ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/01 ገጽ 1
  • ንየሆዋ ብሰናይ ግብርኻ ወድሶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ብሰናይ ግብርኻ ወድሶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ዘኽብር ሰናይ ግብሪ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ‘ንሰናይ ግብሪ ትቐንእ’ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንሰናይ ግብሪ ኣብ ንሓድሕድና ብቕንኣት ንነቓቓሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 2/01 ገጽ 1

ንየሆዋ ብሰናይ ግብርኻ ወድሶ

1 ኣብ መገዲ ኸለኻ ብርቱዕ ሃጽፊ ምስ ዝወርድ እሞ ኸኣ መዕቈቢ ምስ እትረክብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ እፎይ እትብል! እቲ ገዛ ምዉቕን ድልዱልን እንተድኣ ዀይኑ: እቶም ነበርቲ ኸኣ ተቐበልቲ ጋሻ እንተድኣ ዀይኖም ባህ ኢሉካ ኢኻ ኣብኡ እትዕቈብ። ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ካብ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ወጺኦም ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዕቈቢ ኽመጹ ኢና እንዕድሞም። መዓልታዊ ኣካይዳና ንኻልኦት ሰባት እዚ ድሕንነት ዝርከቦ መዕቈቢ እዚ ክሳዕ ክንደይ ዝማርኽ ምዃኑ ንኽግንዘቡ ይሕግዞምዶ ኢዩ፧ እወ ይሕግዞም ኢዩ: ከመይሲ የሱስ ሰባት ‘ነቲ ጽቡቕ ግብርና ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦና ከመስግንዎ’ ምዃኖም ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ማቴ. 5:⁠16

2 ተግባራትና ንኻልኦት ሰባት ናብ የሆዋን ማሕበሩን ምእንቲ ኽስሕቦም ኣካይዳና ብኸመይ ከነጸብቕ ንኽእል፧ እተን ኣብ ሉቃስ 6:⁠31 ከምኡውን 10:⁠27 ተመዝጊበን ዘለዋ ቃላት የሱስ: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ዝቐርጻና ብምግባር ነዚ ኽንፍጽሞ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ካብዛ ምግዳስን ሓልዮትን ዘይብላ ዓለም ፍሉያት ብምዃን ንሰባት ፍቕራዊ ሓልዮት ንኸነርእዮም ድራኸ ከሕድረልና ኢዩ።

3 ሓንቲ ሓብቲ ብባሕሪ እናገሸት ከላ ሓንቲ ሰበይቲ ንውላዳ ምእላዩ ክሳዕ እትስእን ኣዝዩ ዕግርግር ከም ዝበላ ተዓዘበት። እታ ሓብቲ ነቲ ቘልዓ ብምሓዝ ሓገዘታ። እታ ሰበይቲ ሞሳኣ ብኸመይ ከም እትገልጸላ ምስ ሓተተታ: እታ ሓብቲ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም ምስ ዘዘራርቡኺ በጃኺ ጽን ኢልኪ ስምዕዮም’ በለታ። እታ ሰበይቲ ኸምኡ ገበረት: ሕጂ ኸኣ ንሳን በዓል ቤታን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። እቲ እተገብረሎም ሰናይ ግብሪ ነቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኣቀባብላ ጽልዋ ገይሩሉ ኢዩ።

4 ንብምሉኡ ኣነባብራና ዘጠቓልል ኢዩ:- ኣብ ከባቢና: ኣብ ስራሕና ወይ ቤት ትምህርትና: ከምኡውን ክንዘናጋዕ ኸሎና እነርእዮ ጠባያት ካልኦት ብዛዕባናን ብዛዕባ ሃይማኖትናን ገለ ዓይነት ኣረኣእያ ከም ዝሕዙ ይገብሮም ኢዩ። ስለዚ: ንርእስና ከምዚ ኢልና እንተ ሓተትና ሰናይ ኢዩ:- ‘ዝዕዘቡኒ ሰባት ንዓይን ንስድራቤተይን ብኸመይ ይርእዩና፧ ጐረባብትና ንገዛናን ቀጽርናን ጽፉፍ ከምኡውን ብስርዓት እተታሕዘ ገይሮምዶ ኢዮም ዝርእይዎ፧ መሳርሕትናን መማህርትናን ሰዓትና እነኽብር ከምኡውን ትጉሃት ከም ዝዀንና ገይሮምዶ ኢዮም ዝርእዩና፧ ካልኦት ብኣከዳድናና እዱባትን ምዕሩጋትን ከም ዝዀንና ድዮም ዝፈልጡና፧’ እቲ እነርእዮ ሰናይ ግብሪ ነቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ንኻልኦት ብዝያዳ ከም ዝስሕብ ይገብሮ ኢዩ።

5 ክርስትያናት ኣደዳ ላግጺ ክዀኑ ምዃኖም ጴጥሮስ ሓቢሩ ነይሩ። (1 ጴጥ. 4:⁠4) እንተዀነ ግን ብኣካይዳና ከይንውቀስ ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:⁠12) መዓልታዊ ተግባርና ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ዝውድስ እንተድኣ ዀይኑ: ልክዕ ከም ኣብ ላዕሊ እተሰቕለት መብራህቲ ንሰባት ናብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ድሕንነት ዝርከቦ መዕቈቢ ኽመጹ እንሕብር ክንከውን ኢና።​—⁠ማቴ. 5:⁠14-16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ