ንሰናይ ግብሪ ኣብ ንሓድሕድና ብቕንኣት ንነቓቓሕ
እብራውያን 10:24 ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ኸነስተብህል’ ተተባብዓና። ንኣሕዋትና፡ በቲ እነርእዮ ሰናይ ኣብነትን እምነትና እንገልጸሉ መገድን ንሰናይ ግብሪ ኸነነቓቕሖም ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ጽቡቕ ተመክሮታትካ ኣካፍሎም። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚስምዓካ ሓጐስ ከም ዚርእይዎ ግበር። ምስናይዚ ግና፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ ይኹን ምስ ካልኦት ኣይተወዳድሮም። (ገላ. 6:4) “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ንምንቕቓሕ ክትጥቀመሉ ጽዓር ደኣ እምበር፡ ናይ ጸጸት ስምዒት ከም ዚስምዖም ኣይትግበር። (ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 158 ሕ.ጽ 4 ርአ።) ንሓድሕድና ንፍቕሪ ንነቓቓሕ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኻልኦት ሰባት ብስጋዊ ነገራትን ብስብከትን ብምሕጋዝ ሰናይ ግብሪ ኽንገብር ኢና።—2 ቈረ. 1:24።