ዘ ባይብል—ኤ ቡክ ኦቭ ፋክት ኤንድ ፕሮፌሲ ዘርእስታ ዲቪዲ
ኣብታ ዘ ባይብል—ኤ ቡክ ኦቭ ፋክት ኤንድ ፕሮፌሲ (መጽሓፍ ቅዱስ—ሓቅን ትንቢትን ዝሓዘ መጽሓፍ) ዘርእስታ ዲቪዲ፡ ሒዛቶ ኻብ ዘላ ሰለስተ እተፈላለያ ቪድዮታት፡ እታ ቐዳመይቲ ማንካይንድስ ኦልደስት ሞደርን ቡክ (ጥንታውን ዘመናውን መጽሓፍ ደቂ ሰብ) እትብል እያ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረአኻያ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
(1) መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ዚሰማማዕ በየናይ መገድታት እዩ፧ (2) እዚ ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ ከም ዘይተቐየረ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (3) ኣብቲ ኣብ ጥንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፍ ዚርከብ ትሕዝቶ እንታይ ዜደንቕ ባህርይ እዩ ተራእዩ፧ (4) ቃል ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምዝርጋሕ፡ ጆን ዊክሊፍ፡ ዮሃንስ ጉተንበርግ፡ ዊልያም ቲንደል፡ ጆን ሃስ፡ ማርቲን ሉተር፡ ካሴዶሮ ዲ ሬና፡ ከምኡውን ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣበርክቶ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧ ቤተ-ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣበርቲዓ እተጻረረቶኸ ብኸመይ እያ፧ (5) ሰባት ከም ናይ ጥዕና ጸገማት (መዝ. 34:8)፡ ወልፊ ምጥላዕ (1 ጢሞ. 6:9, 10)፡ ኣብ ሓዳር ዚርአ ምፍልላይን ጥልመትን (1 ቈረ. 13:4, 5፣ ኤፌ. 5:28-33)፡ ከምኡውን ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ምጕያይ (ማቴ. 16:26) ንዝኣመሰለ ጸገማት መፍትሒ ንኺረኽቡሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተግባራዊ ምኽርታት ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ (6) ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሃገራዊ፡ ቀቢላዊ፡ ከምኡውን ዓሌታዊ ጽልኢ ኼወግድ ከም ዚኽእል እንታይ መርትዖ ኣሎ (ሉቃ. 10:27)፧ (7) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ምፍላጥካ ዝያዳ ሓጐስ ዘምጽኣልካ ብኸመይ እዩ፧ (8) ነዛ ቪድዮ እዚኣ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧—ናይ ለካቲት 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 8 ርአ።