ነታ ዘ ባይብል—ማንካይንድስ ኦልደስት ሞደርን ቡክ ዘርእስታ ቪድዮ ምምሳው
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ነዛ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክትርኢ ኸሎኻ ዝረኸብካዮ ነጥብታት ዘጕልሕ ኢዩ:- (1) ንመጽሓፍ ቅዱስ መዳርግቲ ዘይብሉ ዝገብሮ ሓቅታት እንታይ ኢዩ፧ (2) መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ ክነሱ ምስ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ብኸመይ ከም ዝሰማማዕ ዘርኢ ኣብነት ሃብ። (3) እዚ ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ ከም ዘይተቐየረ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (4) ኣብቲ ኣብ ጥንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፍ ዝርከብ ትሕዝቶ እንታይ ዘደንቕ ባህርይ ኢዩ ተራእዩ: እዚኸ እንታይ ምትእምማን ከም ዝሓድረካ ኢዩ ዝገብር፧ (5) ቃል ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምዝርጋሕ ጆን ዊክሊፍ: ዮሃንስ ጉተንበርግ: ዊልያም ቲንደል: ሜሪ ጆንስ: ከምኡውን ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣበርክቶ ዝገበሩ ብኸመይ ኢዮም፧ (6) ቤተ-ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣበርቲዓ እተጻረረቶ ብኸመይ ኢያ: እንተዀነ ግን ክሳዕ ግዜና ክጸንሕ ዝኸኣለ ብምንታይ ኢዩ፧ (7) ማሕበር የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽንደይ ቋንቋታት ተርጒማቶ: ክንደይ ዝኣክልከ ሓቲማ፧ (8) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ተግባራዊ ምኽርታት ሰባት ንዝነበሮም ወልፊ ምጥላዕ (1 ጢሞ. 6:9, 10): ኣብ ሓዳር ዝርአ ምፍልላይን ጥልመትን (1 ቈረ. 13:4, 5፣ ኤፌ. 5:28-33): ከምኡውን ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ምጕያይ (ማቴ. 16:26) ንኽዋጽእሉ ዝሕግዞም ብኸመይ ኢዩ፧ (9) ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሃገራዊ: ቀቢላዊ: ከምኡውን ዓሌታዊ ጽልኢ ኸወግድ ከም ዝኽእል እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ (10) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ምፍላጥካ ዝያዳ ሓጐስ ዘምጽኣልካ ብኸመይ ኢዩ፧ (11) እዛ ቪድዮ እዚኣ ንመን ክትጠቕሞም እትኽእል ይመስለካ: ብኸመይከ ከተቕርበሎም ኢኻ፧