ መሳጢ ዝዀነ ዓንቀጽ ኣንቢበ: ነዚ ድማ ንኻልኦት ከካፍሎ ደልየ ኣሎኹ” ዝብል ናይ መእተዊ ሓሳባት ብምጥቃም ኣሳልጦ ረኺቦም ኢዮም። ብዙሓት ከኣ ኣብቲ ክዘራረብሉ መዲቦምዎ ዘለዉ ነጥቢ ዘተኰረ ሕቶ ብምልዓል ይጅምሩ። ንኣብነት:-
5 ምብዛሕ ገበን እተጕልሕ ዓንቀጽ እንተድኣ ኰይና: ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ክንስረቕ ወይ ሓደጋ ክመጸና ኢዩ ዝብል ፍርሂ ዘይብልና ብምዃኑ ለይቲ ክንድቅስ ወይ ገዛና ሓዲግናዮ ክንከይድ ዘኽእለና እንታይ ኢዩ፧” ነዚ ግድል እዚ መፍትሒ ዝኸውን ገለ ሓበሬታ ከም ዘሎካ ግለጽ። እቲ መፍትሒ ንነፍሲ ወከፍ ካልእ ዓይነት ማሕበራዊ ሕንፍሽፍሽ እውን ከይተረፈ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከልግሶ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ተስፋ ዝህብ ኣብታ መጽሔት ዘሎ ገለ ሓሳብ ጥቐስ። ምስ ተመለስካ: እቲ በዓል ቤት ቈላሕትኡ ናብ ምዕራፍ 1 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ከም ዝኸውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
6 ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት እትዛረብ ዓንቀጽ ከተበርክት ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ መብዛሕትኦም ወለዲ ስድራ ቤት ከካይዱ ብሓቂ ብድሆ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝዛረቡ ብዙሓት መጻሕፍቲ ተጻሒፎም ኢዮም: ይኹን እምበር ክኢላታት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እዚ ኣይተሰማምዑን። ክትውከሎ ዝከኣል መምርሒ ክህብ ዝኽእል ኣካል ኣሎዶ፧” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ፈልዩ ዝገልጽ ሓሳብ ካብታ መጽሔት ኣንብበሉ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 145-8 ዘሎ ብዛዕባ ምዕባይ ቈልዑ ዝዛረብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ተመያየጠሉ።
7 ብዛዕባ ማሕበራዊ ግድል እትዛረብ ዓንቀጽ ከተበርክት ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ደቛሲ ዝዀነ እዋን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ከም ዘለዉ ዀይኑ ይስምዖም። ከምዚ ኢልና ክንነብር ኣምላኽ ይደልዮ ኢዩ ኢልካ ትሓስብዶ፧” ነዚ ሎሚ ዘሎ ግድላት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ እትገልጽ ወይ ካብ ጭንቀት ናጻ ዝዀነ መጻኢ ግዜ ብተስፋ ንምጽባይ ዘኽእል ምኽንያታት እትህብ ዓንቀጽ ኣርእዮ። ኣብቲ ዝቕጽል ምብጻሕካ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 4-5 ዘሎ ስእልን መግለጽን ተመያየጠሉ: ብቐጥታ ድማ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀምር።
8 ምስቲ በዓል ቤት ዝሰማማዕ ነገር ኣቕርብ:- እተፈላለየ ተገዳስነትን መበቈልን ዘለዎም ሰባት ክትረክብ ኢኻ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከተሰማምዖ እትኽእል መሰረታዊ ኣቀራርባ ኣዳሉ። ንሰብኣይ: ንሰበይቲ: ብዕድመ ንዝደፍአ ሰብ: ወይ ንመንእሰይ እትዛረቦ ነገራት ብኸመይ ከም እተሰማምዖ ኣብ ኣእምሮኻ ድሉው ኵን። እንታይ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ዝውስን ደረቕ ስርዓት የለን። ንዓኻ ዝጥዕመካን ፍረ ዘለዎን ዝዀነ ይኹን ኣገባብ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ውዕዉዕ: ካብ ልቢ እትዛረብ: ከምኡውን ጽን በሃሊ ኵን። እቶም “ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ንቕንዕናኻ ክርድእዎ: ጽቡቕ ምላሽ ድማ ክህብሉ ኢዮም።—ግብ. 13:48 NW
9 ንሓድሕድኩም ተደጋገፉ:- ንሓድሕድና ርእይቶታት ብምልውዋጥ: ሓሳባትና እንገልጸሉ ሓድሽ መገድታት ንማሃር ኢና። ብሓደ ኴንና ንኣቀራርባና ምልምማድ ተመክሮን ምትእምማንን ይህበና ኢዩ። (ምሳ. 27:17) ነቲ ክትብሎ ዘሎካ ነገር እንተድኣ ተለማሚድካ: ኣብቲ ኣፍ ደገ ዝያዳ ክፈዅሰካ ኢዩ። ወለዲ ደቆም ንኽዳለዉ ክሕግዝዎም: ንኣቀራርብኦም ክለማመዱ ከለዉ ክሰምዕዎም: ንምምሕያሽ ዝኸውን ርእይቶታት ድማ ክህብዎም ግዜ ክምድቡ ኣገዳሲ ኢዩ። ሓደስቲ ሰባት ድማ ምስቶም ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኰይኖም ብምዕያይ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም።
10 ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ምድላው ከቢድ ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ ኣብ ኣእምሮኻ ክትዛረቦ ዘሎካ እተወሰነ ነጥቢ ናይ ምሓዝን ብዝምስጥ ኣገባብ ድማ ናይ ምግላጹን ጕዳይ ኢዩ። ተበግሶ ብምውሳድን ኣቐዲምካ ድማ ብምሕሳብን ሰናይ ምላሽ ዝርከቦ ጽቡቕ ኣቀራርባ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።
11 ምዕዳል መጽሔታት ሓደ ካብቲ ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ኣብ ምሉእ ዓለም እንዝርግሓሉ ቀንዲ መገድታት ኢዩ። ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ኢድ ቅኑዓት ሰባት ከነብጽሖ እንተድኣ ክኢልና: እቶም መጽሔታት ባዕላቶም ክዛረቡ ኢዮም። ብእተኻእለ መጠን ብሓንሳእ ክልተ መጽሔታት ኣበርክት። ኵሉ ግዜ ሒዞምዎ ዘለዉ ቁም ነገር: እቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ድማ ብኸመይ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል ዘክር። ከምዚ ዝኣመሰለ “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ንየሆዋ ኣዝዩ ባህ የብሎ ኢዩ።—እብ. 13:16