ናይ መዛኑ ጸቕጥን ንኽትሰብኽ ዘሎካ መሰልን
1 ናይ መዛኑ ጸቕጢ እንተ ንሕማቕ እንተ ንጽቡቕ ሓያል ጽልዋ ዘሕድር ኢዩ። ብጾትና ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ንሰናይ ክርስትያናዊ ግብሪ ዘነቓቕሓና ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድሩልና ኢዮም። (እብ. 10:24) እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤትና: መሳርሕትና: መማህርትና: ጐረባብትና: ወይ ካልኦት እንፈልጦም ሰባት ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ብዝጻረር መገዲ ንኽንመላለስ ጸቕጢ ክገብሩልና ይኽእሉ ኢዮም። ‘ነቲ ብክርስቶስ ዝኸውን ሰናይ ኣካይዳና ክጸርፍዎ’ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ጴጥ. 3:16) ንዝመጸና ኣሉታዊ ናይ መዛኑ ጸቕጢ እናተጻወርና ስብከትና ንኽንቅጽል ኣብ ዝገበርናዮ ቈራጽነት ክንጸንዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ኣባላት ስድራቤት:- ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ኣቦ: በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ኣገልግሎት ክካፈሉ ኣይደልን ይኸውን። ኣብ ሜክሲኮ ዝነብር ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ነበሮ። በዓልቲ ቤቱን ሸውዓተ ደቁን ናብ ሓቂ መጹ። ኣብ መጀመርታ ኣባላት ስድራቤቱ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ክሰብኩን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ከበርክቱን ስለ ዘይደለየ ይጻረሮም ነበረ። እዚ ዕዮ እዚ ዘሕስሮም ኰይኑ ተሰምዖ። በዓልቲ ቤቱን ደቁን ግን ኣብቲ ንየሆዋ ንምግልጋልን ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋልን ዝገብርዎ ውሳነ ጸንዑ። ድሕሪ ግዜ: እቲ ሰብኣይ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ዝገበሮ ምድላዋት ምስምማዕ ክሳዕ ክንደይ ዘድሊ ምዃኑ ተገንዘበ: ህይወቱ እውን ንየሆዋ ወፈየ። ሓቂ ንኽቕበል 15 ዓመታት ወሰደሉ: እንተዀነ ግን ኣባላት ስድራቤቱ ነቲ ንምስባኽ ዘለዎም መሰል ጸኒዖም እንተ ዘይሕዝዎ ነዚ ስጕምቲ ምወሰደዶ ነይሩ፧—ሉቃ. 1:74፣ 1 ቈረ. 7:16
3 መሳርሕቲ:- ንመሳርሕትኻ ንኽትምስክር እትገብሮ ጻዕሪ ብገሊኣቶም ተቐባልነት ኣይረክብን ይኸውን። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈታ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ዕላል ምስ ተላዕለ: ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከንብቡ ብምንጋራ መሳርሕታ ኣላገጹላ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግን ሓንቲ መሳርሕታ ነታ ምዕራፍ ከም ዘንበበታን ኣዝያ ከም እተመሰጠትን ነገረታ። እታ ሓብቲ ድማ ነታ መሳርሕታ ጽሑፍ ኣበርከተትላ: ንዓኣን ንበዓል ቤታን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ድማ ምድላዋት ተገብረ። ንመጀመርታ ግዜ እተገብረ ጽንዓት ክሳዕ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ቀጸለ። ድሕሪ እቲ ንሳልሳይ ግዜ እተገብረሎም ጽንዓት ኣብ ኣኼባታት ክካፈሉ ጀመሩ: ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ትምባኾ ምጥቃም ገደፍዎ እሞ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈሉ ጀመሩ። እታ ሓብቲ ተስፋኣ ንኻልኦት ንምክፋል እንተ ዘይትጽዕር ነይራ እዚ ምዀነዶ፧
4 መማህርቲ:- መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ትምህርቶም ናይ መዛኑ ጸቕጢ ከጋጥሞምን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምጽማዶም ካልኦት ንኸየቋናጽብዎም ክፈርሁን ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ክርስትያን ኰተቴ “መስሓቒ ከይገብሩኒ ፍርሂ ስለ ዝነበረኒ ንኻልኦት መንእሰያት ምምስካር የሸቝርረኒ ነበረ” በለት። ስለዚ ኣብ ቤት ትምህርታን ኣብ ዞባኣን ንመዛኑኣ ንምምስካር እትረኽቦ ኣጋጣሚታት ኣይትጥቀመሉን ነበረት። ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብትብዓት ንምጽዋር ዘኽእለካ ብርታዐ ካበይ ከተማዕብሎ ትኽእል፧ ስምረት የሆዋ ንምርካብ ኣብኡ ተኣመን። (ምሳ. 29:25) ንቓል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትካ ብውሕሉል መገዲ ተጠቐመሉ። (2 ጢሞ. 2:15) እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ መንእሰይ ናብ የሆዋ ክትጽሊ ጀመረት: ንመማህርታ ንምዝራብ ዘለዋ ድሌት ንኸተማዕብሎ ክሕግዛ ድማ ለመነቶ። ንመማህርታ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህብ ጀመረት: እዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየላ እሞ ነዊሕ ከይጸንሐት ንዅሉ እትፈልጦ ሰብ ክትዛረብ ጀመረት። “እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ክረኽቡ የድልዮም ኢዩ: የሆዋ ኸኣ ንዖኦም ንምሕጋዝ ይጥቀመልና ኣሎ” ኣብ ዝብል መደምደምታ ድማ በጽሐት።
5 ጐረባብቲ:- ብእንታይነትናን ብምኽንያት እምነትናን ዝጸልኡና ጐረባብቲ ወይ እንፈልጦም ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ዘጨንቐካ እንተ ዀይኑ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት:- ‘ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት እትመርሕ ሓቂ ይፈልጥዋዶ ኢዮም፧ ልቦም ንምትንካፍ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ንጐረባብቲ ከየባተኽካ ሕጽር ዝበለ ምስክርነት ምሃብ ጽቡቕ ፍረ ከም ዘፍሪ ተዓዘበ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምድላይ ምእንቲ ኽትቅጽል የሆዋ ሓይልን ጥበብን ክህበካ ለምኖ።—ፊል. 4:13
6 በቲ ዝግበረልና ኣሉታዊ ናይ መዛኑ ጽልዋ እንተድኣ ተሰኒፍና ንተጻረርትና ከሐጕሶም ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ከምዚ ምግባርና ንዖኦም ኰነ ንዓና ይጠቅምዶ ኢዩ፧ የሱስ በቶም ኣብ ማሕበረሰቡ ዝነበሩ ሰባት ምጽራር ኣጋጢምዎ ኢዩ። እቶም ብኣደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ንእተዛረብዎ ከቢድ ቃላት እውን ከይተረፈ ተጸሚምዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክጠቕሞም ዝኽእል በቲ ኣምላኽ ዘዳለወሉ መገዲ ጸኒዑ ምስ ዝመላለስ ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ: የሱስ ‘ካብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ክንድዚ ዝኣክል ምጽራር ተዓገሰ።’ (እብ. 12:2, 3) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ክንጽመም ኣሎና። ብዝከኣለካ መጠን መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽ ቈራጽነት ግበር። እዚ እንተ ገበርካ: “ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞ. 4:16